Pages

Saturday, January 28, 2017

ንሓድሽ ዓመት፤ ብሓድሽ መንፈስ ናይ ቃልሲ

ኣብ ፍራንክፎርትን ከባቢኣን ዝርከብ ጨንፈር ሰዲህኤ ንሓድሽ ዓመት ብሓዱሽ ናይ ቃልሲ መንፈስን ናህርን ንምግጣም ብዕለት 22.01.2017 ስሩዕ ወርሓዊ ኣኼባኡ ጀሚሩ። ኣኼባ ሰዓት 13፡00 ዝጀመረ ምምሕዳራዊ ጉዳያት ድሕሪ ምፍጻሙ፣ ኣቦ-መንበር ጨንፈር ብጻይ ታደሰ ኣስመላሽ  ንዝኽሪ ናይቶም ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ዕለት 14.01.2017  ኣብ ባሕሪ ዝጠሓሉ ስደተኛታት ንገለ ደቓይቕ ደውታ ክፍጸም ምሕባሩ እዩ ተኸፊቱ።
ቀጺሉ፡  ሽማግለ ጨንፈር፡ እዚ ኣኼባ‘ዚ ዓመተ 2016 ተወዲኡ ናይ ዓመተ 2017 ናይ መጀመርያ ኣኼባ ብምዃኑ፡ ተኣትዩ ዘሎ ዓመት፡ ዓመተ ራህዋን ዓወትን ክንቅይሮ ኣበርቲዕና ክንቃለስ ከም ዘሎና ድሕሪ ምግላጽ፥ ኣብ ዓመተ 2016 ብህግደፍ እናከፍአ ክኸይድ ዝጸንሐ ፍጻሜታትን፡ ብኣንጻሩ ድማ ብደንበ ተቓውሞ  ይኹን ብህዝብና ብጠቕላላ ዝተፈጸሙ  ጸረ ስርዓት ህግደፍ  ዝኾኑ ናይ ተቓውሞ ንጥፈታትን ስፍሕ ዝበለ መግለጺ ተዋሂቡ።
ስዒቡ፣  ኣብቲ ቀንዲ ንኣተሃላልዋ መንእሰያት ዝምልከት መዛረቢ ዛዕባን  ኣብዚ ኣቲናዮ ዘለና ሓድሽ ዓመት 2017 ክቃለሱሉ ዘለዎም ጉዳያትን ብምእታው፤ ሰፊሕ ምይይጥ ተኻይዱ።

Sunday, January 8, 2017

ስርቂ ላዕለዎት ሓለፍቲ ህግደፍ መመሊሱ ይስዕርር!

