ልኡኽ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ኣብቲ 17-18 ጥቅምቲ 2016 ኣብ ብሩሰልስ ዝተኻየደ፡ ብሓድሽ ኣጀንዳ ሰላምን ፍትሕን ከምኡ እውን ምምዕባል ርትዓዊ ፖሊሲ ስደተኛታት ኣብዛ ዓለም ዝዘተየ ኮንፈረንስ ተሳቲፉ። እዚ ኮንፈረንስ ኣብ ሕብረት ኤውሮጳ ብዘለዉ ማሕበራውያንን ደሞክራስያውያንን ኣካላት እዩ ተዳልዩ።
ኣብዚ ካብ ኩሉ ኩርነዓት ዓለም 160 ልኡኻት ዝተረኽብሉ ኮንፈረንስ ካብ ሰዲህኤ ዝተሳተፉ ናይቲ ሓለፍቲ ኣብያተ ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳያትን ገንዘባዊ ጉዳያትን ኣቶ ወልደየሱስ ዓማርን ኣቶ ረዘነ ተስፋጼንን እዮም።
እቶም ዝተሳተፉ 51 ሰልፍታትን 17 ተደጋገፍቲ ኦድባትን ኮንፈረንሶም ኣብ ከተማ ብሩሰልስ ኣብ ዝርከብ ኣደራሻት ሕብረት ኢውሮጳ እዮም ኣካይዶም። መብዛሕትኦም ተሳተፍቲ ኣብ ሃሃገሮም ንዘለዉ ሓገግቲ ኣካላት ወኪሎም ዝመጹ እዮም። ብዘይካ ካብ ኤርትራ ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ ዓሰርተ ልኡኻት ማለት ካብ፡ ማሕበራዊ ደሞክራሲያዊ ሰልፍታት፡ ካሜሩን፡ ግብጺ፡ ኬንያ፡ ቱኒስያ፡ ዚምባብወን ካሎት ሃገራት ማእከልይ ኣፍሪቃን ተሳቲፎም።