Pages

Thursday, June 9, 2016

FN-rapport: Eritreas ledere bør stilles for retten

Opp til 400.000 mennesker har blitt holdt som slaver i Eritrea de siste 25 årene. Det melder FN, som mener regimet har gjort seg skyldig i systematiske forbrytelser mot menneskeheten.Den nye rapporten fra FN kommer er en knusende dom over aktiviteten til regimet i Eritrea siden 1991.
Rapporten tar til orde for at landets ledere må stilles rettslig til ansvar i en internasjonal domstol.

Monday, May 30, 2016

ስርዓት ኣስመራ ኣብ ኮንፈረንስ ጀነቫ ተኾኒኑ።

ኣባል ፓርላም ስዊዘርላንድ፡ ኣብቲ ኩነታት ኤርትራ ዝተገምገመሉ ንክልተ መዓልታት ኣብ ጀነቫ ዝተኻየደ ኮንፈረንስ፡ ኣብ ኤርትራ  ዝተፈላለየ ገበናት ይፍጽሙ ንዘለዉ ኣካላት ብትሪ ኮኒኖም። እቶም ኣባል ፓርላማ ኣብ ኤውሮጳ ዘለዉ ገስገስቲ ምስቶም ኣብ ከም ኤርትራ፡ ዝንባቡዌን ኣብ ካለኦት ከባብታትን  ምስ ዘለዉ ዲክታቶራት ክደጋገፉ ምጽነሖም ተቓዊሞም።
ኣብ መኽፈቲ እዚ ናይ 19 ጉንበት 2016 ሰሚናር ክቡር፡ ማኑአል ቶርናረ፡ ናይ ቅድም ከንቲባ ጀነቫን ኣባል ሃገራዊ ባይቶን ኮሚተ ወጻኢ ጉዳያትን፡ ኣብዚ እዋንዚ 30% ካብ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ጨንቂ ይነብር ብምህላዉ ዝተሰመዖም መሪር ሓዘን ገሊጾም። ኣተሓሒዞም ድማ ኣብ ኤርትራ ዝፍጸም ዘሎ ገበን በቲ ብሕቡራት ሃገራት ብዝቖመ ኮሚተ ብዝቐረበ 483 ገጻት ዘለዎ ጸብጻብ ምቅልዑ ከም ዘሕጐሶም ጠቒሶም፡ ድሕሪ እዚ ተሓታቲ ናይቲ ገበን ክንጸር ትስፉው ምዃኖም ሓቢሮም። ንሶም ኣተሓሒዞም ኣብ ቅርኒ ኣፍሪቃ ብዛዕባ ሰብኣዊ መሰል ኣብ ጀነቫ ዝተዘርበ ቅድሚ 80 ዓመታት፡ ንጉስ ሃይለስላሴ ኣንጻር ናይ ሽዑ ፋሺሽታዊ ግፍዒ ናብ ሕቡራት ሃገራት ጥርዓን ኣብ ዘቕረብሉ እዩ ነይሩ ኢሎም።

Thursday, May 19, 2016

ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ኦስሎ ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።



Norway_demoህዝቢ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ህግደፍ ን25 ዓመታት እዚ ዘይበሃል በድላትን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ወሪዱዎ ኣብ ዝሳቐየሉ ዘሎ ህሞት፡ ህግደፍን መሓውራቶም ዝኾና ማሕበራትን ኣብ ኦስሎ፡ ሃገረ-ኖርወይ፡ ብሩራዊ ኢዮቤል ናጽነት ኤርትራ ብዝብል ኣርእስቲ ዳንኬራን ሳዕስዒትን ንምግባርን ብስዉር ንነዊሕ ጊዜ ተዳልዮም ሸበድበድ ክብሉ ቀንዮም።
ከተማ ኦስሎ፡ ከም ካልኦት ከተማታት ኤውሮጳ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን ይቕመጥዋ። ኣብዛ ኸተማ’ዚኣ ካብ ግዜ ናጽነት ጀሚሩ ብቑጽሮም ይኹን ብህግደፋውነቶም ዝተኣማመኑ ብርክት ዝበሉ ኣባላት ህግደፍ ስለ ዝጸንሑ፡ ኣፍልቦም ገቲሮም ደስ ኣብ ዝበሎም ኣዳራሻት በዓላትን ሰሚናራትን የካይዱ ኔሮም ኢዮም። ካብ 2012 ንነጀው ግን ቁጽሪ ደለይቲ ፍትሒ እናሰሰነ ሓይሊ-ሚዛን’ውን እናተቐየረ ስለ ዝመጽአ፡ ኣባላት ህግደፍ እዚ ዘይበሃል ርእሰ ምትእምማን ኣጥፊኦም፡ ኩሉ ዝገብርዎ ንጥፈታት ብስቱር ጥራይ ኮይኑ።