ቅድሚ ሓደ ወርሒ ኣቢሉ ናይ ጀነራል ፍሊጶስ ወልደየውሃንስ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊ ኤርትራ ቀንዲ ተሓባባሪት ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ከም ዝተታሕዘት ግዱሳት ምንጭታት ካብ ኣስመራ ሓቢሮም። እታ ናይ ስርቂ ተሓባባሪቱ ጥራይ ዘይኮነት ውሽማኡ ተባሂላ’ውን እትሕመ እቶም ምንጭታት ስማ ክጠቕሱ ዘይደለዩ ወይዘሮ ዝተታሕዘት ኣስታት 45 ኪሎ ወርቅን 500 ሺሕ ሓድሽ ናቕፋን ናይቲ ጀነራል ሒዛ ናብ ዱባይ ክትገሽ እንከላ እያ።
እቶም ምንጭታት ከም ዝብልዎ እዛ ሰበይቲ ቅድሚ ሕጂ እውን ኣብዚ ተግባርዚ ተዋፊራ ናይቲ ጀነል ተቓባሊት ሌባ ምንባራ ትሕመ እያ። ብፍላይ ኣብቲ ዝተታሕዘትሉ ዕለት ነቲ መንገዲ ስርቂ ንምጥጣሕን ናይ መፈተሺ ኤለክትሮኒካዊ መፈተሺ ከም ዘይሰርሕ ንምግባርን ብትእዛዝ ጀነራል ፍሊጶስ ሓይሊ ኤለክትሪክ ናይቲ መዓርፎ ነፈርቲ ኣቋሪጹ ነይሩ። እንተኾነ ኣብቲ ስራሕ ተመዲቦም ዝነበሩ፡ በቲ ሓደ ወገን ብዛዕባ እታ ሰበይቲ ሓበሬታ ዝነበሮም፡ በቲ ካልእ ድማ ምስ ምቁራጽ ሓይሊ ኤለክትሪን ጥርጠራ ስለ ዝሓደሮም፡  ብዝገበርዎ ጐርጓር እቲ ወርቅን ናቕፋን ተረኺቡ።
ድሕሪኡ እቶም ዝሓዝዋ ኣባላት ሃገራዊ ድሕነት ናብ ዝምልከቶ ጸብጻብ ምስ ገበሩ’ሞ ጀነራል ፍሊጶስ ሰሚዑ ኣብቲ ንሱ ብመንገዲ ወዲ ከበደ ዝበሃል ኣዛዚ ኣቢሉ ዝቆጻጸሮ ቤት ማእሰርቲ ዓዲ ኣብዮቱ ክትእሰር ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ ነይሩ። ከምዚ ዝገበረሉ ምኽንያት ድማ እቲ ጉዳይ ከይተወዓውዐ ንዓኣ ፈቲሒ ንምድፋኑ ንክጥዕሞ እዩ።
እንተኾነ ነቲ ጉዳይ ዝሓዝዎ ኣባላት ሃገራዊ ድሕነት እቲ ጉዳይ ናብቲ ንሕና እነመሓድሮ ቤት ማእሰርቲ እምበር ናብቲ እቲ ጀነራል ከም ድላዩ ዝገብረሉ ቤት ማእሰርቲ ዓዲ ኣብየቶ ኣይንሰድድን ስለ ዝበሉ ምስሕሓብ ተፈጢሩ፡ ናብ ዲክታቶር ኢሳይያስ ስለ ዝበጸሐ እታ ጥርጥርቲ ናብ ዓዲ ኣብየቶ ዘይኮነስ ናብቲ ኣብ ከተም ኣስመራ ኣብ ስዉር ቦታ ዝርከብ ክፍሊ ምርመራ ሃገራዊ ድሕነት ከም ዝተላእከት ክፍለጥ ተካኢሉ። እዚ ኣጋታሚ ነቲ ክብ ለጠቕ ክብል ዝጸንሐ ዝምድና ኢሳይያስን ፍሊጶስ ኣብ ሓደ ከውድቖ እዩ ዝብሉ ብዙሓት እዮም።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ኣብዚ ዋላ እቶም ዓበይቲ ትካላት ዘንቀሳቕሱ ዝበሃሉ ኣካላት፡ ካብ 20 ሺሕ ናቕፋ ንላዕሊ ብጥረ ገንዘብ ኣብ ዘየንቀሳቕስሉ ግዜ ፍርቂ ሚልዮን ናቕፋ ናብ ደገ ክወጽእ ምሓዙ ነብሱ ዝኸኣለ መዛረቢ ኮይኑ ኣሎ። ብዙሓት ከም ዝግምትዎ እዚ ሓድሽ ናቕፋ ኣብ ደገ ናብ ዶላር ክቕየር ተሓሲቡ ዝነበረ እዩ ዝብል ናይ ብዙሓት ግምት እዩ።
ጀነራል ፍሊጶስ ቅድሚ ሕጂ’ውን ኣብ ወርቅን ካልእ ዘይሕጋዊ ንግድን ብክቱር ከም ዝዋሳእ ክግለጽ ጸኒሑ እዩ።

