Pages

Tuesday, December 17, 2013

ኢሳያስን ጭፍርኡን ዝጸልኡዋ ነገር እንተልያ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ኢያ

Print Email

epdp-from-homelandኣባላት ሰዲህኤ ካብ ውሽጢ ሃገር
ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ኣንጻር ጃንዳ ህግደፍ: ብውሽጢ ይኹን ብደገ፡ ብዓይነት ይኹን ብዓቐን፡ እንዳ ተመሓየሸን እንዳዓበየን ይኸይድ ኣሎ።
 
ስለ ዝኾነ፡ ኢሳያስን ጭፍርኡን፡ መሬት ከም ዕንቊ እንዳጸበበቶም ኢያ ዘላ። እቲ ጉዳይ ናይ ሞትን ሂወትን ጉዳይ እንዳኮኖም ይኸይድ ስለ ዘሎ፡ ነዚ ዝኸይድ ዘሎ ምዕባለታት ንምፍሻል ብዙሕ ማእለማታት ከም ዝገብሩ ክንግጥሞም ኣገዳሲ ኢዩ። ናይ ወዲ ኤፍሬም ዑደት ኣብ ስዊድንን ካልኦት ሃገራትን ንባዕሉ ሓደ ካብቲ ማእለማታትን ሸርሒታትን ነዚ ናይ ሓድነት መስርሕ ንምዕንቃፍ’ዩ።
ሓንሳብ ጽገናዊ ለውጢ፡ ሓንሳብ መሰረታዊ ለውጢ ክንገብር ወዘተ ዝብል መተዓሻሸዊ ቃላት ካብ ኣፍ
ጃንዳ ህግደፍ ውጥም ቅልቅል ይብላ ኣለዋ። ንልዝብ ምስ ኢትዮጵያ ዝምልከት’ውን ከም ደለይቲ ልዝብ መሲሎም ናይ ሓሶት ቃላት እንዳ መረጹ ከተዓሻሽዉ ክፍትኑ ኢዮም።
እዚ ጭፍራ’ዚ መዓልቱ ንምንዋሕ ዝተፈላለየ ምድንጋራት ክፈጥር ስለ ዝኾነ ሃየ ነስተውዕለሉ። መሰረታዊ ወይ ጽገናዊ ለውጢ ኣብ ሎሚ በጺሖም ክንገብር ዝብሉ፡ ሎሚ እንታይ ስለ ዝተረኽበ ኢዩ? ህዝቢ ዓንቀሩ ክሳብ ዝሓብጥ ለውጢ ክገብሩ ሓቲቱዎም ዘይገበሩ፡ ሎሚ ዓቕሎም ምስ ኣጽበቡ፡ ባዕሎም፡ ለውጢታት ክንገብር እንተበሉ ሓቅነት የብሉን። ስለምንታይ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ዘይተገብረ?
ልዝብ ግበሩ ተባሂሎም ንዓመታት ኣሻፈረኝ ዝበሉ፡ ሎሚ እንታይ ስለ ዝተረኽበ ዓጀውጀው ይብሉ ኣለዉ? ህዝቢ ኢልዎም ዘይገበሩስ ሩስያን ቻይናን ኢለንኦም ክገብሩ? ሓሶት!!!
እተን ንህዝቢ ከደናግራ ኢየን፡ ወይ፡ ኣቓልቦኡ ስሒበን ከልምስኦ ኢየን ዝብሉወን ናይ ሓሶት ወረቓቕቲ ክሳብ ዝውድኣ ክጣልዑለን ኢዮም። ዝኾነ-ይኹን ዓይነት ለውጢ ወይ ልዝብ ኪገብሩ ኢዮም ኢልካ ግን ዘይሓሰብ’ዩ። እቲምንታይሲ፡ ለውጢ ማለት ንዕኦም ርእሰ-ቅትለት’ዩ። ንርእሶም ከኣ ባዕሎም ኣይቀትሉን ኢዮም። ናይ ኣውነምንታይ ኢሎም’ሞ ነብሶም ክቐትሉ? ንሕና ባዕልና ጥራይ ኢና ክንጉሕፎም ዘሎና።
ስለዚ፡ ነዚ ሒዝናዮ ዘሎና ወርቃዊ ናይ ሓድነት ሃዋህው ንጠቐመሉ። ሰልፊታት ንተኣኻከብ። ናይ በርጌስ ማሕበራት’ውን ከምኡ ንተኣኻኸብ። ስርሓትና ተመሳሳላይን ተመላላኣይን ይኹን። ሃየ ሓደራ!!! ኢሳያስን ጭፍርኡን ዝጸልኡዋ ነገር እንተልያ ሓደነት ህዝቢ ኤርትራ ጥራይ ኢያ።
ዓወትና ናይ ግድን’ዩ።
ኣባላት ሰዲህኤ ካብ ውሽጢ ሃገር።

No comments:

Post a Comment