Pages

Wednesday, January 27, 2016

ቃለ- መጠይቕ ምስ ኣቶ ወልደየሱስ ዓማር

ኣቶ ወልደየሱስ ዓማር ጌና ካብ ግዜ ንእስነቱ ምስ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝተላለየን ካብ ሽዑ ጀሚሩ ክሳብ ሕጂ ከይሰልከየ ዝቕጽል ዘሎን እዩ። ኣብ ዝሓለፈን ቀጻሊ ዘሎን ናይ ነጻነትን ሓርነትን ዝተናወሐ መስርሕ ቃልስና ኣብ ዝተፈላለየ ሓላፍነትን ናይ ቃልሲ ዓውድታትን ክቃለስ ጸኒሑን ኣሎን። ኣብ ግዜ ሰውርዊ ባይቶ፡ ኣብ ግዜ ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራን ኣብ መስርሕ ምስግጋር ናብ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን ብኣቦመንበርነት መሪሑ፡ ነቲ ዝድፈር ዘይመስርል ዝነበረ ናይ ጀብሃ-ሻዕብያ ፍልልይ ኣብ ምስዓር ልሉይ እጃም ካብ ዘበርከቱ  መራሕቲ ሓደ እዩ። እነሆ ድማ ሎሚ እውን ናይ ሰደህኤ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ኣህጉራዊ ዝምድናታት ኮይኑ፡ በቲ ሓደ ወገን ፖሊሲታት ሰደህኤ ኣብ ምስራጽ በቲ ካልእ ወገን ድማ ንጸረ-ህዝቢ ተግባራት ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ዲፕሎማስያዊ መድረኽ ብምቅላዕ ኣብነታዊ ኣበርክቶኡ ይቕጽል። እምበኣር ምስኡ ዝገብርናዮ ቃለ-መጠይቕ ብኣገደስቲ ሰነዳት ኣሰኒና ነቕርቦ ኣሎና። ሰናይ ንባብ ይኹነልና።

ሓርነት፡ 2ይ ጉባአ ሰደህኤ ንኣህጉራዊ ዝምድና ሰልፊ ዝሃቦ ቆላሕታ ከመይ ነይሩ?

ኣቶ ወልደየሱስ፡ ኣቐዲመ ነዚ ኣጋጣሚ'ዚ ብምርካበይ ንቤ/ጽ ዜና ሰደህኤ ኤመስግን። ኣብዚ ሕጂ ንሓደ መላኺ ስርዓትን፡ ነቲ ንሱ ዝተኸሎ ናይ ዓመጽ ኣገባባትን ባህልን ክንኣሊ፣ ካብኡ ቀጺልና ከኣ ዲሞክራሲያዊት ኤርትራ ኣብ ምህናጽ ብብቕዓት ተዳሊና ክንጸንሕ ኣብ እንጥለበሉ መድረኽ፡ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን (ሰዲህኤ) መላእ ትካላቱንኣባላቱን ዓበይቲ ዕማማት ቃልሲ ከም ዝጽበይዎም ርዱእ ኢዩ። ንክብደት ዝጽበየናዘሎ ዓማማት ኣብ ግምት ብምእታው፡ 2ይ ጉባኤ ሰዲህኤ ንኣህጉራዊ ዝምድናታትና ብዝምልከት፡ ኣገዳሲ ውሳኔታት ኣመሓላሊፉ። እቲ ዝጸደቐ መደባትን ውሳኔታትን ከኣ ንዘሎናዮ መድረኽ ኣብ ርእሲ ምንጽብራቑ፡

