Pages

Wednesday, April 30, 2014

ለውጢ ካብ ውሽጢ ኤርትራ ንኽመጽእ ንምንታይ ንደልዮ

ሓተታ ሰድህኤ
ዲሞክራስያዊ ቃልሲ ብድጋፍን ተሳተፍነትን መላእ ህዝቢ’ዩ ዕዉት ዝኸውን። መሰረት’ቲ ቃልሲ’ውን ኣብ ጸረ ዓሌት፡ ጸረ ሃይማኖት፡ ካልኦት ከምኡ ዝኣመሰሉ ብትሕተ ሃገራውነት ዝልለዩ ምትእስሳራት ይኹኑ፡ ነጸልቲ ፖሊቲካውያን ምጥምማራት ዘካተተ ኽኸውን ዝበለጸ’ዩ።
ክጠቓለል እንከሎ፡ እቲ ጸረ ጸቓጢ ስርዓት ኮይኑ ክምክት ዝግባኦ ሓቀኛ ዲሞክራስያዊ ቃልሲ ኣብ ሃዋሁ እይኮነን ዝስራሕ፣ እንታይ’ደኣ፡ ንባዕሉ ካብ’ቲ በቲ ጸቓጢ ስርዓት’ቲ ብቐጥታ ዝጥቃዕ ዘሎ ህዝቢ ክፍጠር ግድነታዊ’ዩ። ኣብ ጉዳይና ክኸውን እንከሎ’ውን፡ ኣብ ውሽጢ ሃገርና ዝርከብ ህዝቢ ኤርትራ ንኽኸውን መተካእታ ኣይህሉዎን።
ንምንታይ’ዩ እዚ ኣገዳሲ ኮይኑ? ቀዳማይ፡ ኣብ ታሪኽ ተቓውሞ ኤርትራ ኣንጻር ምልኪ፡ ሓይልታት ተቓውሞ ኤርትራ ብዘይካ ኣብ ውሽጣዊ ጸገማቱን ምፍልላያቱን እነተዘይኮይኑ፡ ነቲ ዝድለ ዘሎ ለውጢ ዋናኡ ኮይኑ ኣብ ውሽጢ ሃገር ንዘሎ ህዝቢ ኤርትራ፡ ንምልጋስ ነዚ ኣብ ስልጣን ዘሎ ህግደፍ ከምዘይኣገዳስን ከምዘይኣድላዪን ገይሩ ይቖጽሮ። ካልኣይ፡ ተቓወሞና ኩንዮ'’ቲ ብሓባር ዘይምስራሑን ሓድ-ሓድ ምብላዑን፡ ካብቲ ህዝብና ዘስተውዕለሉን ዝግደሰሉን ውሁብ ክውንነት ኤርትራ ኣላጊሱ፡ ናብ ዘይተደላዪ ኣቕጣጫ ብምምዕዳው፡ ኣብ ውሽጢ ሃገርና ኤርትራ ኮይኑ ነዚጸገም ክፍውስ ዝኽእል ውርጹጽ ባህሊ ከምዘየሎ ቆጺርካ፡ ቁምነገር ዘይብሉ መልክዐይ-በቃ ጉባኤታታትን ክንፈረንስታትን ብምክያድ ንኽትፈትሕ ይፍተን።
ይርደኣና’ዩ ኩሉ ዝተፈተነ ኣኼባታት ንምንታይ ይፈሽል ምህላዉ፣ መኽንያቱ ልሙሳት ፖሊቲካውያን ውድባትን መቖሚታተንን ካብኡ ንላዕሊ ክገብራ ዓቕሚ ስለዘይህልወን። እዚ ስለዝኾነ’ዩ እውን፡ እዚ ዘሎ ተቓውሞ’ዚ ነዚ ግናይ መላኺ ስርዓት’ዚ ከምበርክኾስ ይትረፍ፡ ጽንጽያ ዓይኒ’ውን ከንፍረሉ ዘይክኣለ ዘሎ። ከም’ዚ ዝኣመሰለ እተሓሳስባ ዝውንን ፖሊቲካዊ ውድብ’የ በሃላይ፡ ነቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ኮይኑ ክምክት ዝኽእል ዓቕምታት ተስፋ ካብ ምቑራጽ ንላዕሊ ካልእ ዝባቑጦ ከምዘይብሉ፣ ብማዕሪዚ’ውን ነቲ ብመጠኑ ከድምዕ ክኽእል ዝግባኦ ዝነበረ ኣካል ተቓውሞ ቁም-ነገር ንኸይገብር ምእንታን፡ ዘየቋርጽ ማዕበል ተቓዋሞ ብኣንጻሩ ምፍናው’ዩ። ብሓቂ’ውን፡ እዚ ተግባራት’ዚ ንህዝቢ ኤርትራ ዝግባእ ብሁግ ህያብ ኣይኮነን፣ እንታይ ደኣ ዝወጸሉ ላግጺ ኣብ ልዕሊ ክብርታት ህዝቢ ኤርትራን ባህልታቱን ኮይኑ፡ ታሪኽ ኣረጋጊጹዎ ከምዘሎ’ውን፡ ነቲ ህዝቢ ኤርትራ ከይተሓለለ ብጽንዓት ንስለ ክብርታቱ ዝኸፈሎ ቅዱስ ተግባር ዘቋናጽብ ምዃኑ’ዩ።
