ኣቶ ሃይለ ገብሩ ኣባል ማእከላይ ባይቶ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብ9 ማዝያ 2017 ንኣባላት ሰልፊ ብመንግዲ ኤክትሮኒካዊ መራኸቢ ፖለቲካዊ ኣስተምህሮ ሂቡ። ኣቶ ሃይለ ዓሚቝ ኣስተምህሮ ዝሃበሉ ኣርእስቲ “ጐናዊ ኣተሓሳስባ ንምሕዳስ ሰልፍና ( lateral thinking for renewing our party) » ዝብል እዩ። ንሱ ኣብዚ ኣስተምህሮኡ፡ ኣብ መስርሕ ቃልሲ ሓንሳብ ኣብ ዝሓዝካዮ ኣተሓሳስባ ምድራቕ ዘይኮነ ንዝፍጠር ምዕብልናታት ዝምጥን ዝጋጥሙ ጸገማት ንምፍታሕ ሓድሽ ኣተሓሳስባ ምምዕባል ናይ ዓወት ውሕስነት ምዃኑ ብኣብነታትን ዕዉት ተመኩሮታትን እንዳሰነየ ብዝርዝር ኣብሪሁ።
ኣብ መስርሕ ሓደ ቅኑዕ ኢልካ ዝኣመንካሉ ኣተሓሳስባ ሒዝካ ናብ መድረኽ ምምጻእ ሃናጺ ኮይኑ፡ እንተኾነ « ኣነ ጥራይ እየ ቅኑዕ እቲ ካልእ ግና ግጉይ እዩ » ካብ ዝብል ኣተሓሳስባ ምርሓቕን ንጉዳያት ኣስፊሕካ ምርኣይን ከም ዘድሊ ኣብሪሁ። ብመንጽር እዚ ኣብ ኣርእስቲ ተጠቒሱ ዘሎ ምዕቡል ኣተሓሳስባ ሰባት ኣብ ዝተሰርሐ ጉዳይ ሚዛን ኣብ ምሃብን ምንቃፍን ዘይኮነ ኣካል ናይቲ ምምስርሑ ኮይኖም ከበርክቱ እንከለዉ ናብ ምዕቡል ውጽኢት ከም ዝመርሕ ገሊጹ። ናይ ለውጢ ወናኒ ወይ ተጠቃሚ ክትከውን፡ ኣቐዲምካ ንገዛእ ርእስኻ ክትልውጥ የድሊ ዝበለ ኣቶ ሃይለ ገብሩ፡ እትደልዮ ምዕባለን ለውጥን ካብ ኢድ ካለኦት ምጽባይ ዘይኮነ ናትና ኣበርክቶ ክንሕውስ ናይ ግድን ብዛዕባ ምዃኑ ከኣ ተንቲኑ።