Thursday, January 7, 2016

ኣብ እንዳ ህግደፍ ዘይተነግረ’ምበር፡ ዘይተገብረ የለን

ጨቋኒ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ዝፍጽሞ ግፍዒ ዘይተነግረ’ምበር ዘይተገብረ ከም ዘየለ ቅድሚ ሕጂ ተደጋጊሙ ዝተጠቐሰን ብተግባር ዝተረጋገጸን እዩ። እንተኾነ ዋላ ኣቐዲምካ እትፈልጦ ተግባር ተመሊሱ መልክዕ ቀይሩ ክመጽእ እንከሎ፡ መሊሱ ይሕደሰካ እሞ ብዛዕብኡ ክትግረምን ቃልካ ከተስምዕን ትግደድ። እነሆ ከኣ ጉጅለ ህግደፍ ግናይ ምስሉ ንምጽብባቕን ጸረ ህዝቢ ተግባራቱ ንምሕባእን “ጠንቂ ስደትና ቁጠባዊ ድኽነት እምበር ፖለቲካዊ ጸገም ኣይኮነን” ኢልኩም ኣመኽንዩለይ ዝዓይነቱ ምንቅስቓስ የካይድ ኣሎ። ዘገርም እዩ! እቲ ጠንቂ ቁጠባዊ ድኽነት እንተኾነኸ ወዮ ተጠሊዑ “ህዝቢ አመሓድርን ሃገር እመርሕን ኣለኹ” ዝብል ጉጅለ ካብ ተሓታትነት ይድሕን ማለቱ ደኾን ይኸውን።? እቲ ጠንቂ ቁጠባዊ ጸገም እዩ እንትዝበሃልከ ክሳብ ክንደይ እዩ ካብ ፖለቲካዊ ጠንቅነት ክፍለን ተነጺሉ ክረኣይን።
እዚ ከምዚ ዓይነት ካብቲ መሰረታዊ ክውንነት ናይ ምህዳምን ንውሽጣዊ ጉዳያት ኣብ ክንዲ ብቐጥታ ምቕራቦምን ክትፈትሖም ምትባዕን፡ ብደጋዊ ተረኽቦታት ኣጐልቢብካዮም ንምሕላፍን ዝፍተን ተንኮላት ናይዚ ጉጅል ሕጂ ዝተጀመረ ተንኮል ዘይኮነ፡ መፋጥርቱ እዩ ተተባህለ ዝውሕዶ እምበር ዝበዝሖ ኣይኮነን። እዚ ጉጅለ ኩሉ ግዜ ውሽጣዊ ናይ ህዝቢ ናይ መሰልን ደሞክራሲያዊ ምምሕዳርን ሕቶታት ደፊኡ ክቀላቐል እንከሎ፡ ዘሰንብድ ደጋዊ ኩነታት ፈጢርካ ክትኮልፎ ምፍታን ዝላደየሉ መህደሚ ሜላኡ እዩ።

Monday, December 7, 2015

መደረ ወ/ሮ ኣስገደት ምሕረተኣብ ኣብ ሃገራዊ ምምኽኻር ናይሮቢ ከንያ

 
 
ክቡራት ዕዱማት ተሳተፍቲ
ኣቐዲመ መድረኽ ሃገራዊ ዘተ ኣብ ሃገርና ዘሎ ዘስካሕክሕ ኩነታት ብምርዳእ ህዝብና ንምድሓን ዓቕምታት ሓርነታዊ ቃልስና ክትጥርንፉ ዝወሰድኩምዎ ተበግሶ እናድነቕኩ፡ ከም ኤርትራዊት ዜጋ ኣስተውጽኦይ ከበርክት ዕድል ዝሃብኩምኒ ብልቢ አመስግን። መደብኩም ብሓቂ ኣዝዩ ኣድላይን እዋናውን’ዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ቅዱስ ዓላማ ዘበግሶ ኣኼባታት ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም ክግበር ክተባባዕ ዘለዎ እዩ። ዕዉት መደብ ክኾነልኩም ድማ እምነ።
ኣስዒበ ነቶም ዘይትፈልጡኒ ክላለየኩም፡
ኣስገደት ምሕረትኣብ እበሃል። ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኣብ ካሊፎርኒያ እነብር። ከም ተጋዳሊት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ኣባል ወትሃደራዊ ሕክምናን ኣባል መሪሕነት ጠቕላል ማሕበር ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ (ጠ.ማ.ደ.ኤ) ኮይነ ኣገልጊለ።
ኣብ ስደት ድማ ኣባል ሰውራዊ ባይቶ ጸኒሑ ሰልፊ ህዝቢ ድሒሩ’ውን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነ ኮይነ ክሳብ ሒጂ እቃለስ ኣለኹ። ብዘይካ’ዚ ኣባል ቦርድ ናይ ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ማሕበር (EDA)