ንምግማቱ ዘጸግም’ዩ፡ ተቓወምቲ ጉጅለታት ኤርትራ ተቕባልነትን ደግፍን ህዝቢ ንኽረኽባ ምእንታን፡ እቲ መሰረታዊ ዓቕሚ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ንህዝቢ ኤርትራ ከም ምዃኑ መጠን’ውን፡ ዋናኡ’ውን ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑ ዘይምፍላጠን። ብዘይቃለዓለም ህዝቢ ማእከሉ ዝገበረ ተቓውሞ ጥራሕ’ዩ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ከረጋግጽ ዝኽእል። ህዝቢ ኤርትራ ኣንጻር ገዛእቲ ሓይልታት ብዘይምቁራጽ እኳ ደኣ ንነዊሕ ዘመናትን መኪቱ ነጻነቱ ዘውሓሰ ብምዃኑ፡ ብምሳለ እንተተጠቕሰ ዘይግባኦ ኣይኮነን። እቲ እንፈልጦ ሓቂ እዚ እንዳኾነ ግን፡ ኣብዞም ዝሓለፉ ክልተ ዘመናት ብኣንጻር’ዚ ሓቂ’ዚ ግደ ህዝቢ ኤርትራ መጠኑ ብዝስሓተን ከምዘይነበረን ተደምሲሱን ኣልጊሱን ምህላው’ዩ። ሕቶ ዘይድለየሉን ኩሉ ዝፈልጦ ሓቂ፡ እቶም ወግሐ-ጸብሐ በዚ ግናይ ስርዓት’ዚ ብዘይምሕረት ዝሳቐዩን ዝግፍዑን ብስእነት ዝጥቕዑን ከምኡ’ውን ምሕረት ብዘይብሉ ኣገባብ ዝደሃኹን ዘሎዉ እቶም ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝነብሩ ዘሎዉ ምዃኖም። ግን ሕጂ እቲ ሓቂ ብግምጣሉ ንኽመስል፡ ሕዝቢ ከካብ ዓዱን ከተምኡን ንኽልዓልን ክቃወምን ከምዘይክእል ይንገሮ’ሎ። ብመንጽሩ’ውን ለውጢ ካብ ደገ’ዩ ዝመጽእ ዝብል ዳርጋ ናይቶም ዝበዝሑ ኣብ ወጻኢ ኤርትራ ዘሎዉ ተቓወምቲ ጉጅለታት ሓባራዊ ብህለት ኮይኑ ምህላዉ’ዩ።      
ንምንታይ’ዩ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝርከብ ህዝብና ኣንጻር ህግደፍ ንዝካየድ ቃልሲ ክውንንኖ ዘይከኣለ ዘሎ? ንምምላሱ ዝኣክል ብዙሕ ዝርዝራት ክቐርብ ዝኽእል ኮይኑ፡ እቲ ቀንዲ መልሲ፡ ነዚ ሕሱም ኣገባብ ህግደፍ’ዚ ህዝብና ፈሪሑዎ ስለዘሎ’ዩ ስጋብ ሕጂ ኣብ ውሽጢ ሃገር ተቓውሞኡ ከረጋግጾ ዘይበቕዐ ዘሎ ክበሃል ይከኣልዩ። ነቲ ጉዳይ ብዕምቆት ክንርዳኦ እንተፈቲንና ግን፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ’ዞም ዝሓለፉ ክልተ ዘመናት ከይተቓወመ ዝሓደረላ ዕለት ዘይምህላዋ’ያ። ማለት ንባዕሉ እዚ ኣብ’ዚ ቀረባ እዋናት ብወዲ ዓሊ ተመሪሑ ዝተፈጸመ ተቓውሞ ሰራዊት ኣብ ፎርቶ፡ ሓደ ካብቶም ብዙሓት እምቢታታት ኣንጻር’ዚ ስርዓት’ዚ ምኻኑ’ዩ። ስለዚ’ውን እቲ ምቅዋም እይኮነን ጎዲሉ ዘሎ፡ ነዚ በብእዋኑ ዝለዓል ዘሎ ተቓውሞታት’ዚ፡ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ምእንታን