Pages

Monday, June 9, 2014

ዶብ ተሓንጺጹ ዲዩ ሓዲሽ ቅዋም ንምንዳፍ ዝእወጅ

ወዲ ሰብ ነቲ ንሱ ዝነብረሉ ኩነታትን ተፈጥሮኣዊ ባህርን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሩ ንኸእቱ ዘይገብሮ ጻዕሪ የለን። ይኹን እምበር እቲ ኩሉ ፋሕተርተር ኣብቲ ዝነበሮ ጥራሕ ጋም ማን ከይበለ ክመሓየሽ ዘለዎ እናመሓየሸ፡ ነቲ ዝጎበጠ ትኽ እናበለ ወይ እናስተኻኸለ ነቲ ናይ ትማሊ ጉዕዝኡ ምስ ዝረኸቦ ውጽኢት ብምዝማድ ኣሉታን እወንታን ገምጊሙ ንዝመጽእ ክትልም ኢዩ ህርዲግ ዝብል። ካብዚ ኣምር እዚ ወጻኢ ምስ ዝጎዓዝ ግና ድቁስ ወይ ከኣ ኣብ ከባቢኡ ዝግበር ምዕብልናታት ዘይርእን ንከባብኡ ክልውጥ ዘይጽዕርን ኮይኑ ብዝተባህሎ ጥራሕ ዝኣምን ኮይኑ ኢዩ ዝተርፍ። ክምኡ እውን ንሓቂ ገዲፉ ንሓሶት ኢዩ ክደጋግም። እዚ ከኣ ንመስረታዊ ለውጢ ይኹን ንዝኾነ ይኹን ምምሕያሽ ኣዝዩ ዓንቃፊ ገደ ክጻወት ዝኽእል ኢዩ።
እተን ስልጡናት ዝበሃላ ሃገራት እንተስ ዘገም እናበላ ወይ ብሕኑን እናተጎዓዛ ኢየን ነቲ ሎሚ በጺሔናኦ ዘለዋ ደራጃ ምዕባሌን ስልጣኔን ዝበቕዓ። ነዚ ጉዳይ እዚ ዘብቀዐን ድማ ካብ ኣብ መቘሕ ተቐሚጥካ ምንባር ስለናጽነትካን ሓርነትካን ሰብኣዊ ክብርኻን ታሪኽካን ክሳብ ህይወትካ በጃ ምሕላፍ ዝተሓወሶ ምዃኑ እውን ክንዝንግዕ ኣይግባእን። ከምኡ እውን ንዝኾነ ይኹን ጉዳይ ወይ ንዝፍጸም ኣሜን ኢሎም ዝቕበልዎ ዘይኮነስ እንታይ ደኣ ተመራሚሮምን ይጠቕማና ዲዩ ኣይጠቕመናን ብምምማይ ኢዮም ዝቕበልዎ። ህዝቢ እውን ነቲ ክፍጸም ተዋዲዱ ዘሎ ጉዳይ የርብሖምን ዘየርብሖምን ምስ ፈለጡ ነቲ ዝውሰድ ዝስጉምቲ ኣይጻረርዎን። ብዝኾነ ይኹን ሽርሕን ሸፈጥን ምድንጋርን ግን ኣይምእዘዙን ኢዮም። እቶም ኣብ ስልጣን ዘለዉ ከምድላዮም ከሽካዕልሉ እውን ፈጺሞም ኣየፍቕዱን ኢዮም። እንታይ ደኣ ኩሉ ግዜ ነቲ ንሶም ዝመረጽዎ መንግስቲ ምስ ተኸታተሉን ምስ ተቖጻጸሩን ኢዮም ነቲ ምዕባሌ በጺሖሞ። ኣበድን ንጭቆና፡ ንግፍዒ፡ ንሕጊ-ኣልቦ ብማለት ኢዮም ንሰላማዊ ህይወት ናይ ምንባርን ናይ ምምሃዝ ዓቕምን ተኽእሎን ንኸጥርዩ ዝኸኣሉ። እናተወጽዑ ሱቕ ኣይብሉን፣ ብሰላማዊ ሰልፍን ብጽሑፋትን ኮታ ብዘለዎም ዓቅሚ ኣንጻር እቲ ክጋፍዖም ዝለዓል መንግስቲ ኢዮም ዝቃለሱ ነይሮምን ዘለውን።
ኣብ ሃገርና ኤርትራ ምስ እንርኢ ግና፣ እቲ ኩነታት ከምቲ ናይተን ምዕቡላት ሃገራት ዝቐመጥወን ኣህዛብ ኣይኮነን እንተተባህለ ዝተጋነነ ኣይኮነን። ህዝቢ ኤርትራ ንኣስታት 100 ዓመት ዝኣክል ሃገሩ ባዕሉ ስለዘየመሓደረ፡ ሰላም ራህዋ ቅሳነት ዝበሃላ ኣብ ህይወቱ ኣስተማቒርወን ኣይፈልጥን። ካብዚ ብዝነቐለዶ ኾን ይኸውን ሃገሩ ረኺቡ እንከሎ መከራን ሽግርን ዝጻወር ዘሎ። ወይ ከኣ ሎሚስ እቲ ቁሩብ ትንፋስ ረኺቡ ንኽዕርፍ፣ ባዕዲ ካብ ሃገረይ ካብ ኣላቐቕኩ ድሕሪ ደጊም ዝመጸ ይምጻእ ኣብ ዝብል ዶኾን ኢዩ ጥሒሉ።? ካብዚ ዝነቐለ እውን ይኸውን ነቲ ጨቝኑ ሒዝዎ ዘሎ ስርዓት ከይቃወሞ ከም ንሃገሩ ኣሕሊፉ ዝህብ ዘሎዶ ኮይኑ ይስመዖ ኣሎ። ብዝኾነ ግና ስለምንታይ ነንዝተባህሎ ኣሜን ኢሉ ይቕበሎ ኣሎ ሰፊሕ መጽናዕቲ ዘድልዮ ጉዳይ ኢዩ። እወ! ንዓመታት ዝኣክል ዝተገፍዐን ዝተጨቖነን ሕብረትሰብ ክህልዎ ዝኽእል ሃገራዊ ጠመተ ኣዝዩ ክቡር ስለዝኾነ ከም ዓይኒ ብለኑ ክከላኸለላ ክብል ናይ ግድን ኢዩ ክጽመም። ዝኾነ ክዕይኑ ንተግባራት ምልኪ ብኣግኡ ኣይዕገቶ እምበር፡ በዓል ቤት ናጻ ዝወጸት ሃገር ክንሱ ኣብ ኢድ ሓደ ሰብ ተጸቒጡ መዓልቲ መዓልቲ ክጥብሮ ከሎ መሰላቱን ሃገራዊ ክብሩን የግፍፍ ምህላዉ ኣይፈልጥንዶ።
