Pages

Saturday, June 16, 2018

መግለጺ 2ይ ኣርባዕተ ወርሓዊ ስሩዕ ኣኼባ ፈጻሚ ሽማግለ ሰዲህኤ

ክቡራትን ክቡራንን
ብምኽንያት መበል 27 ዓመት ዝኽሪ ናጽነት ኤርትራ፡ ፈጻሚ ሽማግለ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ንዅሉ ኣብ ውሽጥን ኣብ ግዳምን ዝርከብ ኤርትራውን ፈተውቲ ሃገርና ኤርትራን ናይ ዮሃና መልእኽቲ የመሓላልፍ። ህዝብና ካብ’ዚ ዘሕልፎ ዘሎ ኣደራዕ ተጋላጊሉ፡ ፍትሕን ግዝኣተ-ሕግን ዝነግሰሉ፡ ዜጋታት ብሰላም ወፊሮም ብሰላም ናብ ገዝኦም ዝምለስሉ፡ ውግእን ወረ ውግእን ዘኽትመሉ ዓመት ክዀነልና ድማ ይምነ። 
ፈጻሚ ሽማግለ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብ17ን 27ን ግንቦት 2018 ዝተኻየደ ካልኣይ ኣርባዕተ ወርሓዊ ምዱብ ኣኼባኡ ብዝኽሪ ስዉእ ተጋዳላይን ኣባል ማእከላይ ባይቶ ነበርን መሓመድ ኣሰሎ ኢዩ ከፊትዎ። ኣብ’ዚ ካብ ወርሓት ጥሪ ክሳብ ሚያዝያ 2018 ዘጠቓለለ ኣኼባ ዝቐረቡ ዛዕባታት ድማ፡ ጸብጻባት 9 ኣብያተ-ጽሕፈት ፈጻሚ ሽማግለ፡ ፈስቲቫል 2018፡ ንድፊ ትግባረ እማመ ሰዲህኤን ዝብሉ ነበሩ።
ንጥፈታት ሰልፊ፡ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናበረኸ ከምዝመጽእ ዘሎ ኣኼባ ፈጻሚ ሽማግለ መዚኑ። ሰዲህኤ፡ ብመሰረት ናይ እማመ ሓባራዊ ዕዮ ተቓወምቲ ውድባት፡ ምስ ዝተፈላለያ ውድባትን ምስ ህዝብን ዘካይዶ ዘሎ ርክባት ተስፋ ዝህብን ኣበርቲዑ ክደፍኣሉ ዘለዎ ዕማምን ምዃኑ ርእዩ። ነቲ እማመ ናብ ግብሪ ንምውዓል ዝሕግዝ ንድፊ ትግባረ እውን ተሊሙ ኣሎ።
ኣብ እስራኤልን ዓባይ ብሪጣንያን ብኣባላት መሪሕነት ዝተኻየደ ዑደት ዝንኣድ ውጽኢት ከምዝነበሮ ገምጊሙ። ከምኡ’ውን፡ ብቤት ጽሕፈት ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣብ’ዚ ርብዒ ዓመት ኣብ ሆላንድ፡ ከተማ ሀግ፡ ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፍን ኣኼባታትን፤ ብእጋጣሚ 8 መጋቢት ኣብ ካናዳን ሽወደንን ዝተኻየዱ ህዝባዊ ኣኼባታት፡ ብምኽንያት መበል 27 ግንቦት መዓልቲ ናጽነት ብምኽትል ኣደመንበር ቤት ጽሕፈት ደቂ ኣንስትዮ እተገብረ ቃለ-መሓትት...ወዘተ ንጥፈታት ቤት ጽሕፈት ደቂ ኣንስትዮ እናበረኸ ይመጽእ ምህላዉ ዝሕብሩ ምልክታት ምዃኖም ኣኼባ ፈጻሚ ሽማግለ ኣስሚርሉ።