Tuesday, May 3, 2016

ናጽነትና ትኳቦ ዘይኮነስ፡ ውጽኢት መሪር ቃልሲ’ዩ

ህዝቢ ኤርትራ ናጽነቱ ብዘይካ ብቓልሱ ብኻልእ መንገዲ ከም ዘይረጋገጽ ምስ ዓገበ፡ ቃልሲ ከካይድ ወሲኑ። ነዚ ቃልሱ ንምዕዋት መሳርሒ ዝኾኖ ውዳበ ክህልዎ ድማ ናይ ግድን ነይሩ። ውዳበ ናይ ሓባር ረብሓን ዕላማን ዘለዎም ኣካላት ብናይ ሓባር ጻዕሪ ንከዕውትዎ ዝጥቀምሉ ሓባራዊ ኣገባብ እዩ። እዚ ናይ ሓባር ናይ ቃልሲ መሳርሒ ውደባ ብሃታሃታ ጠፋጢፍካ ዝስራሕ ዘይኮነስ ናይ ገዛእ ርእሱ ቀጥዕን ኣገባብን ሒዙ ብመስርሕ ዝሓልፍ እዩ። ናይዚ ዝምስረተሉ ቀጥዒ ጽፈትን ድልዳለን ከኣ ኣብ ትሕዝቶ ናይቲ ብኣኡ ኣቢልካ ዝብጻሕ ዓወት ናይ ገዛእ ርእሱ ጽልዋ ኣለዎ።
ኤርትራውያን ተቓሊሶም ናጽነት ዘውሓሱለን ውድባት ኤርትራ፡ ኣብ ሕድሕደን ዝነበረ ፍልልይ፡ ምስሕሓብን ብሰንኪ እዚ ምስሕሓብ ዝፈሰሰ ደምን ዝባኸነ ንብረትን ግዜን ንታሪኽ ገዲፍካ፡ ናጽነት ኣብ ምምጻእ ነናተን ግደ ከም ዝነበረን ፍሉጥ እዩ። ብዓብይኡ ከኣ ናይዘን ውድባት ኩለመዳያዊ መሰረትን መንቀልን ህዝቢ ኤርትራ ስለ ዝነበረ ቀዳማይ ዋና ናይቲ ናጽነት ንሱ እቲ ህዝቢ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ቀንዲ ዋና ናጽነት ዝኾነሉ ምኽንያት ደቁ መሪቑ ኣብ ቃልሲ ስለ ዘሰለፈ ጥራይ ኣይኮነን። ባዕሉ እውን፡ ኣብቲ መስርሕ ሃናጺ ሓሳባት ብምሃብ፡ ብዛዕባ ጸላኢ መሰረታዊ ሓበሬታታት ብምቕራብ፡