ስርዓት ኢሳያስ ንሓያሎይ ዓመታት ንንቕሓት ደቂ ሰባት ብዝምስጥ ኣገባብ እናሰለበ ተጓዒዙ ዝመጸ ስለዝኾነ፣ ህዝቢ ነቲ ክፍኣትን ትንኮልን በቐሊሉ ክፈልጦ ኣይክእልን ኢዩ። ንኣብነት፡ ኣብቲ መጀምርያ ግዜ ህዝቢ ኤርትራ ከህመል ዝኸኣለ እቲ ናጽነት ውዑይን ሓድሽን ብምንባሩ፣ ኢሳያስ ዝበላ ቅንዕቲ ገይሩ ክወስዳ ናይ ግድን ኢዩ። ነዚ ዝተዓዘበን ዝተገንዘበን ጉሒላ ስርዓት ከኣ በብቑሩብ ኣብ ዓንኬሉ ኣእትዩ ገባርን ሓዳግን ኮይኑ እንሆ። ገለ ካብቲ ዘደናግሮ ዝነበረ ነጥብታት ንተዓዘብ። ኣብ ፈለማ መደረኡ ድሕሪ ደጊም ሓሸውየ ውድባት የለን፣ ብሰፍ ዘይብል መስዋእቲ ንዝመጸት ሃገር ክሃንጽ ዝደሊ ይእቶ እጃሙ የበርክት’’ ብማለት መሳጢ ዝኾነ ሓረጋት ተጠቒሙ ንህዝቢ ኣዳህሊሉ። እቲ ህዝቢ ድማ ኩሉ እቲ ኢሳያስ ዝብሎ ዝነበረ እታ ካብ ባዕዲ ናጻ ዝወጸት ሃገር ተመሊሳ ኣብ ገዛእቲ ንኸይትወድቕ ብምስግኡ ኢዩ ኣይፋልካን ኩሉኹም ነዛ ሃገር ብሓደ ኢኹም ትዋዲቕኩሙላ ክብል ዘይደፈረ። ብተወሳኺ እታ ሃገር ሓዳሽ ውልዶ ብምዃና ድማ ብሓባር ኮይኖም ዘይሃንጽዋ ዝብል እምበር እቲ መርሓ ፖለቲካዊ ጐደና ጎዲሉ ከምዘሎ ፈጺሙ ኣየስተብሃለሉን።
ቀጺሉ ሓሙሻይ መስርዕ ጸረ ሃገር፣ መንግስቲ ሃገር ይሃንጽ ንሶም ከኣ ሃገር ከፍርሱ ክብል ጀመረ። ድሒሩ ድማ ናይ ጂሃድ ምቕልቃል ንህዝብና ሰላምን ቅሳነትን ዝኽልእ ብማለት እውን ኣደናገረ። እዚ ኩሉ እናተገብረ ድማ ቅዋም ክንደፍ ኣለዎ ዝብል ተላዕለ እሞ እቲ ቅዋም ተሓንጺጸ። ቅዋም ንኸየተግብር ድማ ባዕሉ ብዝጻሕተሮ ሓዊ እዚ ውግእ እንከሎ ቅዋም ከመይ ገይሩ ይትግበር እዞም ነቲ ጸላኢና ኣሕሊፎም ክህቡ ዝደልዩ ዘለዉ ብማለት ኣመኻንዩ ናብ ኣብያተ ማእሰርቲ ከምዝዳጐኑ ገይሩ። ጸኒሑ ድማ ዶብ ከይተሓንጸጸ ቅዋም ክትግበር ኣይከኣልን ኢዩ ብማለት ነቲ ህዝቢ ብዘእምን ኣገባብን ምስቲ ናይ ሰለያኡ ወስታታትን ንህዝቢ ከዳህልል ክኢሉ። ስርዓት ኢስያስን እቶም ሕደት መሻርኽቱን እምበኣር ኣብ ምድንጋርን ፈጠራን ሸፈጥን ኢዮም ተመርኵሶም ነታ ሃገር ዘመሓድሩ ዘለዉ። ካብዚኦም እንታይ ትጽበ እንታይ ዝጭበጥ ሓቅነትከ ኣለዎም።?
