Pages

Wednesday, March 20, 2013

ታሪኽ ሓራ ኤርትራ፡ ታሪኽ መስዋእቲ እዩ’ሞ፡ ኤርትራውያን ናጻ ክኸኑ ግድን’ዩ

ታሪኽ ሓራ ኤርትራ፡ ታሪኽ መስዋእቲ እዩ’ሞ፡ ኤርትራውያን ናጻ ክኸኑ ግድን’ዩ
ካልኣይ ክፋል፡-

“በየናይ መዓቀኒ?!” ክበሃል ዘይሰምዐዶ ይህልወና ይኸውን? እወ መንዩ እቲ ዓቃኒ? ወይ ዓያሪ? ዝገርምኮ’ዩ!? ብየናይ መዓቀኒ እሞ’ዩ ክኸውን ዝድለ? ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ኣብ ቲቪ-ኤረ ሓደ መግለጺ ሰሚዐ። “ኣብዚ ህሉው ዘሎ ዓለምለኻዊ ቁጠባዊ ቅልውላው፡ ኣሜሪካውያን ቁርስና ንግደፍዶ ወይስ ንብላዕ? ኢሎም ኣብ ሓድ-ሕዶም ዝማጐቱሉ እዋናት ኢና ንርከብ ዘሎና።” ከኣ’ዩ ዝብል። ወዮ ደኣ ክኢላ ቁጠባ ብዘይምዃነይ ብዙሕ ክብል እንተዘይተገብኣኒ፡ ኣብ ኤውሮጳ ዝነብርን ኤርትራዊ ኤውሮጳዊ ብምዃነይን፡ መንብሮይ ምስ መንብሮ ኣሜሪካውያን ምምስሳል ስለ ዘሎዎን፡ እዚ ብዘይምቑጽጻርን እንተገደደ ገደድ ባዕላዊ ሕልናዊ ገደብ ዝኸልአ ዝሩግ ሓበረታ
ዝዝርግሕ መደብ መንግስቲ ንምስማዑ ንነብሰይ ነቒፈን ገሪሙኒን፡ “ኣንታ ሎሚስ ጉድ ክንሰምዕ ኢና?!’ እንዳበልኩ ሙሉእ መዓልቲ ከስተማቕሮን፡ ዳርጋ ምስ ነብሰይ ክዛነየሉን ውዒለ። ንሱ ብቕሙጡ እንከሎዩ’ውን፡ ኣብ ሓዲሽ ዓመት ፕረሲደንት ኤርትራ ሓው ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መሓተት፡ ‘ኣመሪካውያን ኣብ ዕዳ ይነብሩ ከምዘሎዉን፡ ኩሉ እዚ ዝበልዕዎን ዝሰትዩዎን ዝኽደኑዎን ኮታ ዝነብሩዎ ዘሎዉን ሓቂ ኣይኮነን።’ ዘስምዕ ምስጡር ምስጢር ብምቅላዕ እንዳነገረ ከነኣእሶም ዳርጋ ሰሚዐ። ስለዚ’ውን “በየናይ መዓቀኒ?” ዝብል መግለጺ’ውን ብቕንያቱ ብምድግጋም ክጥቀስ ቀንዩ ብምንባሩ፡ እዝክሮ ኣሎኹ’ሞ፡ መላግቦ እፍትሸሉ። መኽንያቱ እቲ ዝንገር ዘሎ ሽግር ኣሜሪካውያን መዓቀኒኡ ብመዓቀን ኣሜሪካውያን ኣብ ዝብል መደምደምታ ንኽበጽሕ ዝኽልክለኒ የልቦን። እወ! ብናይ ባዕሎም መዓቀኒ፡ ኣሜሪካውያን ዳርጋ 3 ትሪልዮን ዕዳ ዝተሰከሙ ህዝቢ ምዃኖምዩ ዝዝንቶ። ማለት እዞም ሕጂ ብጌጽ ዝነብሩ ዘሎዉስ፡ ተዓድዮም እዮም ዘጋይጹ ዘሎዉ ያኢ? ሄህ! “ንዓሻን ኣምተሉ ኣበይ ከይፈልጦ።” ከም ዝብሉዎ’ዩ እቲ ጉዳይ። ብዓቕሚ ሓደ ግሩህ ተራ ሰብ ክዛረብ እንተዝፍቀደለይ፡ ‘ኣነ እንተዝነብር እቲ ወጋኒ፡ መንብሮ ኣመሪካውያን ምስ ሰለስተ ትሪልዮን ዕዳኡን መዛግብቱን ማሕፉዳታቱን፡ እዚ መርገም’ዩ ውሰዱልና ድኽነት ይሕሸና እንተዝብሉስ፡ ሃገረይ ኤርትራ ትውሰዶ ኢለ ምዘመትኩልኩም። “ኣሳፊሕካ ሞት። ትኾርሚኽ ሞት።” እንድዩ እቲ ነገር። ፖለቲካ ኣልቦዶ ኾይነልኩም? ኣይትብሉኒን ግዲ? በየናይ መዓቀኒ? ተበላሒቱ ዝነብር እምበር ዳርጋ ዕዳ ከቢዱዎ ጾሙ ዝሓደረ ኣሜሪካዊ ከምዘየለ መን ዘይፈልጥ? “ኣይበልዐ ኣይሰተ ጎንደር ከይዱ ሞተ።” ዝበሃል ምስላ ቀዳሞት፡ እዝን ከምዝን ምስረኸቡዶ ኾይኮነ ዝደገሙዎ። መንግስቲ እንግሊዝ ንሓንቲ ኣርሒ ዳርጋ 3 ዶላር ንመዓልቲ መማቕርቲ ሳዕሪ እንዳወተፉላስ፡ (ማለት ነቲ ናባዪኣ/ዋንኣ እቲ ገንዘብ ኣብ ክንድኣ ይሕግዙዎ ማለት’ዩ።) ሰብ ዕዳ ኢና ክብሉና’ሞ፡ ንሕና’ውን ካብ’ዚ ዕዳ’ዚ ፈሪሕና ጾምና ክንሓድር ንጋዳ’ዩ። ኣይዘረባን። ስንኩፍ ሓሳብ። ድኻ ርእይቶ። ቁጠባዊ ድንቁርና። ኣብዚሐልኩም ከይከውን ኣይትሓዙለይ። ድኽነት ኣየዛርብንዶ ኢልኩሞ?

