Pages

Sunday, August 14, 2016

ብህይወቱ ቅሳነት ንዝኸልኡዎ ኤርትራዊ ክሳብ መቓብሩ

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ኤርትራ መቓብር ናይ ዝዓረፉ ቤትሰብ ምንዳቕ ኣጊዱ ከምዘሎ ምንጭታት ካብ ኤርትራ ሓቢሮም።

ብመሰረት እቲ ሓበሬታ በቲ ወጺኡ ዘሎ ምልካዊ መምርሒ መሰረት፣ መቓብር ስድርኡ ከንድቕ ዝተረኽበ 6 ወርሒ ማእሰርትን 25 ሽሕ ናቕፋ መቕጻዕትን ከም ዝብየነሉ ተፈሊጡ ‘ሎ። እቶም ነዚ ትእዛዝ’ዚ ዘተግብሩ ዘለዉ ኣመሓደርቲ ዓድታት በቶም መቓብር ካብ ምስራሕ ዝኽልከሉ
ብመሰረት እቲ ሓበሬታ በቲ ወጺኡ ዘሎ ምልካዊ መምርሒ መሰረት፣ መቓብር ስድርኡ ከንድቕ ዝተረኽበ 6 ወርሒ ማእሰርትን 25 ሽሕ ናቕፋ መቕጻዕትን ከም ዝብየነሉ ተፈሊጡ ‘ሎ።


Monday, July 25, 2016

ጨንፈር ሰዲህኤ ፍራንክፎርትን ከባቢኡን ኣኼባ ኣካይዱ፡

ብዕለት 24.07.2016 ጨንፈር ፍራንክፎርትን ከባቢኣን ሰዲህኤ ካብ ሰዓት 14፡00 ክሳብ ሰዓት 16፡30 ስሩዕ ወርሓዊ ኣኼባኡ ኣካይዱ። ኣኼባ ብኣቦ-መንበር ጨንፈር ሓው ታደሰ ኣስመላሽ ሰላምታን ሰናይ ምንዮትን እዩ ተኸፊቱ።
ብድሕሪ‘ዚ ኣኼበኛ ኣብቶም ዝነበሩ ኣጀንዳታት ብምእታው ሓደ ብሓደ ተዘራሪቡሎም። ብቐዳምነት ውሽጣዊ ስርዒታዊ ጉዳያት ናይ ጨንፈር ኣብ ምጽፋፍ ብዝሕግዝ ሓጺር መግለጺ ሽማግለ ኣቕሪቡ። ንኣሰራርሓ ጨንፈር ብጽፍፉፍ ኣገባብ ንቕድሚት ከሰጉሙዎ ዝኽእሉ፡ ብሽማግለ ይኹን ብኣባላት ነቐፌታን ርእሰ-ነቐፌታን ቀሪቦም። ድሕርዚ ኣኼበኛ ከም ቀዳማይ ኣጀንዳኡ ጉዳይ ጉባአ ጨንፈር ኣልዒሉ ተዘራሪቡ። ጉባአ ጨንፈር ንዕለት 21.08.2016  ክግበርን ንምዕዋቱ ዘድሊ ጻዕርታት ክግበር ድማ ተሰማሚዑ።
ካብዚ ብምቕጻል ኣባላት ጨንፈር ኣብዝሓለፈ ክልተ ኣዋርሕ ከይሰልከዩ ዘካይዶዱዎ ዝነበሩ ንጥፈታት፤ ኣባላት ጨንፈር ኣብ ዝሓለፉ ሰላማዊ ሰልፍታት ጊሰንን ጀነቫን ዘርኣይዎ ንጡፍ ተሳትፎታትን፥ ምስቶም ካብ ሰልፍና ወጻኢ ዝኾኑ ደለይቲ ፍትሒ ኮይኖም ናይ ሓባር በዓል ነጻነት ንምብዓል ዘርኣይዎ ተሳትፎን እውን ኣኼባና ኣሞጒሱ። ብድሕሪ‘ዚ ኣኼበኛ ኣብቲ ኣብዚ እዋን‘ዚ ዝዓበየ ምድላዋት ዝግበረሉ ዘሎ ዓመታዊ ፈስቲቫል 2016 ፍራንክፎርት ዘትዩ። ብቐዳምነት ሓው ንጉሰ ጸጋይ ኣባል መሪሕነት ሰልፍን ኣቦ መንበር ኣሰናዳኢት ሽማግለ ፈስቲቫልን፡ ንፈስቲቫል ብከመይ ከነዐውቶ ከም ዝግበኣና ሰፊሕ መግለጺ ኣቕሪቡ።