Tuesday, November 24, 2015

ዓቕሚ ብዘይውደባ ኣይፍጠርን’ዩ

ሰባት ኣብ ፖለቲካዊ ይኹን ካልእ መዳያት ኩሉ ግዜ መጻኢ ዝሓሸ ክኾነሎም ምጽባዮምን ምብሃጎምን ዝተለምደ እዩ። እዚ ድሌትን ባህግን ናይ ግሎም ጥራይ ከም ዘይኮነ ስለ ዝፈልጡ ድማ ምስቶም ከም ናቶም ድሌትን ባህግን ዘለዎም ወገናት ክደላለዩ ናይ ግድን እዩ። ቀንዲ ዕላማ ናይቲ ከም ድሌቶም ድሌት ዘለዎም ወገናት ምድላይ ድማ ነቲ ኩሎም ዝደልይዎ ብሓባር ከዕውትዎ ቅኑዕ ኣገባብ ምዃኑ ስለ ዝግንዘቡ እዩ። እቲ ካልእ ናይዚ ምስጢር ድማ ካብ በይንኻ ኮይንካ ሓቢርካ ዝያዳ ዓቕምን ድምጽን ክፍጠር ስለ ዝከኣል እዩ። እቲ ምቅርራብ ናይ ቀጻልነቱ ውሕስነት ዝኸውን ዝምረሓሉ ሕግን ስርዓትን እንተዘይሃልይዎ ከምዘይዕወት ስለ ዝፈልጡ ከኣ ነዚ ብዘረጋግጽ ኣገባብ ክስርዑ ወይ ክውደቡ ይግደዱ። ከከም ምርጫኦም ናይ ውድብ፡ ሰልፊ ወይ ካልእ ስያመ ይሕዙ። እዞም ዝወደቡ ኣካላት ካብ ህዝቢ ዝፍጠሩ ኣብ ህዝባዊ ባሕሪ ዝነብሩ ብዓሳ ዝምሰሉ እዮም። ዓሳ ብዘይባሕሪ ክነብር ከም ዘይክእል እዚ ውዳበታት እ’ዚ’ውን ብዘይ ህዝቢ ክነብር ኣይክእልን እዩ።

Saturday, October 31, 2015

ሓጋዚታ ተረኣየትስ መዲዳ ትሓብእ” ከይከውን

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰደህኤ
ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ፈደራል ፖሊስ ስዊዘርላንድ ኣብ ሃገሩ ዝርከብ ኤምባሲ ስርዓት ህግደፍ ንዝፍጽሞ ነውራም ተግባራት ተኸታቲሉ ናብ ሕጋዊ ኣካል ከቕርቦ ይንቀሳቐስ ከም ዘሎ ዝሕብር፡ ብናይታ ሃገር ማዕከናት ዝተቃልሐ ዜና ተኸታቲልና ኣለና። እቲ ፈደራል ፖሊስ መዝጊቡ ናብ ናይታ ሃገር ፍትሓዊ ኣካል ካብ ዘቕረቦ ገበናዊ ክስታት ሓደ ካብ ሓተትቲ ፖለቲካዊ ዑቑባን ካለኦትን ኤርትራውያን ዝተፈላለየ ጉልባባት ሂብካ ካብ ኣታዊኦም 2% ክኸፍሉ ምግዳድ እዩ። እዚ ተግባራት እቲ ጉጅለ ካብቲ ንነዊሕ ዓመታት ባዕልና ክነውግዞን ሕብረተሰብ ዓለም ንክኹንኖ ክንጽውዓሉን ከም ዝጸናሕና ዝፍለጥ እዩ። መንግስቲ ስዊዘርላንድ ነዚ ስጉምቲ ዝወሰደ ንመጸዋዕታና ብምስማዕን መረረ እቲ ግዳይ ክኸውን ዝጸንሐ ኤርትራዊ ኣብ ዓድን ወጻእን ብምርዳእን ጥራይ ዘይኮነ ናይታ ሃገር ሕጊ ኣብ ልዕሊ ዝኾነ ኣብታ ሃገር ዝነብር ዜጋ ከምዚ ዓይነት ከትርን ሽፍትነትን ክፍጸም ስለ ዘየፍቅድ እንተላይ እዩ።
እዚ ስጉምቲ ኣብ ጽባሕ እቲ ኣብ ልዕሊ ጉጅለ ህግደፍ ኣቐዲሙ ብቤት ምኽሪ ጽጥታ ውድብ ሕቡራት ዝተነብረ እገዳ ንክናዋሕ ኣብ ዝተወሰነሉ ምዃኑ፡ ኣውያት ህዝብና በብኹርናዑ ሰማዒ እዝኒ እንዳረኸበ ከም ዝመጸ ዘመልክት እዩ።

