Pages

Sunday, August 14, 2016

ብህይወቱ ቅሳነት ንዝኸልኡዎ ኤርትራዊ ክሳብ መቓብሩ

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ኤርትራ መቓብር ናይ ዝዓረፉ ቤትሰብ ምንዳቕ ኣጊዱ ከምዘሎ ምንጭታት ካብ ኤርትራ ሓቢሮም።

ብመሰረት እቲ ሓበሬታ በቲ ወጺኡ ዘሎ ምልካዊ መምርሒ መሰረት፣ መቓብር ስድርኡ ከንድቕ ዝተረኽበ 6 ወርሒ ማእሰርትን 25 ሽሕ ናቕፋ መቕጻዕትን ከም ዝብየነሉ ተፈሊጡ ‘ሎ። እቶም ነዚ ትእዛዝ’ዚ ዘተግብሩ ዘለዉ ኣመሓደርቲ ዓድታት በቶም መቓብር ካብ ምስራሕ ዝኽልከሉ
ብመሰረት እቲ ሓበሬታ በቲ ወጺኡ ዘሎ ምልካዊ መምርሒ መሰረት፣ መቓብር ስድርኡ ከንድቕ ዝተረኽበ 6 ወርሒ ማእሰርትን 25 ሽሕ ናቕፋ መቕጻዕትን ከም ዝብየነሉ ተፈሊጡ ‘ሎ።

እቶም ነዚ ትእዛዝ’ዚ ዘተግብሩ ዘለዉ ኣመሓደርቲ ዓድታት በቶም መቓብር ካብ ምስራሕ ዝኽልከሉ ዘለዉ ዜጋታት ምኽንያቱ ኣብ ዝሕተቱሉ ግዜ፣ ካብ ልዕሊ ዝመጸ መርሒ እዩ ካብ ምባል ሓሊፎም ብቁዕ መረድእታ ከቕርቡ ከምዘይከኣሉ ‘ውን እቶም ምንጭታት የገንዝቡ።
እቲ ጥቡቕ ስድራቤታዊ ፍቕሪ ዘለዎ ህዝቢ ኤርትራ ብሞት ንዝተፈልዩዎ ቤተሰቡን ወልዱን መቓብር ኣስሪሑ ሕልናዊ ቅሳነት ምርካብ ንነዊሕ ዓመታት ለሚዱዎ ዝጸንሐ ንቡር ያታ እዩ። እቶም ብዘይ ዊስኪን ኣረቅን ዘይሓድሩ፣ ምሸት ምሸት ኣማኢት ኣሽሓት ገንዘብ ህዝቢ ዘባኽኑ ዘለዉ ተጣላዕቲ መራሕቲ ህግደፍ ውልቀመላኺ ኢሳያስን ጭፍርኡን ግን ነቲ ነውራም ኣመሎም ኣብ ክንዲ ዝእርሙ፣ ብህይወቱ ቅሳነት ንዝኸልኡዎ ኤርትራዊ ክሳብ መቓብሩ ክስዕቡዎ ምርኣይ ሃየንታ እዩ።
ውልቀመላኺ ስርዓት ኢሳይያስናብ ስደት ንዝሞቱ ዜጋታት ናብ ኤርትራ ንምልኣኽ ንዝንቀሳቐሱ ገበርቲ ጽቡቕ ክልተ ካብ ሚእቲ ክፈሉ እናበለ ዒብ ዘይብሉ ተግባር ይፍጽም ከምዘሎ ኣብ ርያድ ዝርከቡ ኤርትራውያን ምሕባሮም ኣብ ዝሓለፉ ዜናታት ኣሰና ተጠቒሱ ነይሩ።
ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ኤርትራውያን ‘ውን፣ እቲ ስርዓት ዝሓቶ ክልተ ካብ ሚእቲ ዘይተኸፍሎ ሬሳታት ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ንነዊሕ እዋናት ኣብ መጽንሒ ሬሳ ተኸዚኑ ከምዘሎ ይሕብሩ።

No comments:

Post a Comment