Thursday, June 9, 2016

FN-rapport: Eritreas ledere bør stilles for retten

Opp til 400.000 mennesker har blitt holdt som slaver i Eritrea de siste 25 årene. Det melder FN, som mener regimet har gjort seg skyldig i systematiske forbrytelser mot menneskeheten.Den nye rapporten fra FN kommer er en knusende dom over aktiviteten til regimet i Eritrea siden 1991.
Rapporten tar til orde for at landets ledere må stilles rettslig til ansvar i en internasjonal domstol.

Monday, May 30, 2016

ስርዓት ኣስመራ ኣብ ኮንፈረንስ ጀነቫ ተኾኒኑ።

ኣባል ፓርላም ስዊዘርላንድ፡ ኣብቲ ኩነታት ኤርትራ ዝተገምገመሉ ንክልተ መዓልታት ኣብ ጀነቫ ዝተኻየደ ኮንፈረንስ፡ ኣብ ኤርትራ  ዝተፈላለየ ገበናት ይፍጽሙ ንዘለዉ ኣካላት ብትሪ ኮኒኖም። እቶም ኣባል ፓርላማ ኣብ ኤውሮጳ ዘለዉ ገስገስቲ ምስቶም ኣብ ከም ኤርትራ፡ ዝንባቡዌን ኣብ ካለኦት ከባብታትን  ምስ ዘለዉ ዲክታቶራት ክደጋገፉ ምጽነሖም ተቓዊሞም።
ኣብ መኽፈቲ እዚ ናይ 19 ጉንበት 2016 ሰሚናር ክቡር፡ ማኑአል ቶርናረ፡ ናይ ቅድም ከንቲባ ጀነቫን ኣባል ሃገራዊ ባይቶን ኮሚተ ወጻኢ ጉዳያትን፡ ኣብዚ እዋንዚ 30% ካብ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ጨንቂ ይነብር ብምህላዉ ዝተሰመዖም መሪር ሓዘን ገሊጾም። ኣተሓሒዞም ድማ ኣብ ኤርትራ ዝፍጸም ዘሎ ገበን በቲ ብሕቡራት ሃገራት ብዝቖመ ኮሚተ ብዝቐረበ 483 ገጻት ዘለዎ ጸብጻብ ምቅልዑ ከም ዘሕጐሶም ጠቒሶም፡ ድሕሪ እዚ ተሓታቲ ናይቲ ገበን ክንጸር ትስፉው ምዃኖም ሓቢሮም። ንሶም ኣተሓሒዞም ኣብ ቅርኒ ኣፍሪቃ ብዛዕባ ሰብኣዊ መሰል ኣብ ጀነቫ ዝተዘርበ ቅድሚ 80 ዓመታት፡ ንጉስ ሃይለስላሴ ኣንጻር ናይ ሽዑ ፋሺሽታዊ ግፍዒ ናብ ሕቡራት ሃገራት ጥርዓን ኣብ ዘቕረብሉ እዩ ነይሩ ኢሎም።

Thursday, May 19, 2016

ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ኦስሎ ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።