Wednesday, May 30, 2018

ጽባሕ ካብ ዘጣዕስን ዘሕትትን ምዕቃብ

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ
ሎሚ ብሓፈሻ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ ከኣ ኣብ ልዕሊቲ ብሰንኪ ህግደፍ ናይ ስደት ግደይ ኮይኑ ዘሎ መንእሰይ ወለዶ ዝወርድ ዘሎ ብድምሩ ዘስካሕክሕ ኢልናዮ ክንሓልፍ እንተዘይ ኮይና ዘርዚርና እንውደኦ ኣይኮነን። ህግደፍ ኣብ ልዕሊቲ ኣብ ሓደ እዋን እምነት ዘንበረሉ ህዝቢ ኤርትራ ናብ ምጽናት ዘምርሕ በደል ዝፍጽም ዘሎ፡ ብሃንደበት ዘይኮነ ብኸመይ ንህዝቢ ኤርትራ ድከቱ ከም ዘስትዮ ሓሲቡን ወጢኑን እዩ። ስለዚ ካብ ከምዚ ኮነ ኢሉ ዓሊሙ ሕገመንግስቲ ነፊጉ ዝውጽዕ ኣካል ራህዋ ኣይትጽበን። “ስለምንታይ እዩ ህግዲፍ ከምኡ ዝገብር ዘሎ?” ዝብል ሕቶ ብብዙሓት ወገናት ዝቐርብ እዩ። እቲ መልሲ’ውን ከምቲ መልክዕ ናይቲ ሕቶ ብዙሕ እዩ። ተደሚሩ ግና ሕልሙ ኣብ ስልጣን ምቕጻል ኮይኑ ፡እቲ ነዚ ንምዕቃብn ንምብጻሕn ዝመርጾ መንገዲ ከኣ ንህዝቢ ኩሉ መሰላቱ ገፊፍካን ኣበርክቶኡ ጨዊኻን ብምድሃል ስለ ዝኾነ እዩ ከምኡ ዝገብር ዘሎ ኢልካ ምጥቕላል ብመጠኑ’ውን እንተኾነ ነቲ ሕቶ መልሲ እዩ።
ናይቲ ወጽዓ መሪሕ ሃንዳሲ ህግደፍ ኮይኑ፡ ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ካብቲ ናቱ ወጽዓ ዘይፍለ በደል ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጽሙ ኤርትራዊ ወገናት’ውን ኣለዉ። ናይ ህግደፍ ናይ ወጽዓ ቅኒት ምእንቲ ስልጣንን ምስኡ ተጐዝጒዙ ዝኸይድ ኩለመዳያዊ ረብሓን እዩ። ናይቶም ብተግባር ካብ ናቱ ኣካይዳ ብዘይፍለ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ በደል ዝፍጽሙ ወገናት ተግባር ተመሳሳሊ ኮይኑ፡ ቅኒቶም ከኣ ግዝያዊ ነገራዊ ረብሓ ምኽዕባት እዩ። እቶም ዋላ ረብሓ እንተዘይረኸቡ ንተግባራት ህግደፍን ደቂ መዛምርቱን ዝድግፉን ዘመጉሱን እውን ብሕልናን ኣተሓሳስባንሲ ካብ ህግደፍ ፈሊኻ ዝረኣዩ ገበነኛታት ኣይኮኑን። እዚ ኣብ ብዙሕ መዳይን ክፍሊ ሕረተሰብ ኤርትራን ዘጋጥም ዘሎ ኮይኑ ኣብዚ እዋንዚ ብፍላይ ኣብቶም ግዳይ ስደት ኮይኖም ዘለዉ ጐሊሑ ዝረአ ዘሎ እዩ።