Sunday, October 25, 2015

ንህዝብና ዝጠቅም ሓሳብ ክንጸግ የብሉን

ኤርትራ ኣብ 1991 ነቲ መግዛእታዊ ሓይሊ ሰራውሩ ሓግሒጋ ምስ ጸረገት፥ ህዝቢ ኤርትራ ንመጀመርያ ግዜ እፎይ ኢሉ ዘዕረፈላ ዓመት ኢያ ነይራ። ኣብዚ እዋን ኮይና ክንዝክሮ እንከለና፡ ታሪኻዊ ዝኾነ ውሳኔ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶ ሓይሊ መግዛእቲ ብክልቲኡ ሓይልታት ህዝባዊ ወያኔን ህዝባዊ ግንባርን ብዓብይኡ ድማ ሳላ ጽንዓትን ተወፋይነትን ህዝቢ ኤርትራ ተደፊኡ ካብ መሬትና ምስ ወጸ ዝተኣወጀ ኣዋጅ እዩ። እቲ ኣዋጅ’ቲ ሽዑ ተተግቢሩ እንተዝኸውን ምናልባት እዚ ሎሚ ኣብ ልዕሊ ሃገርናን ህዝብናን ወሪዱ ዘሎ ሽግር ኣይምወረደን። እቲ ኣዋጅ ’’ እቲ ቀዳማይ ምዕራፍ ናይ ናጽነት ቃልሲ ማለት ብረታዊ ቃልሲ ደጊም ኣብቂዑ እዩ። ዝተረፈ ቃልሲ ሓርነታዊ ቃልሲ ስለዝኾነ ኣብ ክንዲ ብረታዊ ቃልሲ ፖለቲካውን ሰላማውን ቃልሲ እዩ ክካየድ ዘለዎ።’’ ዝብል ነበረ።

Friday, October 16, 2015

EPDP Delegation Meets with The Norwegian Labour Party in Oslo, Norway

           


A four man delegation of Eritrean Peoples’ Democratic Party (EPDP) led by the party’s Chairman Mr. Menghesteab Asmerom, visited the headquarters of the Labour Party in Oslo on 12 Oct 2015. The International Secretary of the Labour Party, Mr.Odd-Inge Kvalheim and his assistant welcomed the delegation in its visit.
The other members of the delegation were Mr. Medhanie Habtezghi, head of the EPDP Youth Office, Mr. Dawit Araya, chairman of EPDP Norway branch and Mr Osman Jaber, member of the EPDP Foreign Office.
In the opening of the meeting, Mr. Menghesteab stated his condolence for the massacre of about 70 innocent youngsters in Utøya, and he recalled all the positive role and tremendous contribution of the Norwegian Community to Eritreans during their struggle for independence. Extending his speech Mr Menghesteab gave a vast and detailed information about the current human rights and political situation in Eritrean. In his narration, he said that after 30 years of bloody war with Ethiopia the Eritrean people succeeded in achieving their long cherished goal of independence; but the people of Eritrea have not yet been liberated from oppression. Eritreans could not exercise even their fundamental human rights because of the repressive nature of the regime in power and its extreme dictatorship. In addition, the open ended national service and shortage of basic necessities like food, water, shelter, health and education services has led to despair and made life unbearable.