ኣቶ ወልደየሱስ ዓማር ጌና ካብ ግዜ ንእስነቱ ምስ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝተላለየን ካብ ሽዑ ጀሚሩ ክሳብ ሕጂ ከይሰልከየ ዝቕጽል ዘሎን እዩ። ኣብ ዝሓለፈን ቀጻሊ ዘሎን ናይ ነጻነትን ሓርነትን ዝተናወሐ መስርሕ ቃልስና ኣብ ዝተፈላለየ ሓላፍነትን ናይ ቃልሲ ዓውድታትን ክቃለስ ጸኒሑን ኣሎን። ኣብ ግዜ ሰውርዊ ባይቶ፡ ኣብ ግዜ ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራን ኣብ መስርሕ ምስግጋር ናብ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን ብኣቦመንበርነት መሪሑ፡ ነቲ ዝድፈር ዘይመስርል ዝነበረ ናይ ጀብሃ-ሻዕብያ ፍልልይ ኣብ ምስዓር ልሉይ እጃም ካብ ዘበርከቱ መራሕቲ ሓደ እዩ። እነሆ ድማ ሎሚ እውን ናይ ሰደህኤ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ኣህጉራዊ ዝምድናታት ኮይኑ፡ በቲ ሓደ ወገን ፖሊሲታት ሰደህኤ ኣብ ምስራጽ በቲ ካልእ ወገን ድማ ንጸረ-ህዝቢ ተግባራት ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ዲፕሎማስያዊ መድረኽ ብምቅላዕ ኣብነታዊ ኣበርክቶኡ ይቕጽል። እምበኣር ምስኡ ዝገብርናዮ ቃለ-መጠይቕ ብኣገደስቲ ሰነዳት ኣሰኒና ነቕርቦ ኣሎና። ሰናይ ንባብ ይኹነልና።
ሓርነት፡ 2ይ ጉባአ ሰደህኤ ንኣህጉራዊ ዝምድና ሰልፊ ዝሃቦ ቆላሕታ ከመይ ነይሩ?
ኣቶ ወልደየሱስ፡ ኣቐዲመ ነዚ ኣጋጣሚ'ዚ ብምርካበይ ንቤ/ጽ ዜና ሰደህኤ ኤመስግን። ኣብዚ ሕጂ ንሓደ መላኺ ስርዓትን፡ ነቲ ንሱ ዝተኸሎ ናይ ዓመጽ ኣገባባትን ባህልን ክንኣሊ፣ ካብኡ ቀጺልና ከኣ ዲሞክራሲያዊት ኤርትራ ኣብ ምህናጽ ብብቕዓት ተዳሊና ክንጸንሕ ኣብ እንጥለበሉ መድረኽ፡ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን (ሰዲህኤ) መላእ ትካላቱንኣባላቱን ዓበይቲ ዕማማት ቃልሲ ከም ዝጽበይዎም ርዱእ ኢዩ። ንክብደት ዝጽበየናዘሎ ዓማማት ኣብ ግምት ብምእታው፡ 2ይ ጉባኤ ሰዲህኤ ንኣህጉራዊ ዝምድናታትና ብዝምልከት፡ ኣገዳሲ ውሳኔታት ኣመሓላሊፉ። እቲ ዝጸደቐ መደባትን ውሳኔታትን ከኣ ንዘሎናዮ መድረኽ ኣብ ርእሲ ምንጽብራቑ፡