ከረጋግጽ፡ ብግቡእ ምምራሑን እዩ እቲ ጎዲሉ ዘሎ። እዞም ኣብ ደገ ዘሎዉ ተቓውሞ፡ ነዚ ሓቂ’ዚ ኣለልዮም ዕላማታቶም ኣተኻኺሎምን ስትራተጂታቶም ወጊኖምን ነይሮም እንተዝኾኑ፡ ብርግጽ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ እቲ ሓቂ ካብ’ዚ ሕጂ ዘሎናዮ ሃለዋት ኣዝዩ ዝበለጸ ምኾነ ነይሩ’ዩ።
ብርግጽ፡ እቲ ልሉይ ሕጽረት፡ ተቓውሞናን ኣገባብ ኣቀማምጣ መልእኽትታቱን፡ እሞ’ኳ ደኣ ምስ ኣብ ወጻኢ ምህላዉ፡ መሳርሒ ወጻኢ ሃገራት ብምባል ንኽውንጅሎ ዝፍትን ህግደፍ፡ ዕድሉ ሰሚሩሉ እዚ ጸዋግ ስርዓት ህግደፍ’ዚ ንክልተ ዘበናት ብዘይጸገም ንኽጽል ካብቲ ቀንዲ ምክንያታት ኮይኑዎ’ዩ። እወ! ንህግደፍ ምቅዋም ቀሊል ከም ዘይኮነ ፍሉጥ እንተኾነ፡ እተን ዝበዝሓ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ’ውን ኣብቲ ልምሰት ተቕውሞ ህዝቢ ኤርትራ ጠንቂ ኮይነን ምጽናሐንን ገና’ውን ምህላወንን ዘተሓማሚ ኣይኮነን። “ኤርትራውያን ካብ ውሽጢ ሃገር ኮይኖም ክቃወሙ ኣይክእሉን’ዮም። እቲ ሕመረት ቃልሲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ክኸውን የብሉን። ወዘተ...” ዝብሉ ኣበሃህላታት፡ ነዚ ግናይ ስርዓት ህግደፍ’ዚ ብሉጽን ዘይተሰዓር ዓቕሚን ደሪቡሉ’ዩ። እቲ ኣብዚ ክንብሎ ደሊናዮ ዘሎና ኣገዳሲ ነጥቢ፡ እዚ ንነዊሕ እዋናት ብተቓውሞና ክከይድ ዝጸንሐ “ለውጢ ብደገ’ዩ ዝመጽእ።” ኣብ ትሕቲ ዝብል ጭርሖ ዝዘመተ፡ ህግደፍን ገለ-ገሊኦም መካወንቱን ብዘይምቁራጽ ንኸንቱ ኣዋሕሊሉምን ክምዝምዝዎን ዝጸንሐ ጉዳይ ኮይኑ’ዩ። ንተቓውሞና ከም መሳርሒ ሓይልታት ግዳም ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ንልዑላውነትን ጸጥታን ህዝቢ ኤርትራ ከም ዝደፍር ጌሮም እዮም ከቕርቡዎ ጸኒሖም ነሮም። እቲ መስርሕ ኣረጋጊጹዎ ከምዘሎ’ውን፡ እዚ ፕሮፓጋንዳ’ዚ ኣብ ተርድኦ ህዝቢ ኤርትራ ዞሪቑስ ንኣበሃህላ ህግደፍ ዝድግፍ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ኣብ ወጻኢን ሓያል ዓንዲ-ሕቖ ምፍጣሩ’ዩ። ብውጽኢት እዚ’ውን ዓቢ ግናዕ ካብ ህዝቢ ኤርትራ፡ ሓይልታት ወጻኢ ሃገራት፡ ብፍላይ’ውን ኢትዮጵያ ንሃገርና ዳግም ክትወርርን መግዛእታ ክትድኩንን ባህጊ ኣሎዋ ካብ ዝብል ምጥርጣር፡ ንህግደፍ ከም ንሉዑላውነት ኤርትራን ህዝባን እትሕለቕ ገይሩ ብምውሳድ ዘይግባኣ ዓቕሚ ደሪቡላ’ዩ። እዚ ኮይኑ እቲ ዝጸንሐ ሓቂ፡ ሕጂ ግን እቲ ዝነበረ ዝና ህግደፍ ካብ ግዜ ንግዜ ከንቆልቁል ንርእዮ ምህላዉ እቲ ካልእ ህሉው ሓቂ’ዩ።
