Pages

Monday, February 25, 2013

መንግስታዊ ፈነወ ቲቪ ሽወደን ካናል 2 ምልካዊ ስርዓት ኤርትራ ብኣስገዳድ ንዝኽፈል 2% ቀረጽ ጠጠው ክብል ይሓትት

መንግስታዊ ፈነወ ቲቪ ሽወደን ካናል 2 ምልካዊ ስርዓት ኤርትራ ብኣስገዳድ ንዝኽፈል 2% ቀረጽ ጠጠው ክብል ይሓትት
ሎሚ ዕለት 24 ለካቲት 2013፡ ብኣቆጻጽራ ግዜ ማእከላይ ኤውሮጳ ልክዕ ሰዓት 2115 መንስግታዊ ትካል ፈነወ ቲቪ ካናል 2፡ ብዛዕባ’ቲ ካብ ኤርትራውያን ዝመበቆሎም ነበርቲ ሃገር ሽወደን ብኣስገዳድን ምፍርራሕን ዝኽፈል ቀረጽ ዓመታዊ እቶት ኤርትራውያን ተዘሪብሉ።

ኣብ’ዚ ናይ ፈነወ መደብ ርእይቶእም ሓሳቦምን ካብ ዝሃቡ፡ኣቶ ረዘነ ተስፋጽዮን ኣባል መሪሕነት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ሓደ ነበረ። ኣቶ ረዘነ ተስፋጽዮን ኣብ’ቲ ንካናል2 ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ መጀመሪያ ድሕሪ ናይ ነዊሕ ብረታዊ ተጋድሎ ነጻ ዝዀነት ኤርትራ ብድርኺት ፍቕር ሃገር፡ ንህንጸት ሃገርን ህዝብን ተባሂሉ ዝኸፈል ከም ምንባሩ ብሰነድ ዝተሰነየ ምስክርነቱ ኣቕሪቡ።

ቀጺላ ተጣባቒት ሰብኣዊ መሰል ስደተኛታት ሓፍትና ሜሮን እስቲፋኖስ፡ ኣብ ትሕቲ ጃኬቱ ሕብእቲ ካሜራ ዝሓዘ መንእሰይ ኣብ ውሽጢ ቤት ጽሕፈት ኤምባሳድር ኤርትራ ስቶክሆልም ብምእታው ነቲ ናይ 2% ሕንቅል ሕንቕሊተይ ዝተጋለጸሉ ሰነድ ዝተሓባበረት እያ። ሜሮን እስቲፋኖስ እቲ ብምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ዝግበር ዘይፍትሓዊ ምዃኑ ብምርኢት ተንቀሳቓሲ ፊልም ምስ’ቲ መደብ ተሓባቢራ።

ሳልሳይ ኣባል ሊበራል ህዝባዊ ሰልፊ፡ ኣባል ባይቶ ሽወደን ሪካርድ ማልም ዝተባህለ፡ እዚ ብኣስገዳድን ብምርዓድን ምፍርራሕን 2% ንምእካብ ዝኻየድ ዘሎ ናይ ማፍያ ስራሕ ንእለቱ ጠጠው ክብል ዘለዎ’ዩ ኢሉ። ሚስተር ሪካርድ እዚ ጉዳይ ብመንግስቲ ሽወደን ክሳብ ሕጂ ጠጠው ክብል ዘይምኽኣሉ መረዳእታ ክህብሉ ዘይከኣለ ምዃኑ ገሊጹ።