እሞ ወዮም መራሕቲ ቁጠባ ዓለምና፡ ኣድራጋ እንዳሓየኹን ዕዳ ጽባሕ ከይፈርሑን ኳዕነን ክብሉ እንዳረኣይናስ፡ ካን ብሓደ ኣፊቱ ኣብ ጥራይ ከብድናን ዝባንናን ንስለ ጽባሕ ኣብዚ ዓለም ከምዘየሎና ድምሱሳት ኮንና ክንነብር ሃየንታ ኣሎዎ። እቶም ዳርጋ ኣብ መእተውየይ ጠቒሰዮም ዘሎኹ ዓበይቲ ሃገራት፡ ከምዚ ሕጂ ኣብ ሃገርና ዝንገረና ዘሎ፡ ዝመሳሰል እንዳተነግሮም ሕጊግ ክብሉን ናብራ ኣኽላባት እንዳነበሩ ንዘይተኣደነን ዘመናት ዘሕለፉ ሶቭየታውያን ይኹኑ ቻይናውያን ሕጂ ንዝነብሩዎ ዘሎዉ ኩነታቶም ዘስተውዓለ፣ ንምንታይ’ዩ ጽባሕ’ውን ኣብ ኤርትራ ዝመጽእ ክውንነት ምዃኑ ዝዝንግዕ? ባንክታት ምዕራብ ብገንዘብ ቢልዮነራት ሩስያውያን እንዳተረግረገ። ህዝቢ ሩስያን ምብራቓዊ ኤውሮጳን ጌና ድኽነቱ ዘይበተኸ እንዳሃለወ እንከሎ፡ ዝኸበሩ ዝበሃሉ ኣብይቲ ምዕራብ ብሃብታማት ደቂ-ሩስያ ኣብ ቅድሚ ዓይንና እንዳተሸመተስ፡ “ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ግዝያዊ ጸገማት ክንሰግሮ ኢና። ስለዚ ሕጂ ነዚ ዝፈታታነካ ዘሎ ጥምየት ከኣሎ። መዓንጣኻ ሸጥ ይበል። ጽባሕ ደቅኻ ዝበለጸት ኤርትራ ክትኮነሎም ምእንታን።” ዝብል ኣበሃህላታት ክትሰምዕ እንከሎኻ፡ ወይ ሰብ ደቀይ! እንተተባህለ መዓስ ዘየገርም ተረኺቡ። ኣንቱም ሰባት እዛ ሕጂ ዘላ ኤርትራና፡ ካብታ ብሕጂ እትመጽእን ጌና ዘይፈለጥንያ ዘሎናን ናይ ጽባሕ ኤርትራና ንምንታይ ዘይትህብትም? ሃብቲ ሎሚ ውሕስነት ጽባሕ ንምንታይ ኣይከውንን? ናይ ሎሚ ስርሓትና ንጽባሕ እንተ ገዲፍናዮ፡ እቲ ናይ ጽባሕ’ውን ንድሕሪ ጽባሕዶ ኾይኮነ ክመሓላለፍ?

