Pages

Saturday, October 5, 2013

ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ብዛዕባ'ቶም ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝጥሕሉ ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ በቲ ኣብ ገማግም ባሕሪ ዘጋጥም ዘሎ ዝተደጋገመ ህልቂት ናይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝተሰምዖ ከቢድ ሓዘን ይገልጽ። ንወለድን ቤተሰብን ናይ ዝሞቱ ዜጋታት ድማ ናይ ጽንዓት መልእኽቱ የመሓላልፍ።
ሎሚ ዕለት 3 ጥቅምቲ 2013 ሓሙሽተ ሚኢቲ ኤርትራውያንን ሶማልያውያንን ስደተኛታት ዝጓዓዙላ ዝነበሩ ጃልባ ኣብ ገማግም ባሕሪ ኢጣልያ፡ ጥቃ ደሴት ላምፓዱሳ ምስ በጽሐት ብዘጋጠመ ባርዕ ከምዝጠሓለትን፡ ክሳብ ሕጂ 133 ስደተኛታት ከምዝሞቱን ተፈሊጡ ኣሎ። ብሰኑይ 30 ጥቅምቲ ከኣ፡ 13 ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ገማግም ሲቺልያ፡ ጥቃ ደሴት ራጉሳ ከምዝጠሓሉ ዝዝከር ኢዩ።
እዚ ኣቖንዛዊ ተረኽቦታት እናጋጠመ ክኸይድ እንከሎ ስቕ ኢልካ ምርኣይ ስለዘይከኣል፡ ነቶም ጠንቅታት ናይ'ዚ ህልቂት'ዚ ዝዀኑ ዘለዉ ምኽንያታትን ኣካላትን ኣነጺርና ብትሪ ክንቃለሶም ይግባእ።
ነዚ ስቅያት'ዚ ናብ መደምደምታ ንምብጻሕ፡ ነቲ መስረታዊ ጠንቂ ናይ'ዚ ስደት'ዚ ዝኸውን ዘሎ ስርዓት ኢሳያስ ምልጋስ ኢዩ። ስለ'ዚ፡ ህዝቢ ኤርትራን ፈተውቱን ነዚ ስርዓት'ዚ ንምውዳቕ ተሓባቢሮም ብዕቱብነት ክሰርሑ ንጽውዕ። ኣብ ርእሲኡ ከኣ፡ እቶም ንውልቃዊ ረብሓታቶም ክብሉ ኣብ ንግድ ናይ ስደተኛታት ዝሳተፉ ዘለዉ ገበነኛታት ኤርትራውያን ይኹን ወጻእተኛታት በብዘለናዮን ብዘለና ዓቕምታትን ኣብ ምብዳሆም ዜግነታዊ ሓላፍነትና ምዃኑ ከነዘኻኽር ንፈቱ።
መንግስተኣብ ኣስመሮም
ኣቦ መንበር ሰዲህኤ
3 ጥቅምቲ 2013

No comments:

Post a Comment