Pages

Thursday, September 26, 2013

ሰልፊ ዲምክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ጨንፈር ኖርወይ ብ15 መስከረም 2013 ዕዉት ጨንፈራዊ ኣኼባ ኣካይዱ. ኣብቲ ኣኼባ ብርክት ዝበሉ ኣጀንዳታት ቀሪቦም ተዘትይሎም:: ስምረት ተቃውሞና ብደረጃ ዓለምን፣ ኤውሮጳን፣ ከባቢናን ዝብል ኣርእስቲ ካብ ዝቀረቡ ኣጀንዳታት ኰይኑ ብኣኼበኛታት ሰፊሕን ዓሚቍን ዘተን ክትዕን ዝተኻየደሉ:: ተሳተፊቲ ኣኼባ ስኒትን ውህደትን ዝጐደሎ ደምበ ተቃውሞናን ቓልስታቱን ይትረፍስ ብዓወት ሽትኡ ክወቕዕ፣ ፈልከት ኢሉ ሓደ ስጉምቲ ንቅድሚት ክስጉም እኳ ከምዘይከኣለ ብሓባር ኣስሚሮምሉ:: ብዘይካዚ ውን፣ ኣኼበኛታት እቲ ክሳብ ሕጂ ብብዝሕን ብተደገጋምን ክካየድ ዝጸንሐ ናይ ሓድነትን ስምረትን ፈተነታት ቅንዕናን ሃገራውነትን ዘሰነዮ ሓያል ሰረት ስለዘየንጸፉ፣ ኣብ ክንዱኡ ኣብ ውድድርን ቅድድምን ዘድሃቡ ብምንባሮም ትጽቢት ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ከርውዩ ከምዘይተረኽቡ ገምጊሞም::
ካብዚ ብምብጋስ ኣኼበኛታት፣ ኩልና ፖለቲካውያን ማሕበራትን ውልቀሰባትን፣ በርገሳውያን ማሕበራትን፣ ምርግጋጽ ስምረትን ውህደትን ደምበ ተቓውሞና ቀዳምነት ሂበና ክንሰርሓሉን ዋጋ ክንከፍለሉን ዝግበኣና ኣምር ምዃኑ ኣረጋጊጾም:: ነፍሲ ወከፍ ኣባል ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራውን ነቲ ብመርሕነት ሰልፊ ተዳልዩ ዘሎ መድብ ምውህሃድ ተቓወምቲ ሓይልታት ኤርትራ ክውንን ዕዉትን ንምግባር በርቲዑ ብሓላፍነት ክሰርሕ ከምዘለዎ ኣዘኻኺሮም:: ንሳቶም ኣብ ዘተኦም ንሕና ኣባላት ሰ.ዲ.ህ.ኤ ንሰልፊ እንቓለስ ዘይኮናስ ብሰልፍና ገርና ንህዝብናን ንሃገርናን እንቃለስን ዋጋ እንኸፍል ዘሎናን ኣካል ናይ ደምበ ተቓውሞ ኤርትራ ኢና:: ስልዚ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ብዘጋጠሙና ዕንቅፋታት ከይባህረርና፣ ሕጂውን ንሓድነት ደምበ ተቓውሞና ከይተሓለልና ክንሰርሕ ኣሎና ኢሎም::
ጨንፈር ኖርወይ እውን ብወገኑ ካብዚ ብምብጋስ፣ ምስቶም ኣብ ውሽጢ ኖርወይ ዝርከቡ ኩሎም ፖለቲካውያንን በርገሳውያንን ማሕበራትን ውልቐሰባትን ተመሓዝዩን ናይ ስምረት ጽላል ፈጢሩን ንኽሰርሕ ካብ ነዊሕ ግዜ ኣትሒዙ ክሰርሓሉ ከምዝጸንሐን ሓያል ዲፕሎማስያዊ ዓወታት ኣመዝጊቡ ከምዘሎውን ኣብቲ ኣኼባ በሪሁ::
ኣብቲ ኣኼባ መንእሰያት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ቃልሲ ኣብ ምዕዋት ጥራይ ዘይኮነስ፣ መጻኢ ህይወት ኤርትራዊ መንእሰይ ኣብ ምምሕያሽ ብመንገዲ ቤትጽሕፈታት ምትእስሳር መንእሰያት ኣቢሎም ሕያል ጥርናፈን ውደባን ብምክያድ፣ ምስቶም ካብ ሰልፊ ወጻኢ ኣብ ካልእ ውደባታት ዝርከቡ ኤርትራውያን መንእሰያትን ተመሓዝዮም ክሰርሑን ናይ ሓባር መደባት ከውጽኡን ከምዘለዎም መተሓሳሰቢ ቀሪቡ::
ኣብ መወዳእታ ኣኬበኛታት መርሕነት ሰልፊ ብዘካይዶ ዘሎ ሓይልን ዘይሕለል ጻዕርን ኣብ ዲፕሎማስያዊ መዳይ ብዘመዝገቦም ዘሎ ዓወታትን ድሕሪ ምምጓስ፣ ኣኻኤባኦም ብዝኽረ ሰማእታት ዓጽዮም::
ዓወት ንውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ
ክብርን ሞገስን ንስዉኣትናን ስንኩላትናን

No comments:

Post a Comment