Wednesday, December 28, 2016

ግብሪ እንስሳ ዘቤት፡ ካልእ ሜላ ምዝመዛ

መንግስቲ ህግደፍ ነቲ ኣብ ዝሓለፉ ስርዓታ ዝነበረ፡ ናይ ኣከፋፍላ ግብሪ ብዝኸፈአ መልክዑ ብምቕራብ  ናይ መሬትን እንስሳ ዘቤትን ስርዓተ-ግብሪ ሓንጺጹ ሓድሽ መመዝመዚ ሜላ ፈጢሩ ይሰርሕ ከም ዘሎ ምንጭታት ካብ ኣስመራ ገሊጾም። ነዚ ሓድሽ ግብሪ እንስሳ ዘቤትን መሬትን ክሳብ ታሕቲ ወሪዶም ብምምዝጋብ ዘተግብሩ፡ ኣካላት እቲ ህዝባዊ ምምሕዳር ብዝብል መጸባበቒ ስም ህግደፍ ዝጥቀመሎም ኣካላት እዮም።
በቲ ክሳብ ሕጂ ተረኺቡ ዘሎ ኣሃዛዊ ሓበሬታ መሰረት፡ ዓቐን እቲ ንእንስሳ ዝኽፈል ግብሪ፡ ብነፍሲ ወከፍ ንኣድጊ 50፡ ንከብቲ 100፡ ንገመል 100፡ ንጤለበጊዕ ከኣ 10 ናቕፋ ኣብ ዓመት እዩ። ብኣተሓሕዛ ህግደፍ እዚ ተተሚኑ ዘሎ ግብሪ ንእንስሳ ዝኾነ ምሕረትን ሕድገት ዘይግበረሉ ኮይኑ ዘይምትግባሩ ድማ ከቢድ መቕጻዕቲ ዘኸትል እዩ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ ዕድሚኦም 70 ዓመትን ካብኡ ንላዕልን ንዝኾኑ ኤርትራውያን መሬት ከይወሃብ እቲ ስርዓት ከልኪሉ ኣሎ። እቲ ስርዓት ነዚ ዝህቦ ምኽንያት „ከልምዕዎ ኣይክእሉን እዮም“ ዝብል ሸፈጥ ኮይኑ፡ „እሞኸ በኸመይ ደኣ ይናበ“ ንዝብል ግና መልሲ የብሉን። ብሰንኺ እዚ ዕዉር ውሳነ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኤርትራ፡ ጽልእን ተቓውሞን ኣብ ልዕሊ እቲ ስርዓት ይዓርገ ከም ዘሎ እዞም ምንጭታት ኣተሓሒዞም ገሊጾም
ካብዚ ሓሊፉ፡ እቲ ስርዓት ብኹሉ ክፋላት ሕብረተሰብ ጽልኢ ኣብ ልዕሊኡ እንዳዛየደ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ ግዜ፡ ናይቶም ባዕሉ ፈቓድ ሂቡ ዘዋፈሮም ነጋዶ ንብረት ብህዶ ይዘምት ከም ዘሎ ካልኦት ምንጭታት ሓቢሮም። እቲ ሓበሬታ ከም ዝገልጾ ኤርትራውያን ነጋዶ ፈቓድ ወሲዶም ብናይ ወጻኢ ሸርፊ ገዚኦም ብኮንተይነራት ኣብ ወደባት ኤርትራ ምስ ኣብጽሕዎ ነቲ ንብረት ይራስዮ ኣሎ። እቶም ሓበርቲ‘ኳ ንዕኡ ዝምልከት ዘቕረብዎ ዝርዝር እንተዘየለ እቲ ጉጅለ ንራስያ ዝሕግዞ ዕባራ ምኽንያት ከም ዘቕርብ ፍሉጥ እዩ