Wednesday, May 16, 2018

ብተንኮላት ህግደፍ ዘይምህማል

ስርዓት ህግደፍ ቅድሚ ኩሉ ዝሰርዖ ንኹሉ ዝሓለፈ ኤርትራዊ ኣበርክቶታት ጐዓጺጽካ ኣብ ስልጣን ምቕጻል ምዃኑ ብሩህ እዩ። ነዚ ጠላም ሕልሙ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ብዙሕ ዘይቅዱስ ተንኮላት ከም ዝምህዝ ከኣ ኣብ ቅድሚ ኤርትራውያን ደለይቲ ራህዋን ምኽባር ኩሉ መሰላትን ብሩህ እዩ። ብሕገመንግስቲ ዘይምምራሕ፡ ኩሉ መሰላት ምዕፋን፡ ብዘይብቑዕ ምኽንያት ምእሳርን ኣሲርካ ናብ ፍትሒ ዘይምቕራብን፡ መንእሰይ ሃጽ ኢሉ ንክስደድ ዘገድድ ዘይርጉእ ኩነታት ምፍጣር፡ ብዘይዕጉስ ኣገባብ ምስ ናይ ርሑቕን ቀረባን መንግስታት ምትንዃል ኩሎም ኣብ ስልጣን ንቕጻል ከግልገለሎ ዝመሃዞ ተንኮላት እዮም።
ስርዓት ህግደፍ እዚ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ተንኮላት ስለ ዘይኣኸሎ  ከም ቀንዲ ዋሕስ ኣብ ስልጣን መቐጸሊ ከገልግሎ ኢሉ ዝምህዞ ኣብ ሕድሕድ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ኣባላት ሓንቲ ስድራቤት ጀሚሩ ምትእምማን ከምዘይፍጠር ምግባር እዩ። ማለት ዝኾነ ምኽንያት ፈጢርካ ህዝቢ ከም ዝረሓሓቕን መፍቶ “ከፋፊልካ ግዛእ” ከም ዝኸውንን ምግባርን ቀንዲ ገጽ ናይቲ ስርዓት ዝጥቀመሉ ተንኮል እዩ። እቲ መንግስቲ እቲ ኣብ ኤርትራ ብሰንኩ ተፈጢሩ ዘሎ ኩነታት ባዕሉ ዝዛረብ ስለ ዝኾነ ክሓብኦ ዝኽእል ኣይኮነን። እቲ ነዚ ንምሽፋን ዝጥቀሞ ተንኮል ንኤርትራን ምስቲ ካብኣ ዝኸፈአ ኩነታት እንዳወዳደረና ናይ “በዓል ሃገር እገለ ዘይትርእዩ” መዝሙር ምዝማር እዩ። ንበዓል ዒራቕ፡ ሱርያ፡ የመን፡ ደቡብ ሱዳን እንዳዘርዘረ “ዓድና ደኣ ሰላም እንድያ ዘላ” ዝብሉ መዳኸርቲ የዋፍር። ብቋንቋ ህግደፍ ሰላምን ምርግጋእን ተዂሲ ብዘይምስማዕ እዩ ዝግለጽ። ግደ ሓቂ ግና ትርጉም ሰላም ካብኡ ዝዓሞቐን ዝረቐቐን እዩ።

Wednesday, April 25, 2018

ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕ/ሃ ሸይላ ኪታሩዝ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ክከታተላ ኣናዊሑለን

ቤት ጽሕፈት ዜና ሰደህኤ
ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት፡ ብ23 ሰነ 2017 ኣብ መዛዘሚ መበል 35 ኣኼባኡ ወ/ሮ ሸይላ ኪታሩዝ ኩነታት ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ኣብ ኢርትራ ምክትታለን ክቕጽላ ወሲኑ። እቲ ባይቶ ነዚ ዝወሰነ ነቲ ኣካል ሕቡራት ሃገራት ዝኾነ ትካል ብሓያል ተገዳስነት፡ “ሜላዊ፡ ሰፊሕን ጃምላውን ግህሰትን ጥሕሰትን ሰብኣዊ መሰል” ብዝብል ዝኾነኖ  ብመንግስቲ ኤርትራ ዝተፈጸመን ዝፍጸም ዘሎን ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ንምክትታል እዩ።
Sheila Keetharuth1
እዚ ሓድሽ ኩነነ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ጨቋኒ ስርዓት፡ ነቲ ብመንግስቲ ዝፍጸም ዘሎ “ ቀጻሊ ኮነ ኢልካ ምእሳር፡ ምስዋር ከምኡ እውን ሕሱም ህይወት ኣብ ኣብያተ-ማእሰርቲ” ክብል ገሊጽዎ። ኣተሓሒዙ ድማ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ዝፍጽሞ ዘሎ በደል፡ ብውሕዱ ካብቲ ብባይቶ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝቐረበሉ 92 ለበዋታት ዝተወሰነ ከተግብር ሓቲቱ።
ብዘይካዚ እዚ መበል 35 ኣኼባ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት፡ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብመርማሪ ኮሚሽን ሕቡራት ሃገራት ዝተነጸረ፡ ናይ ጥርጡራት መንነትን ብጥንቃቐ ዝቐረበ ተዛማድን ኣብ መጻኢ ተሓታትነት ኣብ ምንጻር ዝሕግዝን ሓበሬታን  ብግቡእ ኣስተብሂልሉ። ምስዚ ከኣ ወ/ሮ ሸይላ ኪታሩዝ ምክትታል ኩነታት ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ኣሕይለን ክቕጽላ ሓቲትወን።
ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ክሳብ ሕጂ ከምዘይሰርሐ ብምጥቃስ፡ ባይቶ ሰብእዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት፡ ተቕላላ ጉባአ ሕቡራት ሃገራት ንጻብጻን ናይ ቃል መብርህን መርማሪ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ፡ ኣድላይ ስጉምቲ ንክወስዳ ናብ ዝምልከተን ኣካላት ሕቡራት ሃገራት ከቕርቦ ሓቲቱ።
ካብዚ ሓሊፉ እቲ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ናብ ምንጻር እቶም ተሓተትን ናብ ፍትሒ ምቕራቦምን ዝዓለመ ምጽራይ ብምክያድ እቲ ብመርማሪ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ዝተነጸረ ኣብ ግብሪ ዝውዕለሉ ስጉምቲ ንክወስድ ዳግማይ ኣተባቢዕዎ።
እዚ ናይ ሎሚ ዘበን ውሳነ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት፡ እታ ሴፍ ሕጂ እውን ኣብ ክሳድ ዲክታቶር ኢሳይያስ ኣፈወርቅን ኣብ ልዕሊ እታ ካብ ኣፍሪቃ ቀንዲ ጨቋኒት ዝተባህለት ጸባብ ጉጅለኡን ከም ዘላ ዘመልክት እዩ።