ዝገርም’ዩ እዞም መዋዕልና ዝፈለጥናዮም ሰብ ቅይሕ መጽሓፍ ቻይናውያን፡ ጌና ህዝቦም ኣብ ዘይተእደነ ሽግራት እንዳህለወ፡ ሃብታማቶም እቶም ዝበዝሑ ዓማዊል ናይቲ ዝኸበረ ሆተላት ፓሪስ፡ ነውዮርክ፡ ሎንዶን፡ ጥራሕ ዘይኮነስ እቶም ዝበለጹ ሸመትቲ ናይ ሃሮድስን ካልኦትን ኣዝዮም ክቡራትን ዕሙራትን ድኳናት ኮይኖም ክትርኢን ክትምስክርን እንከሎኻስ፡ “ጉድዩ!” መዓስ ዘየብል ኮይኑ? እቶም ንስለ “ማዕረኣዊት” ቻይና ንዘመናት ዝተሰውኡን፡ ዝደመዮን፡ ዝቖሰሉን፡ ዝተኣስሩን፡ ዝተሳቐዩን፡ ዝቖንደፉን ተመሊሶም ነዚ ዘሎ ኩነታት እንተዝርእዩዎስ እንታይኮን ምበሉ? ንሳቶም እሞ እንታይ ክብሉ? ንዝተረፈስ ባዕሎም እቶም ዝተረፉ ኣለዉዎ ኢሎምዶ ኾይኮኑ ተእማሚኖም ተዓዚሮ። እሞ እዚን ወዲ ኸምዝን ዘስተውዓለ ዘያማይዶ ኾን ይኸውን፡ “ንኹሉ እንቋዕ ኣርከብሉ!” ዝበለ?

‘ኤእ!’ ንባዕለይ ሃውቲተዶ አሀውቲተኩም። ደቂ ዓደይ! ዝብሎ ዘሎኹ ብጌጋ ከይትርድኡኒ። ኣነ ብዛዕባ ቺናን ሩስያን’የ ዝዛረብ ዘሎኹ። ግን ኣብ ኤርትራ ነዚ ናይ ቻይናን ሩስያን ዝመሳሰል ክውንነት ሃልዩ ግዲ ኾይኑ ይቐላልወኒ ኣሎ። ማለት ከላእ ይፍርሓዮ፡ እቲ ውሽጠይ ክብሎ ዝደልዮ ንኸይብል ፍርሕርሕ እብል። ግን እስከ ንዝተረፈኒ ኣካዊነ ክብል ክፍትን’ሞ፡ ዘቐይም ኣይሃብኩም ኣይትቕየሙኒን ግዲ።