ኣብ መወዳእታ ዝቀረበት ወኪል ኣህጉራዊ ማሕበር ኣመንስቲ ኣደ መንብር ኣብ ሽወደን እያ። ኣደ መንበር ኣመንስቲ ኢንተርናሽናል ኣብ ዘረብኣ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ሓተቲ ዕቍባ ዝካየድ ዘሎ ዘይተኣደነ ምፍርራሕን ራዕድን፡ መንግስቲ ሽወደን ጠጠው ከብሎ ግዱድ’ዩ በለት። ብዘይክኡ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብውድብ ሕቡራት መንግስታት ዝተበየነ እገዳ’ውን እንተዀነ ከም ቆዋሚት ኣባል ሃገር መጠን ብቀጥታ ንመንግስቲ ሽወደን ዝምልከት ስለ ዝዀነ ብዘይወዓል ሕደር ኣብ ግብሪ ክውዕል ዝነበሮ ናይ እገዳ ብይን’ዩ በለት። ንኣብነት ኣብ ካልኦት ሃገራት ከም መንግስቲ ካናዳ ቅጽነታዊ ግብረ መልሲ ብምሃብ፡ 2% ጠጠው ናይ ምባሉ ስጉምቲ ብምውሳድ ነዚ ጉዳይ’ዚ ምዕለቢ ተረኺብሉ ክትብል ተወሳኺ መግለጺ ሂባትሉ።


ጋዜጠኛ ኣስዒባ ዘቕረበቶ ሕቶ፡ መንግስቲ ሽወደን ብዛዕባ ካብ ኤርትራውያን ዝኽፈል ዘሎ ቀረጽ ዘይምእጋዱ ምናልባሽ ጉዳይ ጋዜጠኛ ዳዊት ኢሳቕ ክኸውን ዶ ይኽእል ?

ኣደ መንበር ኣመንስቲ ከም’ዚ ዝስዕብ መልሲ ሃበት፡ ኣነ ብዛዕባ መንግስቲ ሽወደን ክዛረብን፡ መንግስቲ ሽወደን እንታይ ክገብር ነይርዎ ክነግር ዘድልየኒ ኣይኮነን። ግን ክልተ ንጹር ጉዳይ ኣሎ። መንስግቲ ሽወደን ንጋዜጠኛ ዳዊት ኢሳቕ ነጻ ንምውጻእ እቲ ዝሓሸ መሳርሒ ምእጋድ 2% እዩ። 2% ምእጋድ ማለት ኣብ ልዕሊ መንስግቲ ኤርትራ ጸቕጢ ምፍጣር ማለት’ዩ። ካልኣይ መንስግቲ ሽወደን ንጋዜጠኛ ዳዊት ኢሳቕ ነጻ ንኽፍታሕን፡ 2% ምእጋድን ከም ስርሑ ክነጥፈሉ ዘለዎ ጉዳይ ገይረ እየ ዝርዳእ” በለት።

ካልእ ካብ ኣካላት መንግስቲ ሽወደን ብፍላይ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒተር ኣቶ ካርል ቢልድን፡ ናይ ፍትሒ ሚኒተር ወ/ሮ ቢያትሪክ ኣስክን ኣብ’ቲ ፈነወ ሓሳብ መንግስቲ ሽወደን ክግለጽ ኣብ ዝተገበረሎም ዕድመ፡ ነቲ ኣብ ትሕቲ ፖሊስ ዘሎ ንዝካየድ ዘሎ መርመራ ኣመልኪቶም ክዛረቡን ሓሳብ መንግስቲ ክገልጹ ከም ዘይክእሉ ከም ዝሓበሩ እታ ጋዜጠኛ ኣፍሊጣ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣቶ ረዘነ ተስፋጽዮንን ኣቶ መድሃኔ ርኣዮን ኣብ ከተማ ኡፕሳላ ንዝርከብ ናይ ፖሊስ ሰበ ስልጣን ን2% ዝምልከት ክሲ መስሪቶም ከም ዝነበሩ ክዝከር ይከኣል።

መእረምታ

ኣብ’ቲ ቀዳማይ ክፋል ናይ’ዚ ዜና መራሒ ሊበራል ህዝባዊ ሰልፊ ሽወደን ጃን ብዮርክሉንድ ዝብል ተሪፉ፡ ኣባል ሊበራል ህዝባዊ ሰልፊ ኣባል ባይቶ ሽወደን ሪካር ማልም ምዃኑ ክንሕብር ንፈቱ።

No comments:

Post a Comment