ሎሚ ደኣ እንታይ ስለዝተረኽበ ኢዩ ነቲ ትማሊ ዝተሓረሞ ናይ 1997 ቅዋም ኣብ ከብሒ ደፊኑ ሓድሽ ቅዋም ንምንዳፍ ዝብል ኣዋጅ ዝኣወጀ፡፡? እቲ ሕያዋይ ወይ ግሩህ ሰብ ዋእ ሎምስ ዶብዶ ተሓንጺጹ ወይ ካብ ባድመዶ ወያኔ ለቒቃ? ወይስ ምስ ኣመሪካ ተዓሪቑ? ዝብል ሕቶታት ክሓትት ናይ ግድን ኢዪ። ከመይሲ እቲ ኹሉ ዓንገረር ዝብሎ ዝነበረ ምስምስ ዶብ፣ ባድመ፣ ኣመሪካ…ወዘተ ዝብላ ኤየን ቅዋም ንኸይትግበር ሰበብ ዝኾና። ብርግጽ ኩሉ እቲ ዝብሎ ዝነበረ ሓሶትን ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ምድንጋርን እምበር ዶብ ይኹን ካልእ ዝኸልከሎ ከምዘይነበረ ኢዩ ዝእምት። ነዚ ጭብጢ ዝኾነና ድማ እቲ ናይ 1997 ዝተነድፈ ቅዋም ስለምንታይ ክነትግብሮ ኢና ኢሉ ዘይኣወጀ ኣብ ክንዲ ሓዲሽ ቅዋም ኢሉ ዝእውጅ።? ኣብዚ ኣላ እቲ ‘’ብርኩታ እምኒ ኣላታ’’ ዝበል።
ነቲ ዝተሓንጸጸ ቅዋም ንኸየተግብር ነቶም ቅዋም ይተግበር ኢሎም ዝተላዕሉ እሞ ኣብ ቤት ማኣሰርቲ ዝዳጐኖም ቅኑዓት ነይሮም ከይበሃል ኢዩ። ካልኣይ ነጥቢ እቲ ኣቐዲሙ ዝተሓንጸጸ ቅዋም ንነፍሱ ኣብ መሸንቆቓ ዝእቱ ምዃኑ ስለዝፈልጥ፣ ህዝቢ ነቲ ዝሓለፈ ሽርሒታቱ ከይነቕሓሉ ብማለት ቅልቢ ህዝቢ ንምስላብን ነቲ እዋናዊ ጠለብ ክሓትት ዝቀራረብ ዘሎ ህዝቢ ከጎናድብ ዝገብሮ ዘሎ ኢዩ። ካብዚ ሓሊፉ ነቶም ትማሊ ብሰንኮም እናበለ ዝኸስስን ዝውንጅልን ዝነበረዶ ተምበርኪኹ ይኸውን? ወይ እውን ደጋዊ ጸቕጢ በርትዒዎ ወይ እውን ብኹሉ ሸነኽ ማለት ዲፕሎማሲያዊ፡ ፖለቲካዊ ሕብረተሰብኣዊ ተነጽሎድኾን ይ\ከውን ሎሚ ሓዲሽ ቅዋም ንምንዳፍ ዝእውጅ። ኮታ ብኹሉ ዝኸሰረን ስለዝደኸመን እውን ክኸውን ይክእል ኢዩ። ግን እታ ብመዓር ዝተሸፈነት ዕረ ኣበይ ኣላ ንዝበሃል ሕቶ እታ ሓዲሽ ቅዋም ክነድፍ ኢሉ ዝኣወጃ ኣዋጅ ብተግባር ነቲ ቅድሚ ሕጂ ዝተሓንጸጸ ቅዋም ንምህራምን ንሱ ኢዩ ጌጋ ዝነበረ ከይበሃልን ዝእውጆ ዘሎ ምዃኑ ብሩህ ኢዩ።
ስለዚ ደላይ ፍትሒ ነዚ ሃለውለዋት ኢሳያስ ዕጅብ ከምዘይብሎን ብኡ ከምዘይሰናብድን ካብ ፍታሓዊ ቃልሱ ወለቕ-ዘለቕ ከምዘይብልን ኢሳያስን መጋበርያቱን ክፈልጡ ይግባእ። ደምበ ደላይ ፍትሒ በዝን ወዲኸምዝን ቅጭጭ ከይበሎ ነዓ ደኣ ሓዲሽ፡ ኣረጊት ኣይትበል ዝገበርካዮ ሸፈጥን ምድንጋርን ይእከልካ ስልጣንካ ኣረክብ ጥራሕ ኢያ እታ ምርጫ። ከምእ እውን እቶም ቅዋም ይንደፍ ኣሎ ኢልኩም ኣብ ዳንኬራን ፍስሃን ጥሒልኩም ዘሎኹም ድማ ‘’ ሓደ ሰብ ካብ ሓደ ጉድጓድ ዝወጸ ተመን ክልተ ግዜ ኣይንከስን’’ ኢዩ እትብል ምስላ ዓረብ ትኣኽለኩም።
ድራር መንታይ

No comments:

Post a Comment