Saturday, March 24, 2018

ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ ኣብ ከተማ ኦስሎ ዕዉት ዓውደ መጽናዕትን ክፉት ህዝባዊ ኣኼባን ኣካይዱ

ማሕበር ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ ኣብ ዕለታት 3ን4 መጋቢት 2018 ኣብ ከተማ ኦስሎ፣ ኖርወይ ብደረጃ ኤውሮጳ ዝተጋበአ ዕዉት ዓውደ መጽናዕትን፣ ህዝባዊ ኣኼባን፣ ባህላዊ መደብን ኣካይዱ። ካብ ሓያለይ ሃገራት ኤውሮጳ ብውክልና ዝተሳተፉ ኣባላት ናይቲ ማሕበር ምስ ካብ ዝተፈላለየ ኩርነዓት ናይ ኖርወይ ዝመጹ ብጾቶም ኣብ ዕጹው መጋባእያ ብዛዕባ ህይወት ምንቅስቃሶም መጽናዕታዊ ምምይያጣት ድሕሪ ምግባር እዮም ናብ ክፉት ህዝባዊ ኣኼባን ባህላዊ መደባትን ዝሰገሩ።
ኣቦ መንበር ጨንፈር ኖርወይን ከባቢኣን ናይቲ ማሕበር ሓው ስቲፋኖስ ሽፍታ ናይ ሓጺር ናይ እንቋዕ ብደሓን መጻኹምን ናይ ምስጋናን ንተሳተፍቲ ድሕሪ ምሃብ፣ ኣሲዒቡ ኣባል ፈጻሚ ሽማገለ ናይቲ ማሕበር ዝኾነ ኣቶ ዓንደብረሃን ንማሕበሮም ምስ ህዝቢ ንምልላይ ብምዕላም፣ ኣብ ኣመጻጽኣን ኣመዓባብላን ናይቲ ማሕበር፣ ኣብ ዕላማታቱን፣ ራኢኡን ኣመልኪቱ ሰፊሕን ዓሚቊን መግለጺ ሂቡ። ኣብ መደረኡ ማሓበር ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ ኣብ ኩሉ መዳያዊ ኣገባብ ቃልሲ ዝኣምን ምንቅስቃስ ኮይኑ፣ ድሕሪ ምውዳቅ ስርዓት ህግደፍ ድማ ብኣገባብ መረጻ ተመጣጣኒ ውክልና(proportinal representation) ዝቀውምን፣ ብዝሓ ሰልፍታት (multi party) ዘፍቅድን፣ ኣብ ናጻ ዕዳጋ (free market) ዝመሰረቱ ቁጠባዊ ዕብየት ዝኣምንን፣ ማሕበራዊ ፍትሒ ዘረጋግጽን፣ ባይቶኣዊ መንግስቲ (Parliamentary Government) ንምትካል እዩ ክብል ኣብሪሁ።
ኣቶ ዓንደብረሃን ብተወሳኺ ምስቅንቓሶም ምስ ዝኾነ ብቻርተር ዝመሳሰሎ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ማሕበር ክሰምር፣ ምስ ዝኾነ ብመትከል ዘይጻረሮ ድማ ሓቢሩ ክሰርሕ ድልው ምዃኑ ኣበሲሩ። ድሕሪ ናይ ሕቶታትን ሪኢቶታትን መድረኽ ድማ ተሳተፍቲ ኣኼባ ብኣባላት ማሕበር ብዝተቀረበሎምን እክለ ማይ ተዓንጊሎም፣ ኣብ ናይ ወጋሕ ትበል ለይቲ ባህላዊ መደብ ሓዲሮም።

