Pages

Sunday, March 2, 2014

ሰዲህኤ ጨንፈር ኖርወይ ዕዉት ስሩዕ ጨንፈራዊ ኣኼባኡ ብዓወት ኣሰላሲሉ (Norway Oslo)

   

Norway-branch001ክፍሊ ዜናን ሓበሬታን ጨንፈር ኖርወይ
ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብዕለት 23 ለካቲት 2014 ስሩዕ ቐዳማይ ጨንፈራዊ ኣኼባኡ ኣጋቢኡ:: ኣብቲ ካብ ርሑቅን ቀረባን ዝመጹ ሓያለይ ካብ ኣባላቱ ኣብ ዝተረኽቡሉ ኣኼባ ኣቦ መንበር ጨንፈር ብጻይ ዳዊት ኣርኣያ ንኹሎም ኣባላት ናይ እንቛዕ ብደሓን መጻእኩምን ናይ ሰላምታን ቃል ድሕሪ ምስማዕ ቐጺሉ ናይ ኣኼባ ኣጀንዳታት ኣንቢቡ::
ኣስዒቡ ኣቦመንበር ጨንፈር ኣብ ዓመተ 2013 ዘካየዶም ፖለቲካውን ዲፕሎማስያውን ንጥፈታትን ውጺእቶምን ብዝምልከት ዝርዝራዊ ሓበረታ ኣቕሪቡ:: ብተወሳኺ ጨንፈር ዘካይዶም ናይ ኣገልግሎትን ናይ ምድግጋፍን ዕማማት እውን ገሊጹ::
ኣብላት ጨንፈር ነቲ ሰልፊ ብዘካይዶ ጽዑቕ ዲፕሎምስያውን ዝምድነኣውን ንጥፈታት ሞጒሶም:: ነቲ ሰዲህኤን ካልኦት ፖለቲካውያን ማሕበራትን ኣብ ኢትዮጵያ ንዝጀመርዎ ናይ ምዝታይን ጽገማትካ ብዜተ ፈቲሕካን ወጊድካን ብምቅርራብ ግዜን ኩነታትን ዝጠልቦ ስሙር ቃልሲ ናይ ምምስራት ስጉምቲ ውን ብኹሉ መዳያቱ ዳህሲሶም:: ኣኼበኛታት እዚ ዝተጀመረ መስሪሕ ዋላኳ ናይ ምቅጻልን ምምዕባልን ውሕስነት እንተዘየርኣየ መራሕቲ ኩለን ፖለቲካውያንን ሲቪካውያንን ማሕበራት ካብ ውድባውን ሰልፋውን ማሕበራውን ክልታት ብምውጻእ ዳግማይ ርክባቶምን ዘቴኦምን ቅንዕና ብዘሰነዮን ንኹሉ ብዘዕግብን ሜላ ክቕጽልዎን ኣብ ዓወት ክበጽሑን ተላቢዮምን ተፍኦም ገሊጾምን::
ብምቕጻል ዋና ጻሓፊ ጨንፈር ብጻይ መድሃኔ ሃብተዝግን ናይ ቁጠባ ሓላፊ ብጻይ ማሕደር ዕቁባዝግን እንዳተበራረዩ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ሰብኣውን ማላውን ጸብጻብ ብዝርዝር ኣቕሪቦም:: ኣብቲ ዝቐረበ ጸብጻብ ጨንፈር ብመጠኑ ቁጠባውን ሰብኣውን ዕቤት ከም ዘመዝገበን ኣባላት ጨንፈር እውን ቅዋማዊ ግቡኣቶም ኣብ ምትጋር ካብ ዝሓለፉ ዓመታት ንላዕሊ ብዝሓሸ ከም ዝዓመሙ ተገምጊሙ::

ይኹን ድኣምበር ካብ ሕድሕድ ኣዝዩ ዝተረሓሓቐ ዝርጋሔ ኣባላት ንጥርኑፍ ኣካይዳን ኣሰራርሓን ጨንፈር ካብ ዝዕንቅፉ ጸገማት ቀንዲ ከምዝኾነ ተነጊሩ:: ሽማገለ ጨንፈር እውን ነዚ ጸገም እዚ ንምቅላል ኣባላት ኣብ ውሽጢ ቅርጻ ጨንፈር ናይ ባዕላቶም ከባብያዊ ምውድዳብን ጥርናፌታትን ብምክያድ ክተሓጋገዙን ቃልሶም ዝያዳ ከሕንኑን ተላብዩ::
ተሳተፍቲ ብወገኖም ብዝተዋህቦም ዓመታዊ ጸብጻባት ሰልፍን ጨንፈርን ብዘካይዶ ገስጋሲ ቃልስን ዕግበቶም ገሊጾም. ኣብዚ ጀሚርናዮ ዘሎና ዓመት እውን ቃልስታቶም ዝያዳ ከሕይሉ ተመባጺዖም::
ዓወት ንዲሞክራስያዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ
ክብርን ሞገስን ንስዉኣትናን ስንኩላናን!!!
ክፍሊ ዜናን ሓበሬታን ጨንፈር ኖርወይ

No comments:

Post a Comment