ሕጂ፡ ተቐባልነት ህግደፍ እንዳኣንቆልቆለ ምኻዱን፡ ብኡኡ መጠን’ውን ተስፋ ህዝባዊ ስልጣን እንዳተርንዐ ይመጽእ ከምዘሎ መጠን፡ ቃልሲ ኣንጻር ህግደፍ ኣብ ውሽጢ ሃገር’ውን ሓዲሽ ኩርንዓት ይፈጥር ምህላዉ ርኡይ ኮይኑ ኣሎ። ኣገደስቲ ዝበሃሉ ሰባት ኣብ ሕብረተሰብና ኣንጻር ምልኪ ስርዓት ህግደፍ ንኽቃወሙ ነፍሳቶም ክጠራንፉ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን ተበጺሑ’ሎ። እዚ ኣብ ግዳም ዘሎ ሓይልታት ተቓውሞ’ዚ፡ ነዚ ዝኽሰት ዘሎ ዕድላት ብግቡእ ከስተውዕለሉን ንምልዕዓሉ ዘኽእል ዓቕሚ ብምጥራይ፡ ንህግደፍ ክንቕንቖ ክኽእልን፡ እንተኮይኑሉ’ውን ፈጺሙ ከልግሶን ዘኽእል ዓቕሚ ንምጥራይ ኣበርቲዑ ክሰርሕ ክኽእል ኣሎዎ።    
ንምጥቕላል ዝኣክል፡ እቲ ክከውን ዝግባእ ዕማም ተቓውሞ ሓይልታት ግዳም፡ ነቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ክኸይድ ዝግባኦ ቃልሲ ኣንጻር ህግደፍ ከጓሃህርን ክተሓጋግዘን ከምዝግባእ’ዩ። ስለዚ’ውን፡ ኣብ ወጻኢ ኤርትራ ዘሎዉ ተቓወምቲ ሓይልታት ንዲሞክራስያዊ ምስግጋር፡ ብቐዳምነት ኣንብባን ሓባራዊ ተርድኦን ኣብ ልዕሊ ህሉው ኩነታት ከጥርዩን፡ ከምኡ’ውን እቲ ንሃገርና ዝሰርሐ መስረታዊ ታሪኻዊ ክውንነት ብምስትውዓል፡ ነዚ መላኺ ስርዓት ካብ ኤርትራ ክምሕዎ ዘኽእል ኣድማዒ ኣገባብ ከጥርዩን፡ ሓባራዊ ዲሞክራስያዊ ራኢ ከፈጥሩን፡ ከምኡ’ውን ነዚ ቅኑዕ ሓሳብ’ዚ ብዘይተጎላባነት ብሓፈሻኡ ናብ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ንኽባጻሕ ኣበርቲዖም ክሰርሑን፡ ብፍላይ’ውን ነቲ ለውጢ ብዝያዳ ዝምልከቶ ኣብ ውሽጢ ሃገር ኤርትራና ዝናበር ዘሎ ህዝብና ሓላፍነቱ ከልዕልን ክቕበልን ክገብሩዎ ይግባእ። ሰድህኤ ነዚ ‘ለውጢ ካብ ውሽጢ ኤርትራ።’ ዝብል ጭርሖ ብመትከል ዝድግፎ ኮይኑ፡ ነቲ ከጋጥሞ ዝኽእል ተጻብኦታት’ውን ንኽገጥሞ ወሲኑ ዝቃለስ ዘሎ ሰልፊ’ዩ። ዝበዝሓ ተቓወምቲ ውድባት ብኣንጻር’ዚ “ለውጢ ኣብ ደገ’ዩ” ዝብል ሓሳብ ብምርጋጽ ኣበርቲዐን ተቓሊሰናሉ እየን። እንተኾነ ግን፡ እዚ ኣገባብ’ዚ ንህዝብና ኣብ ውሽጢ ሃገር ኮይኑ ንኽቃለስ ኣይሓገዞን ኣሎ። ዘይከሓድ ሓቂ’ውን፡ “ለውጢ ኣብ ደገ’ዩ” ዝብል ኣበሃህላ፡ ብዘይምውልዋል ምንጻግ ካብ ህዝብና ኣጋጢሙዎ ብዘይቁምነገር ተሪፉ ዘሎ ኣገባብ ኮይኑ ምህላዉ ተፈሊጡ ኣሎ። ስለዚ’ውን ተቓወምቲ ሓይልታት ኤርትራ ካብዚ ዝተሰብረን ዝተሳዕረን ምዃኑ ታሪኽ ኣረጋጊጹዎ ዘረጋገጾ ዘሎ ጎደና ርሒቐን፡ ናብቲ “ለውጢ ካብ ውሽጢ ኤርትራ’ዩ።” ዝብል ሓዲሽ ጎደና ብሓባር ክሰጋገራ ክኽእላ ኣሎወን።  

No comments:

Post a Comment