Pages

Tuesday, February 12, 2013

ዓቢ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ከተማ ኦስሎ: 15 የካቲት 2013

ብዕለት 15.02.2013፡ ኣብ ከተማ ኦስሎ፡ ሃገረ-ኖርወይ፡ ብዓይነቱ ዝተፈልየ ሰላማዊ ሰልፊ ይግበር ስለ ዘሎ፡ ኩሉ ደላዪ ፍትሕን ለውጢን፡ ነቲ ኣብ ኤርትራ ተላዒሉ ዘሎ ሰራዊት ደገፉ ክገልጽን፡ ኣብ ሱዳንን ግብጽን ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝወርድ ዘሎ ኢሰብኣዊ ግፍዒ ዓገብ ክብልን ብኽብሪ ይዕደም።
demonorway

ኣብ ኦስሎን ከባቢ ኦስሎን ዝርከቡ ኩላቶም ደለይቲ ለውጢ ኤርትራውያን፡ ኦስሎ ስርሒት-2013 እትበሃል ናይ ሓባር ኮሚቴ ብምቛም፡ ብዓይነቱ ዝተፈልየ ሰላማዊ ሰልፊ የዳልዉ ኣለዉ። እዛ ኮሚቴ’ዚኣ ካብ ማሕበራትን ግለ-ሰባትን ዝቖመት ኮይና፡ ነዚ ሰላማዊ ሰልፊ’ዚ ምዕዋት ኢዩ ዕላማኣ።

በዚ ኣጋጣሚ፡ ኦስሎ ስርሒት-2013፡ ነዚ ፍሉይ ሰላማዊ ሰልፊ’ዚ ከተዐውት፡ ኣሎ ዝበሃል ምድላዋት ትገብር ከምዘላ ክትሕብር ትፈቱ። ኣብ ርሑቕ ሃገራት እትርከቡ ግዱሳት ዜጋታት ብሞራል ክትሕግዙ፡ ኣብ ሃገረ-ኖርወይን ጐረባብቲ ሃገራት ኤውሮጳን እትቕመጡ ከኣ ብኣካል ክትጽንበሩ ዕድመ ትገብረልኩም ኣላ።

ካብቶም ዝቃልሑ እዋናውያን ጭርሖታት እዞም ዝስዕቡ ምጥቃስ ይከኣል፡-
Ø ቅዋም ኣብ ግብሪ ይወዓል!
Ø Stop human trafficking
Ø እሱራት ይፈትሑ!
Ø Protect the rights of refugees
ኣዳላዊት ኮሚቴ ሰላማዊ ሰልፊ

No comments:

Post a Comment