እንተ ብሓልዮት ሃገረይ፡ ወይ ብሓልዮት ነዛ ሩሐይ ስጋብ ለይቲ ሎሚ ሓራ ሃገርይ ድፍር ኢለ ኣይበጻሕኩዋን። ግን ለይትን መዓልትን ብሓሳብ ካብኣ ተፈልየ ኣይፈልጥን። እንተኾይኑለይ ኣማዕድየ ክሽቅጣን ክሰፍያን ከማዕርጋን ክኾሓሕላን ክኹልዓን ጸላኢኣ ክኸልኣላን ውዕል ሕድር እብል። ከመይ ወዓለት? ከመይ ሓደረት? ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ክትጽብቐለይን ክብ ክትብለለይን ክትከብረለይን እጽልት፡ እንቀሳቐስ፡ እምድር፡ ገንዘበይ አፍስስ፡ ግዜይ’ውን እምንጡ። ኣብ መንጎ’ዚ እየ እውን፡ ብዛዕባ’ዞም መዓብይተይን መማህርተይን መቃልስተይን ንሶም ዘይፈልጡኒ መጻርደተይን እሞ ሓደጋ መሪሕነት ሃገረይ ብውዕሎኦም ተገዲሰ እሓትት። እወ! ብድሕሪ እቲ ኩሉ መስተንክራት፡ ሕጂ ኣብ ምድኳን ናጻዊት ሃገርይ ንዝርከብ ዘሎ ምድዋን እንዳኣስተውዓልኩ’ውን፣ እንታ ኣብ ዘይፈልጡዎዶ ተሸኺሎም? እንዳፈለጡስ ነዚ ኣይዕጠቑሉን ግዲ? እብለልኩም። እንታይከ ዘየብል ሃልዩኒ። “ኣይከኣልናዮን!” ምባል ካብ መዓስ’ዩ ጌጋ ዝኾነ። ህዝቢ ኤርትራ ዘርህወሉ’ምበር ዘጨንቖስ እኹል ታርፍ ኣሎዎ። ዘድልዮ ዘሎ ሰላሙ ዝሕልወሉን ሓድነቱ ዝሕይበሉን እምበር። ብዛዕባ ተበላሒቱ ነብሱ ንምምዕባልን ንምዕባይንሲ፡ እሱ’ዩ ነይሩ እቲ ቐንዲ ቑም ነገሩ።