Wednesday, December 7, 2016

መለኽቲ ዓገቲ ናይ ሓባር ረብሓ’ዮም

ብዙሕ ግዜ ብዛዕባ እንታይነት እዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓትን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝውርዶ ዘሎ ግፍዕን ጭቆናን ተጻሒፉን ተዘሪቡን እዩ። እቲ ዝጸሓፍ ይኹን ዝዝረብ ንስለ ምጽሓፍን ምዝራብን ዘይኮነስ፥ ነቲ ንሱ ሒዝዎ ዘሎ ቄናን መንገዲ ተረዲእና ብድሕሪኡ እውን ከምኡ ዝመሰል ከይመጸና ተመኩሮ ንምቕሳም እዩ።
ብዛዕባ ውልቀ መለኽቲ ክትረኽ እንከሎ ኩሉ ግዜ ነቶም ኣብ ስልጣን ዘለዉ ውሱናት ጥራይ ዝምልከት  ጌርና ንወስዶ ኣይንሰኣንን ንኸውን። ካብዚ ንምድሓን እዩ ከኣ እቲ ፖለቲካዊ ጠቀስ መለኽቲ ዝጸሓፍን ዝዝረብን። መለኽቲ ነቲ ብፍላጥ ዘዘውትርዎ እኩይ ተግባራትን  ንህዝቢ ጅሆ ዝሕዝሉ ስልትን ዝምህዝዎ ተንኮላት፥ ንዓና ናብ ዝሓሸ ንምቕያሩ  ክንቃለስ ዘዳልወና ኣዩ።
መለኽቲ ስርዓታት ኣብ ስልጣን ዘለዉ ይኹን ናይ ምልኪ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ጌና ኣብ ስልጣን ዘይበጽሑ ኩሎም፥ ኣገባቦም ሓደ ዓይነት እዩ። እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ መላኺ ስርዓት ኣብያተ ማእሰርቲ ከብዝሕ፥ ህዝቢ ኣብ ነንሓድሕዱ ከይረዳዳእ ብኸብዱ ሒዙ ኣመት ድራሩ ጥራሕ ከም ዝሓስብ ምግባር፥ ኮታ ኩሉ ፖለቲካዊ መሰል ህዝቢ ገፊፉ ክረግጽን ከርዕድን ጥራሕ እምበር፡ ራህዋን ቅሳነትን ከስፍን ማለት ዘበት እዩ። መለኽቲ ስርዓታት ነቲ ህዝቢ ዘረስርስ ዝመስል ግዝያዊ ጠለባት ከማልእ ወይ እውን ተስፋታት እናሃበ ስልጣኑ ዘናውሓሉን፥ ኣንጻሩ ንዝብገስ ይኹን ንዝሓስብ ከኣ ኣብ ደልሃመት እናኣተወ እዩ ኣፉ ዓቢሱ ስቕ ከብል ዝጽዕር።

