ሰራዊት ኤርትራ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ብደረጃ ቦጠለንታት ናብ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኢዱ ከም ዝሃበ፡ ነዚ ጉዳይዚ ዝተኸታተሉ ኣካላት ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ሓቢሮም። በቲ ሓበሬታ መሰረት እቲ ናብ ኢትዮጵያ ኢዱ ዝሃበ ሰራዊት ገሊኡ ብወገን ጋሽ ክኸውን እንከሎ እቲ ዝተረፈ ድማ ብወገን ዓሰብ እዩ።
ኣባላት ሰራዊት ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ክኣትዉ ልሙድ’ኳ እንተኾነ እዚ ብደረጃ ቦጠለንታት ኢዶም ዝሃብሉ ቀንዲ ምኽንያት፡ መንግስቲ ህግደፍ “መነባብሮ ሰራዊት ምምሕያሽ” ብዝብል ሸፈጥ ዘተኣታተዎ ናይ ደሞዝ መተዓሻሸዊ ምዃኑ ስለ ዝተረድኡ እዮም። እቲ ሰራዊት ናይቲ ወሰኽ ደሞዝ ትርጉም ኣልቦነት ዝተረደአ፡ ካብቲ 1800 ናቕፋ ደሞዝ ሓደ ኣባል ሰራዊት፡ 150 ንጡረታ፡ 150 ንመስርሒ ገዛ፡ 150 ንደቂ ስዉኣት፡ 150 ንልምዓት ሃገር፡ ዝብሉን ካልእ ጉልባባትን ተጠቒሙ ናብ ካዝንኡ ምስ መለሰ ካብቲ ዝተረፈ፡ ብኢደ-ወነኑ 600 ናቕፋ ንቤተሰብ ወሲዱ ኣብ ኢድ ሓደ ኣባል ሰራዊት 300 ናቕፋ ጥራይ ክወሃብ ምስ ወሰነ እዮም። እቶም ነዚ ኣገባብ ዘይተቐበልዎ ኣባላት ሰራዊት ነቲ ኩነታት “ዝተሰርሐ ገዛውቲ ከፍርስ ዝውዕል መንግስቲ ገዛ ሰሪሑ ክህበና ዘይእመን እዩ” ብዝብል ከም ዝገለጽዎ’ውን እቲ ዝበጸሓና ሓበሬታ የረጋግጽ።
ብዘይካዚ እዚ ንረብሓኦም ስለ ዘይኮነ ኣባላት ሰራዊት ዘይተቐበልዎ ስርዓተ-ደሞዝ ዝወሃብ ነቶም ኣብዘን ዝሓለፋ 3 ዓመታት ብዘይምቁራጽ ኣብቲ ሰራዊት ዝጸንሑ ጥራይ ዝምልከት እዩ። በዚ መምዘኒ መሰረት ብህድማን ብዝተፈላለየ ካልእ ምኽንያትን ወጺኦም ጸኒሑም ናብቲ ሰራዊት ተመሊሶም ንዘለዉ ስለ ዘይምልከት፡ እዞም እዚ መሰል ዝተነፍጎም ብብዝሒ ብቐጻሊ ካብቲ መንግስቲ ክሃድሙ ግምት ኣሎ።
ሓደ ካብ ነባራትን የማናይ ኢድ ህግደፍን ምዃኑ ዝንገረሉ ሜጀር ጀነራል ሃይለ ሳሙኤል (ቺና) ነዚ ኣገባብ ኣወሳስና ደሞዝ ስለ ዘይተቐበሎ ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር ከም ዝርከብ እውን ምንጭታትና ገሊጾም::
ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ
No comments:
Post a Comment