በሉ’ስከ፡ ወዮ ደኣ ከም’ቲ ኣበዋትና ዝብሉዎ፡ “ኣሓቢሩ ዝመጽእ መዓት፡ ዳርጋ ውሽንቕ ገዓት።” ከይከውን እምበር። ካብ ሓላፍ ዘላፍ ቁጠባስ ሓቢርካ ጥምየት’ውን ግስጋሰ’ዩ፡ እትብሉ መዓስ ክትሰኣኑ ኢልኩም? ግን’ዚ መዓስ ሓዲሽ ብህለት ኮይኑ?። ንኽምዚን ወዲ’ዚን እንዳ ኣስተውዓሉ ዶኸይኮኑ ሩስያውያን ብዝስዕብ ዛንታ ዝስሕቁ ዝነበሩ። “ብረዥነቭ፡ ዋና ጸሓፊ ፓርቲ ኮይኑ ስልጣን ተረከበ’ሞ፣ ወላዲቱ ደስ ንኽብላ ብሳላ ሓልፍነቱ ዝረኸቦ ሓለፋታት፡ ማለት ዘይተኣደነ መስተንክር ዝኾነ መንበሪ ኣባይትን፡ ቀዳመ ሰንበት ዘዕርፈሉን ዝዛነየሉን ሕሉፋት ቦታታትን ከይተረፈ ብመካይንን ሆሊኮፕተራትን ነፈርትን ንኽርእያ ኮለል ክብላ ወዓለ። ወላዲቱ ግን “ኣብ መንጎ እዚ ኩሉ ሕሰም እዝስ ከምዚ ዝበለ ጸጋ ኣሎ ድዩኸ!?” ብምባል ኣብ ውሽጢ ሓሳብ ተውሒጣ ምስ ነብሳ ክትበኣስ ወዓለት። “ጽቡቕ!” ዝብል ቃል ኣድናቖት ከየተንፈሰት ኮለል ክትብል ዝወዓለት ወላዲት፡ ማዕረ ማዕሪኡ’ውን ብረዥነቭ፡ “እዛ ሰበይቲስ፡ እዚ ዝመስል ጸጋ እንዳረኣየትሲ ንምንታይ’ያ ተዓዚማ ዝወዓለት?” እንዳበለ ብውሽጡ ገሪሙዎ’ዩ ዝወዓለ። ንምሸቱ ዝርአ ተራእዩ ኣብ ዘዕረፉሉ እዋን፡ መስኪነይቲ ወላዲት፡ “ኣንታ ወደይ እዚ ኩሉ ትውንን ከምዘሎኻስ፡ ወዮ ኮሚኒስታዊ ፓርቲኻ ይፈልጦ ድዩ?” ክትብል ሳህሮኣ ኣተንፈሰት ይብሉ።

እሞ ኣንቱም መራሕቲ ሃገርና፡ እዞም ሓመይትኹም፡ “ዓዲ ዝገደፉላ የብሎምን፡ ንሳቶም ሃብቲ ከኻዕብቱ፡ እቲ ህዝቢ ግን ምእንታን ከይፈልጥ ኣብ ማዕረኣዊ ጸጋ ዘይኮነስ ኣብ ማዕረኣዊ ድኽነት ፈሪዶሙሉ’ዮም።” ይብሉ ኣሎዉ። ማለት ብግልጺ ካመር-ሩጅ ኣብ ኮምቦድያ ስለ ዘተግበሩዎን ዝፈሸለን እንተዘይኮይኑ፡ ነዞም ቀበጥ በጥ ዝለመዱ መጸይቲ ‘ካፑቺኖ’ ኣብዘን በረኻታት ኤርትራ ወሲድካ ሓመድ ድፋጫኦም ክወጹ’ዩ ነይሩዎም፡ ዝብል ዘወናውን ግናይ ተረድኦ መዓስ ክስኣን ኢሉ? ግን ሕጂ ባዕልና ደፊኣና ካብ እነውጽኦም፡ እቲ ዘይተፈተነ ዘሎ፡ ሓሲሙዎም ባዕሎም ከምዝወጹ ክንገብሮም ኢና፡ ዝብል ተረድኦ’ዩ ዘሎዎም እዮም ዝብልኹም ዘሎዉ።

እቶም ከምዚ ኸማይ ኣብ መንጎ መንጎ ዘሎና ኸኣ፡ “እዋይ ካባኦም የድሕንኩም። ፕረሲደንቶም 3000 ናቕፋ ዝደሞዙ። ኣብ ማእከል ከተማ ኣስመራ መንጸሮር ጸሓይ ሳሕል ዘይገደፎም ደቂ በረኻ። ክሻ ዓደስ እንተፈትሑ፡ ብጋይት ላም ዘንቅዑ ዝመስሎም ዓጣሎ። ብጥርሙዝ ኣረቂ ውቃብኦም ዝፍሳሕ ሰብ ዛር። ሕልሚ ሓዳሮምን ደቆምን ኣብ ጎላጉል ሳዋ ዝጥበሱ ወየንቲ። ሕልምታቶም ሰብ ሎሚ ዘንጊዑ፡ ምስ ዕጨ እምኒ ተጸጊዑ ኣብ ጥንቆላን ዛዕጎልን ዝተደበረ። ስራሕን ጣቋን ኤርትራውነት ብዓቀይታይነትን ብረትን መልክዑ ዝደወኑ መሳፍንቲ።” እንታይ ዘይፈልጡዎ ክገብሩ ትደልዩዎም ኣሎኹም ንብለልኩም።