Thursday, March 1, 2018

“ምውርራስ መኽሰባት ተመክሮ” ኣብ ትሕቲ ዝብል መደብ ዞባታት ኤውሮጳን ሰሜን ኣመሪካን ሰዲህኤ ሓባራዊ ኣኼባ ኣካይዶም

ቀዳም  24 ለካቲት  2018፡  ክልቲኡ ዞባታት  ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፣ ዞባ ሰሜን ኣመሪካን ዞባ ኤውሮጳን “ምውርራስ መኽሰባት ተመክሮ  ዞባታት” ኣብ ትሕቲ ዝብል መደብ፡ ሰፊሕ ምይይጥ ዝተኻየደሉ ሓባራዊ ኣኼባ ኣካይዶም።
መደብ ምውርራስ ተመክሮታት፡ ብመሰረቱ፡ ናይ ማእከላይ ባይቶ ውድባዊ ቀዋሚ ሽማግለ ዘበገሶ፡ ኣብያተ ጽሕፈታት ውደባን ደቂኣንስትዮን መንእስያትን፡ድማ  ዝማዕበለኦ መደብ ክኸውን እንከሎ፡ ብጸዋዒት ክፍሊ ሰሰን ሰብኣዊ ምንጪ ኣብ ምምሕዳር ውድባዊ ጉዳያት ቤት ጽሕፈት እዩ ተካይዱ።
ኣብቲ ኣኼባ ዝመርሑ  ሓላፊ ውደባዊ ጉዳያት ቤት ጽሕፈት ሓው ተስፋይ ደጊጋን፡ ሓላፊት ጉዳያት ደቂ ኣንስትዮ ሓፍቲ ኣድያም ተፈራን እዮም። ኣብዚ ኣኼባ’ዚ ዝተሳተፉ ድማ፡ ኣባላት ምምሕዳር ውደባዊ ጉዳያት ቤት ጽሕፈትን ደቂ ኣንስትዮን መንስያትን፣ ኣባላት መሪሕነታት ዞባ ኤውሮጳን ሰሜን ኣመሪካን፡ ኣባላት መሪሕነት ንኡስ ዞባ ጀርመን ከምኡ’ውን ኣባላት መሪሕነታት ጨናፍር ነይሮም።
እቲ ኣኼባ፡ ብሓላፊት ጉዳያት ደቂ ኣንስትዮ፡ ሓፍቲ ኣድያም ድሕሪ ምኽፋቱ፡  ሓው ተስፋይ ደጊጋ፡ ንዝርዝር መደባት ምውርራስ መኽሰባት ናይ ዞባታት፡ ገሊጹ።  ኣብ ገለጻኡ ቀንዲ ዕላማ ናይቲ ሓሳብ ኣብ ዝተፈላለየ ክፍለ ዓለም   ዝካየድ ናይ ቃልሲ ተመክሮ መኽሰባት፡ ኣብ መንጎ ኣባላት ሰልፊ ንምክፋልን ካብኡ ኣስተምህሮታት ብምውሳድ ኣብ ዝተፈላለየ መዳይ  ኣሰራርሓ ሰልፊ ንምድንፋዕን ዝሃቀነ ምኻኑ ገሊጹ። ብመሰረቱ ከኣ ኣባላት  ዞባታት ዝራኸቡሉ መስኖታት ምኽፋትን ዓቅምታቶምን ብቕዓታቶምን ዝፍኑውሉ መድረኽ ምእንጋድን እዩ ክብል ኣብሪሁ።  ብተወሳኺ፡ ከምዚ  ዝበለ  ርክባት ንዝያዳ ምትሕብባር ከም ዘማዕብልን ንግሉጽነት ከም ዘዕኩኽን ገሊጹ፡ ዝማዕበለ ምትሕብባር  ክተረጋግጽ ምኽእል ንባዕሉ ምዕዋት’’ዩ ክብል ኣብሪሁ።

