Pages

Monday, October 7, 2013

Italy mourns 300 dead in Lampedusa migrant boat tragedy

ኤርትራውያን ዘጋጠመ መቕዘፍቲ ዘስዓቦ ሓዘንን ሕርቃንን ኤርትራውያን ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ኢትዮጵያ ናብ ናዕቢ ከምዝተሰጋገረ ምንጭታት ካብቲ ቦታ ሓቢኣብ ላምፐዱዛ ኣብ ልዕሊ ኣማኢት ሮም።  

Death_Lampedusa3 ኣብ ገምገም ባሕሪ ላምፐዱዛ፣ ብ3 ጥቅምቲ ኣብ ልዕሊ ኣማኢት ኤርትራውያን ዘጋጠመ መቕዘፍቲ፣ ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ኤርትራውያን ኣብ ኢትዮጵያ ዘስዓቦ ሓዘንን ሕርቃንን ናብ ናዕቢ ድሕሪ ምስግጋሩ ፖሊስ ቶኽሲ ብምኽፋቶም ናይ 4 ስደተኛታት መውጋእቲ ከምዘጋጠመ ምንጭታት ካብቲ ቦታ ሓቢሮም።
እቲ ትማሊ 6 ጥቅምቲ ማይ ዓይኒ ኣብ ዝተባህለ መዓስከር ዘጋጠመ ናዕቢ መጀመርያ ብዝኽሪ ሽምዓ ናይቶም ግዳያት እዩ ጀሚሩ። ብዙሓት ካብቶም ኣብቲ ሓደጋ ዝወደቑ ኤርትርውያን፣ ዳግመ ምጥያስ ናብ ሳልሳይ ሃገር (Settlement) ደንጕዩዎም ዓቕሎም ኣጽቢቦም ናብ ሊብያ ሃጽ ምስ በሉ ዘጋጠሞም ሓደጋ እዩ ብዝብል ስምዒት እቶም ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብቲ ቦታ ንዝርከቡ ኣብያተ ጽሕፈት ኣራን UNHCR ን ኣእማን ምስ ደርበዩሉ ኸኣ እዩ እቲ ናይ ዝኽሪ ኣጋጣሚ ናብ ናዕቢ ተሰጋጊሩ።
እቲ ኣብ መዓስከር ማይዓይኒ ዘጋጠመ ናዕቢ ሃዲኡ ‘ኳ እንተኾነ፣ ሎሚ ውን ኣብ ዓዲ ሓርሽ ኣብ ዝተባህለ መዓስከር ተመሳሳሊ ኩነታት ተፈጢሩ፣ ፈደራል ፖሊስ ኢትዮጵያ ኣትዮሞ ከምዘለዉ ተፈሊጡ።
እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ፣ ቤተሰቦም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ኣብ ገማግም ባሕሪ ላምፐዱዛ ናይ ዝሞቱ 49 ኤርትራያን መርድእ ተነጊሩ ኣብ 24 ዝብሃል ቦታ ዳስ ሓዘን ተተኺሉ ብሓባር ይሕዘነሎም ከምዘሎ፣ ሎሚ ሰኑይ ንጉሆ ‘ውን ኣብ ቤተክርስትያን መድሂነኣለም ቦሌ ፍትሓት ከምዝተገብረሎም ካብቲ ቦታ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣረዲኡ።

No comments:

Post a Comment