ብርግጽ ፈላጢኹም ደኣ ይፈልጠኩም ኮይኑ እምበር፡ በባዕልኹም ውሽጥኹም ትፈልጡዎ። “ኣይረኸብ!” ይብሉ ዝተረኽቡ ከም ዝበሃል። መዓርግ ‘ሚኒስተር’ ተሰኪምካስ፡ ኣብ ጥራሕ መዓኮርካን ጥራሕ ጁባኻን ዕንይንይ ምባል ኣንታ መዓስ ሓጺሩ? ኣብ ሃብታም ሃገር ኤርትራ ተኾዲምኩምሲ ካን ንኣገልግሎትኩም ዝዳረግ ደሞዝ ክትስእኑ? ሃየንታ ኣሎዎ። ዘይቅቡል ከኣዩ። ፍጥር ክትብሉ ነፋጋት ኢኹም ይመስለኒ? ሕጂ እቲ ዝኸፍአ ንሓቂ ከይትጋለጹ ትፈርሑ ምጽናሕኩም ጥራሕ ከይኣክል፡ ተወሃሂዱኩምን ተላዚብኩምን ለውጢ ዘይትደልዩ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ እንታይ’ዩ ክልወጥ ዝግባኦ ጠፊኡኩም ሕውስውስ ኢሉኩም ምህላዉ ገደደ። በሉስከ መን ክፈልጠልኩም ኮን’ዩ እዚ ኹሉ ሃልኪ? እቲ ብተጋዳልይነት መዓርግ ኣኽቢሩኩም ዝነበረን፡ ማዕረኹም ሕጊግ ዝበለ ሚስጢራውነቱን፡ ዝናኹም ንምዕቃን ዝኣክል ዳግማይ ረፈረንዱም እንዶሞ ኣይትገብሩሉን? ክሳብ ክንደይ ኮኾብኩም መሬት ዘቢጡ ምህላዉ ምፈለጥኩም። ኮታ ህዝቢ ኤርትራ ወያ ኤርትራኡ ዓዚዛቶ እምበር፡ ሕርመይ ኢለ ሎሚስ ካብ እዞም ጎረባብትና ብኣድገ በቕሊ ምባደለኩም። እንተስ ለሚኖም እንተስ ሰሪሖም ኣድገ በቕሎም ሓሊፉለን ኣሎ ይበሃል ኣሎ። ኣኺሉ ዝተርፍ መጽዓኛ እኒአዎም ደጊም። ስለ ፈጣሪኹም ካብ ድቃስኩም ንቕሑ።ህዝቢ ፈትዩኩም ኣይኮነን ኣብ ትሕቲ ምሕረትኩም ዘሎ፡ ፈሪሑኩም እምበር። ኣብ ጥራሕ ከብዱ ዘይትኣደነን ዝበስበሰን ኣረጊት ፖሊቲካዊ ፍልስፍናታት ደፊእኩሙሉ ኣሎኹም፣ ብርግጽ’ውን ሎሚ ይኹን ጽባሕ ክጥቀመሉ ኣይኮነን።

ንስለ ብርኽቲ ሃገረይ ክብል ዝሰገርኩዎ ደረት እንተሃልዩ፡ ዘረባ’ዩ፡ ኣይቀርጽ ኣይሓንቕ ኣይስርንቕ። ካብ ሰብ በትርን ሰብ ብረትን ጥራሕ ባዕሉ ይኸልክለልና።

ፈጣሪ ንሃገርና ይባርኸልና!

ክብርን ዝኽርን ንስዉኣትና!

ዓወት ንህዝቢ ኤርትራ!

ሓውኹም ሃይለ ወልዱ።

ሎንዶን።

No comments:

Post a Comment