Tuesday, November 22, 2016

ሰራዊት ኤርትራ ብብዝሒ ናብ ኢትዮጵያ ኢዱ ሂቡ

ሰራዊት ኤርትራ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ብደረጃ ቦጠለንታት ናብ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኢዱ ከም ዝሃበ፡ ነዚ ጉዳይዚ ዝተኸታተሉ ኣካላት ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ሓቢሮም። በቲ ሓበሬታ መሰረት እቲ ናብ ኢትዮጵያ ኢዱ ዝሃበ ሰራዊ ገሊኡ ብወገን ጋሽ ክኸውን እንከሎ እቲ ዝተረፈ ድማ ብወገን ዓሰብ እዩ።
ኣባላት ሰራዊ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ክኣትዉ ልሙድ’ኳ እንተኾነ እዚ ብደረጃ ቦጠለንታት ኢዶም ዝሃብሉ ቀንዲ ምኽንያት፡ መንግስቲ ህግደፍ “መነባብሮ ሰራዊ ምምሕያሽ” ብዝብል ሸፈጥ ዘተኣታተዎ ናይ ደሞዝ መተዓሻሸዊ ምዃኑ ስለ ዝተረድኡ እዮም። እቲ ሰራዊት ናይቲ ወሰኽ ደሞዝ ትርጉም ኣልቦነት ዝተረደአ፡ ካብቲ 1800 ናቕፋ ደሞዝ ሓደ ኣባል ሰራዊት፡ 150 ንጡረታ፡ 150 ንመስርሒ ገዛ፡ 150 ንደቂ ስዉኣት፡ 150 ንልምዓት ሃገር፡ ዝብሉን ካልእ ጉልባባትን ተጠቒሙ ናብ ካዝንኡ ምስ መለሰ ካብቲ ዝተረፈ፡ ብኢደ-ወነኑ 600 ናቕፋ ንቤተሰብ ወሲዱ ኣብ ኢድ ሓደ ኣባል ሰራዊት 300 ናቕፋ ጥራይ ክወሃብ ምስ ወሰነ እዮም። እቶም ነዚ ኣገባብ ዘይተቐበልዎ ኣባላት ሰራዊት ነቲ ኩነታት “ዝተሰርሐ ገዛውቲ ከፍርስ ዝውዕል መንግስቲ ገዛ ሰሪሑ ክህበና ዘይእመን እዩ” ብዝብል ከም ዝገለጽዎ’ውን እቲ ዝበጸሓና ሓበሬታ የረጋግጽ።
ብዘይካዚ እዚ ንረብሓኦም ስለ ዘይኮነ ኣባላት ሰራዊ ዘይተቐበልዎ ስርዓተ-ደሞዝ ዝወሃብ ነቶም ኣብዘን ዝሓለፋ 3 ዓመታት ብዘይምቁራጽ ኣብቲ ሰራዊ ዝጸንሑ ጥራይ ዝምልከት እዩ። በዚ መምዘኒ መሰረት ብህድማን ብዝተፈላለየ ካልእ ምኽንያትን ወጺኦም ጸኒሑም ናብቲ ሰራዊ ተመሊሶም ንዘለዉ ስለ ዘይምልከት፡ እዞም እዚ መሰል ዝተነፍጎም ብብዝሒ ብቐጻሊ ካብቲ መንግስቲ ክሃድሙ  ግምት ኣሎ።
ሓደ ካብ ነባራትን የማናይ ኢድ ህግደፍን ምዃኑ ዝንገረሉ ሜጀር ጀነራል ሃይለ ሳሙኤል (ቺና) ነዚ ኣገባብ ኣወሳስና ደሞዝ ስለ ዘይተቐበሎ ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር ከም ዝርከብ እውን ምንጭታትና ገሊጾም::
ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ

Wednesday, November 9, 2016

ጉባኤ ጨንፈር ኖርወይ

ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ጨንፈር ኖርወይ ትማሊ 6 ጥቅምቲ 2016 መበል 5ይ ጉባኤኡ  ኣብ ከተማ ኦስሎ ብዓወት ኣሰላሲሉ። ኣብቲ ንልዕሊ 7 ሰዓታት ዝተኻየደ ጉባኤ፣ ዋና ጸሓፊ ጨንፈር ብጻይ ዳዊት ኣርኣያ ንኹሎም ተጋባእቲ ናይ እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም ቃል ኣሚዑ፣ መደባትን ኣጀንዳታትን ጉባኤውን ብዝርዝር ኣብሪሁ።
ብምቅጻል፣ ናይ ደገፍ ቃሉ ከስምዕ ዝተዓደመ ኣቦ መንበር በርገሳዊ ማሕበር ሕብረት ኤርትራውያን ሓው ወልደኣብ ፍሰሃጼን ኣብቲ ጉባኤ ተረኺቡ ናይ ዮውሃናን፣ ሰናይ ድለትን፣ ሓቢርካ ንምስራሕ ድልውነት ንሱ ዝመርሖ በርገሳዊ ማሕበርን ኣስሚዑ። ሓው ወልደኣብ 5ይ ጉባኤ ጨንፈር ኖርወይ ብሓደ ወገን፣ ኩነታት ህዝብና ኣብ ውሽትን ዋጻእን ሃገር ኣብ ዝገደደ ሓደጋ ተሳጢሑ ኣብ ዝርከበሉ ህሞት፣ ብኻልእ ሸነኽ ድማ ኣብ ከርሲ ደምበ ደለይቲ ፍትሒውን እንተኾነ፣ ንእዋናዊ ቃልሲ ደለይቲ ፍትሒ ከምዘየሎን፣ ከምዘየድምዕን ገሩ ንኽገልጽ፣ ንናይ ናጽነት ብረታዊ ገድሊ ህዝቢ ኤርትራን ጀግንነታዊ ታሪኹን ምስ ሽፍትነትን ገበንን ኣዛሚዱ ብምግላጽ ንዝተኸፍለ ረዚን ናይ ህይወት ዋጋውን እንተኾነ ብኮንቱነት ዝገልጽ፣ ንናጽነትን ልዑላውነትን ሃዝብን ሃገርን  ኤርትራውን ዘይቅበልን ምስ ኢትዮጵያ ሓድነት ኣብ ዝብል ማኣዝን ዝስሕብ ብደረቱ ዝሓስብ ሓይልታት ተቀልቂሉ፣ ንማኣዝን ሃገራዊ ቃልስና ኣንፈት ንምስሓት ህርድግ ኣብዝብለሉ ኩነታት ይከየድ ከምዘሎ ብምሕባር፣ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ ጸኒዑን ሓዪሉን ክሰርሕ መድረኽ ይጠልቦ ኣሎ ክብል ኣተሓሳሲቡ።

Thursday, October 27, 2016

ልኡኽ ሰዲህኤ ኣብ ኮንፈርንስ ሰላምን ፍትሕን ምሕዝነት ገስገስቲ ተሳቲፉ

ልኡኽ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰህኤ) ኣብቲ 17-18 ጥቅምቲ 2016 ኣብ ብሩሰልስ ዝተኻየደ፡ ብሓድሽ ኣጀንዳ ሰላምን ፍትሕን ከምኡ እውን ምምዕባል ርትዓዊ ፖሊሲ ስደተኛታት ኣብዛ ዓለም ዝዘተየ ኮንፈረንስ ተሳቲፉ። እዚ ኮንፈረንስ ኣብ ሕብረት ኤውሮጳ ብዘለዉ ማሕበራውያንን ደሞክራስያውያንን ኣካላት እዩ ተዳልዩ።

ኣብዚ ካብ ኩሉ ኩርነዓት ዓለም 160 ልኡኻት ዝተረኽብሉ ኮንፈረንስ ካብ ሰህኤ ዝተሳተፉ ናይቲ ሓለፍቲ ኣብያተ ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳያትን ገንዘባዊ ጉዳያትን ኣቶ ወልደየሱስ ዓማርን ኣቶ ረዘነ ተስፋጼንን እዮም።

እቶም ዝተሳተፉ 51 ሰልፍታትን 17 ተደጋገፍቲ ኦድባትን ኮንፈረንሶም ኣብ ከተማ ብሩሰልስ ኣብ ዝርከብ ኣደራሻት ሕብረት ኢውሮጳ እዮም ኣካይዶም። መብዛሕትኦም ተሳተፍቲ ኣብ ሃሃገሮም  ንዘለዉ ሓገግቲ ኣካላት ወኪሎም ዝመጹ እዮም። ብዘይካ ካብ ኤርትራ ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ ዓሰርተ ልኡኻት ማለት ካብ፡ ማሕበራዊ ደሞክራሲያዊ ሰልፍታት፡ ካሜሩን፡ ግብጺ፡ ኬንያ፡ ቱኒስያ፡ ዚምባብወን ካሎት ሃገራት ማእከልይ ኣፍሪቃን ተሳቲፎም።