Saturday, February 3, 2018

ሰዲህኤ፡ ሆላንድ ኣብ ልዕሊ ዝለዓለ ፈጻሚ ጉዳይ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ሆላንድ ንዝወሰደቶ ኣመስጊኑ ካለኦት ንክስዕበኦ ከኣ ተስፋኡ ገሊጹ

ሰዲህኤ፡ ሆላንድ ኣብ ልዕሊ ዝለዓለ ፈጻሚ ጉዳይ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ሆላንድ ንዝወሰደቶ ኣመስጊኑ ካለኦት ንክስዕበኦ ከኣ ተስፋኡ ገሊጹ
ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) በቲ መንግስቲ ሆላንድ ብ17 ጥሪ 2018 ኣብ ልዕሊ ኤርትራዊ ኣፈጻሚ ጉዳይ ዝተወስደ ስጉምቲ  ምስጋናኡ ገሊጹ። እቲ ኣፈጻሚ ጉዳይ ኤምባሲ ካብ ሆላንድ ንክስጎግ ዝተወሰኖ ብሰንክቲ ዲፕሎማስያዊ ሕጊ ጥሒሱ ኣብታ ሃገር ካብ ዝነብሩ ኤርትራውያን ናይ ኣታዊኦም 2% ቀረጽ ከኽፍል ዝፈጥሮ ብዝነበረ በደልን ካልእ ዘይሕጋዊ ተግባራትን እዩ።

እቲ ብ18 ጥሪ 2018 ናብ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስትሪ ሆላንድ ዝተላእከ መልእኽቲ ሰዲህኤ፡ ናይታ ሃገር ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ሃልበ ዚጅስተራ ነቲ ብስም ሰልፍን ኩሎም ተመሳሳሊ ስጉምቲ ዝጽበዩ ኤርትራውያንን ናብ መንግስቲ ሆላንድ ዝተላእከ ሰላምታ ከመሓላልፍሉ ሓቲቱ። ኣተሓሒዙ ድማ ኣብ ልዕሊ ወጻዒ መንግቲ ኤርትራን ኣብ መላእ ዓለም ካብ ኤርትራውያን 2%  ኣገዳዲ ግብሪ የኽፍሉ  ዘለዉ ኣካላቱን ተመሳሳሊ  ስጉምትታት ክውሰድ ዘለዎ ተስፋ ገሊጹ።

መልእኽቲ ሰዲህኤ ምስዚ ብምትሕሓዝ፡ በቲ ካብ ነዊሕ ግዜ ትጽቢት ዝተገብረሉ ኣብ ልዕሊቲ ኤርትራዊ ጉዳይ ኣፈጻሚ ኣቶ ተኸስተ ገብረመድህን  ብዝተወስደ ስጉምቲ ብስም እቶም ነዚ ስጉምቲ ክጽበዩ ዝጸንሑ፡ ቅሳነት ከም ዝተሰመዖ ገሊጹ። ብመንጽር እዚ ነቲ ተግባር “ዓብይ ስጉምቲ ንቕድሚት” እዩ ኢሉ፡ ካለኦት ሃገራት ኤውሮጳ ነዚ ስጉምቲ ክም ኣብነት ወሲድን ክስዕበኦ ዘለዎ ትጽቢት ገሊጹ

እቲ መልእኽቲ ኣተሓሒዙ ንግስነት ሆላንድ መንግስቲ ኣስመራ ዘይሕጋውን  ካብ ሃገሩ ወጻኢ’ውን ዘይሕጋውነት ከስፋሕፍሕ ዝሰርሕን ምዃኑ ኣዘኻኺሩ። ብመንጽር እዚ ናይ ሆላንድ ፓርላማ፡ ናይ ፍርዲ ኣካላትን ካቢነትን ንግጉይ ኣሰራርሓ ኣካላት መንግስቲ ኤርትራ ንምቁጽጻር ክሰርሕዎ ዝጸንሑ ኣብነታዊ ምዃኑ ኣስፊሩ። ብመንጽር እዚ ኣብ ልዕሊቲ ዓመጸኛ ዝተወስደ ስጉምቲ ዓብይ ስጉምቲ ንቕድሚት እዩ ኢሉ።