Norway_demoህዝቢ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ህግደፍ ን25 ዓመታት እዚ ዘይበሃል በድላትን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ወሪዱዎ ኣብ ዝሳቐየሉ ዘሎ ህሞት፡ ህግደፍን መሓውራቶም ዝኾና ማሕበራትን ኣብ ኦስሎ፡ ሃገረ-ኖርወይ፡ ብሩራዊ ኢዮቤል ናጽነት ኤርትራ ብዝብል ኣርእስቲ ዳንኬራን ሳዕስዒትን ንምግባርን ብስዉር ንነዊሕ ጊዜ ተዳልዮም ሸበድበድ ክብሉ ቀንዮም።
ከተማ ኦስሎ፡ ከም ካልኦት ከተማታት ኤውሮጳ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን ይቕመጥዋ። ኣብዛ ኸተማ’ዚኣ ካብ ግዜ ናጽነት ጀሚሩ ብቑጽሮም ይኹን ብህግደፋውነቶም ዝተኣማመኑ ብርክት ዝበሉ ኣባላት ህግደፍ ስለ ዝጸንሑ፡ ኣፍልቦም ገቲሮም ደስ ኣብ ዝበሎም ኣዳራሻት በዓላትን ሰሚናራትን የካይዱ ኔሮም ኢዮም። ካብ 2012 ንነጀው ግን ቁጽሪ ደለይቲ ፍትሒ እናሰሰነ ሓይሊ-ሚዛን’ውን እናተቐየረ ስለ ዝመጽአ፡ ኣባላት ህግደፍ እዚ ዘይበሃል ርእሰ ምትእምማን ኣጥፊኦም፡ ኩሉ ዝገብርዎ ንጥፈታት ብስቱር ጥራይ ኮይኑ።

Tuesday, May 3, 2016

ናጽነትና ትኳቦ ዘይኮነስ፡ ውጽኢት መሪር ቃልሲ’ዩ

ህዝቢ ኤርትራ ናጽነቱ ብዘይካ ብቓልሱ ብኻልእ መንገዲ ከም ዘይረጋገጽ ምስ ዓገበ፡ ቃልሲ ከካይድ ወሲኑ። ነዚ ቃልሱ ንምዕዋት መሳርሒ ዝኾኖ ውዳበ ክህልዎ ድማ ናይ ግድን ነይሩ። ውዳበ ናይ ሓባር ረብሓን ዕላማን ዘለዎም ኣካላት ብናይ ሓባር ጻዕሪ ንከዕውትዎ ዝጥቀምሉ ሓባራዊ ኣገባብ እዩ። እዚ ናይ ሓባር ናይ ቃልሲ መሳርሒ ውደባ ብሃታሃታ ጠፋጢፍካ ዝስራሕ ዘይኮነስ ናይ ገዛእ ርእሱ ቀጥዕን ኣገባብን ሒዙ ብመስርሕ ዝሓልፍ እዩ። ናይዚ ዝምስረተሉ ቀጥዒ ጽፈትን ድልዳለን ከኣ ኣብ ትሕዝቶ ናይቲ ብኣኡ ኣቢልካ ዝብጻሕ ዓወት ናይ ገዛእ ርእሱ ጽልዋ ኣለዎ።
ኤርትራውያን ተቓሊሶም ናጽነት ዘውሓሱለን ውድባት ኤርትራ፡ ኣብ ሕድሕደን ዝነበረ ፍልልይ፡ ምስሕሓብን ብሰንኪ እዚ ምስሕሓብ ዝፈሰሰ ደምን ዝባኸነ ንብረትን ግዜን ንታሪኽ ገዲፍካ፡ ናጽነት ኣብ ምምጻእ ነናተን ግደ ከም ዝነበረን ፍሉጥ እዩ። ብዓብይኡ ከኣ ናይዘን ውድባት ኩለመዳያዊ መሰረትን መንቀልን ህዝቢ ኤርትራ ስለ ዝነበረ ቀዳማይ ዋና ናይቲ ናጽነት ንሱ እቲ ህዝቢ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ቀንዲ ዋና ናጽነት ዝኾነሉ ምኽንያት ደቁ መሪቑ ኣብ ቃልሲ ስለ ዘሰለፈ ጥራይ ኣይኮነን። ባዕሉ እውን፡ ኣብቲ መስርሕ ሃናጺ ሓሳባት ብምሃብ፡ ብዛዕባ ጸላኢ መሰረታዊ ሓበሬታታት ብምቕራብ፡