Pages

Sunday, July 20, 2014


 
ኣሰናዳኢት ሽማግለ ፈስቲቫል ፍራንክፎርት 2014
 
ማሕበራዊ ፍትሕን ቅዋምን ንምንጋስ:  ብሓባር ንቃለስ! ኣብ ትሕቲ ዝብል ጭርሖ ካብ 8 ክሳብ 10 ነሓሰ 2014  ዝካየድ  ፈስቲቫል  ንመትከላዊ  ጭርሖኡ  ብተግባር  ንምርግጋጽ ኣሰናዳኢት ሽማግለ  ፈስቲቫል  ብዕቱብ  ይሰርሓሉ  ኣሎ። እዚ ፈስቲቫልዚ ካብ ኩሉ ክፍሊ ዓለማት  ንዝዉሕዙ  ተቓለስትን፡  ብጉዳይ  ሃገሮም  ዝግደሱ  ዚጋታትን  ዘአንግድ  መድረኽ  ስለዝኾነ  ንኹሉ  ዘዕግብ  መደባት  ዘካተተ  ክኽውን  ኢዩ።  ብቐንዱ  ድማ፡  እዚ  ፈስቲቫልዚ፡  ፍትሒ  ንምንጋስ  ኣንጻር  ምልኪ  ኣብ  እነካይዶ ዘሎና ቃልሲ፡ ኣድማዒ ናይ ቃልሲ  እጃምና እነበርክተሉ ንክኸውን እናተሰርሓሉ ኢዩ
ፈስቲቫል ፍራንክፎርት 2014 መድረኽ ናይ ኣስተምህሮን ሓበታን ኢዩ። ኣብ ዝተፈላለየ ጉዳያት ኣስተምህሮ ክህቡ ዝኽእሉ ኤርትራውያን ንናይ ካልእ ሃገራት ዜጋታትን ተዓዲሞም ዝመጹ ክህልዉ ኢዮም። ፈስቲቫል ፍራንክፎርት መድረኽ ዓውደ-ክትዕን መድረኽ ዘተ ንክኸውን ኢዩ። ነዚ ክልተ መደባት ንዓርቢን ቀዳምን ተታሒዝሉ ኣሎ።
ዓርቢ፡ ኣብ ፈለማ መዓልናይ ፈስቲቫል፡ ብኣባላት ኣወሃሃዲት  ሽማግለ ሃገራዊ ዲሞክራስያዊ ሓይልታት ኤርትራ (ENDF) ዝምእከል ሰሚናር ክከየድ ኢዩ። ቀንዲ ቴማ/ዛዕባ  ናይቲ ሰሚናር፡ ነቲ ኣብ ፕሪቶርያ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ብኤምዲሰመ (EMDHR) ዝተዳለወ ኮንፈረንስ ዘጽደቖ ብዙሕ ነጥቢታት ዝሓቖፈ መግለጺ ዝጥምት ክኸውን ኢዩ። እዚ ኣብ ፕሪቶሪያ ዝተኻየደ ኮንፈረንስ ብርክት ዝበሉ ምሁራትን፡ ሲቪካዊ ማሕበራትን ፖለቲካዊ ምንቅስቓሳትን ተሳቲፎም ኣገዳሲ ምርድዳእ ዝተገብረሉ ኢዩ ኔሩ።
ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን (EPDP) ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንደሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን (EMDHR) ከምኡውን ከም በዓል ሑመድ ኩሉን ዓብደልራሕማን ሰይድን ዝኣመሰሉ ኣገደስቲ ሰባት ዘቖሙዎ ሃገራዊ ዲሞክራስያዊ ሓይሊታት ኤርትራ (ENDF) ንናይ ፕሪቶርያ ኮንፈረንስ ምርድዳእ ከም ምትእኽኻብ ተቐቢልዎን ኣጽዲቕዎን ኢዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ ኢዩ ድማ ንምዕዋቱ ክብል ሰሚናር ኣዳሊውሉ ዘሎ። ኣብዚ ዝግበር ሰሚናር እቶም ኣብ ኮንፈረንስ ፕሪቶርያ (ደቡብ ኣፍሪቃ) ዝነበሩ፡ ናይ ኤምዲሰመ (ደቡብ ኣፍሪቃ)መድረኽ ንሃገራዊ ዘተ፡ ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንለውጢ (EMC): EYSC ከምኡውን ንነብሱን ENDF ወኪሉን ኣብ ኮንፈረንስ ተረኺቡ ርኡይ ግደ ዘበርከተ ዓብደልራሕማን ቦሃሸም ክሳተፍዎ ኢዮም። እዚ ሰሚናርዚ ንኹሉ ኤርትራዊ ደላይ ፍትሒ ክፉት ኢዩ።
ቀዳም፡ ካልኣይ መዓልቲ ፈስቲቫል ዕዱማት መልእኽታቶም ዘስምዕሉ ክኸውን ኢዩ። መደብ ዓውደ ክትዕ ድማ ንቀዳም ኢዩ ተመዲቡ ዘሎ። ናይቲ ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ኤርትራውያን ብንጥፈት ዝንቀሳቐስ ዘሎ ግብጻዊ ሓው ሓምዲ ኣልዓዚ፡ ብርክት ዝበለ ዝኣከቦ መረዳእታታት ንፈስቲቫል ዘቕርበሉውን ንቀዳም ተታሒዙ ኣሎ።
ካብቲ ካልእ መደባት ዘይንእስ፡ ንዝብህግዎ ኣእምሮ ዘሐድስ ናይ ባህልን ሙዚቃን መደባትን ምሸት ዓርብን ቀዳምንካብ ዓዲ እንግሊዝን ኖርወይን ጀርመንን ብዝመጹ ወናማት ክካየድ ተታሒዙ ኣሎ።
ዝርዝር መደባት ኣብ መጻኢ ክስዕብ ኢዩ!
እዚ ፈስቲቫልዚ ናይ ኩሉ ደላይ ፍትሒ ፈስቲቫል ኢዩ!
ዓወቱ ናይ ኩሉና ዓወት ኢዩ
ቆጸራኹም/ቆጸራኽን ኣብኡግበርዎ/ግበርኦ
ኣሰናዳኢት ሽማግለ ፈስቲቫል ፍራንክፎርት 2014
                                  

No comments:

Post a Comment