Tuesday, April 12, 2016

ኣስማት ሙውታትን ቁሱላትን ኤርትራውያን ተዓላሞ፡ ግዳያት

መርበብ ሓቤረታ ማርቲን ፕላውት ብሰንበት ዕለት 03/04/2016 ኣብ ኣስመራ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ተዓላሞ ዝተኻየደ ዘስካሕክሕ ፍጻመ ዝርዝር ሓቤረታ ከምዝረኸበ ኣፍሊጡ። እቶም ግዳያት ተዓላሞ ካብተን ንከተማ ዓሰብ ዝወስዳኦም ዝነበራ ናይ ጽዕነት መካይን ዘሊሎም ክሃድሙ ኣብ ዝፍትንሉ ዝነበሩ እዋን ከምሳዕቤኑ ጠያይት ከምዝተተኮሰሎም ኣፍሊጡ።
candles
ንኹሎም ንግዳያት መንግስተ ሰማይ ይቀበሎም !
ብሚያዝያ 03/2016 ካብተን ናይ ጽዕነት መካይን ንዝዘለሉ ተዓላሞ ብዘስካሕክሕ ፍጻመ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ብጠያይት ከምዝተወቕዑ ኣረጋጊጹ። ከም ሳዕቤኑ ድማ ገሊኦም ብጥይት ክቅተሉ እንከለዉ ገሊኦም ውን ብጥይት ቆሲሎም ከምኡ ውን ካልኦት ካብተን መካይን ኣብ ዝዘለሉሉ እዋን ምሰበርቲ ኣጋጢምዎም።

Thursday, April 7, 2016

Eritrea: naming the dead and injured conscripts in Asmara shooting

I have received details of the tragic events of last Sunday, when National Service conscripts were shot in cold blood in Asmara. They were attempting to escape from trucks taking them to the port of Assab.
The information is from inside Eritrea
Martin
On 03 April 2016  conscripts who jumped from vehicles were shot at in cold blood in front of many people. As a result, some died, some were wounded from the shooting and others were injured when they jumped from the vehicles.
A total of 29 conscripts were killed or injured.
Six were killed on the spot and eighteen were taken to hospital. Five of those in Halibet hospital have since died of their injuries. The remainder are under under heavy guard.
Reliable sources reveal that some of those still in hospital are in a critical condition. The numbers of fatalities may rise.
These are the names of some of the 18 wounded in hostpital:

Sunday, April 3, 2016

ኢሳያስ ኣፈወርቂ ብግዱድ ጉልበት ካብ ወርቂ ቢሻ 2ቢልዮን ዶላር ከም ዝረኸበ ተገሊጹ

ኢሳያስ ኣፈወርቂ ብግዱድ ጉልበት ካብ ወርቂ ቢሻ 2ቢልዮን ዶላር ከም ዝረኸበ ተገሊጹ::

Isaias_dollar
ኢሳያስ ኣፈወርቂ ምስ ነቭሰን ዝተባህለ ኩባንያ ዕደና ብምሽራኽ ተሓታትነት ዘይብሉ 2 ቢልዮን ዶላር ከምዝረኸበ ተገሊጹ:: ማርክ ኪሊ ዝተባህለ ጋዜጠኛ   ንሓለፍቲ ኩባንያ ዕደና ነቭሰን ኣዘራሪቡ እቲ ሓሙሻይ ዓንዲ ሕጊ(The fifth estate) ብዝብል ኣብ ዘዳለዎ መደብ : ዕደና ወርቂ ቢሻ  ኣብ 2011 ምህርቲ ወርቂ ኣብ ዝጀመረሉ 548 ሚልዮን ዶላር መኽሰብ ከምዝገሓጠን ኣብ ዝቐጸለ ሓሙሽተ ዓመት ድማ ንስርዓት ህግደፍ 2 ቢልዮን ዶላር ከም ዝሃብዎን ተገሊጹ:: ሓለፍቲ ነቭሰን ንኣጠቓቕማ እቲ ብግዱድ ዕዮ ዝተረኽበ ኣታዊ ተሓቲቶም ተጋራጫዊ መልሲ ሂቦም:: ንሳቶም ሓንሳብ ብዛዕባ እቲ ኣታዊ ምስ ህግደፍ ብምስጢር ክሕዝዎ ከም ዝተሰማምዑ ብምጥቃስ: ካልእ እዋን ድማ ኣብ ልምዓት ከም ዝውዕልን ኣብ ፖሊሲ መንግስቲ ኣይንኣቱን ብምባል መሊሶም::ሓለፍቲ ነቭሰን ብዘይካዚ ኣብ ፈለማ ጉልበት ወተሃደራት ብምጥቃሞም  ይቕረታ ሓቲቶምሉ ከብቅዑ ዳሕራይ ግን ሕጊ ተኸቲሎም ከምዝሰርሑ ገሊጾም::ህግደፍ ብወገኑ ብዛዕባ ኣታዊ እቲ ኩባንያ ከምዝሕተት ብምግላጽ ነቲ ምስጢር ዓቢጥዎ::