ኣሰናዳኢት ሽማግለ ፈስቲቫል ፍራንክፎርት 2014
ማሕበራዊ ፍትሕን ቅዋምን ንምንጋስ: ብሓባር ንቃለስ! ኣብ ትሕቲ ዝብል ጭርሖ ካብ 8 ክሳብ 10 ነሓሰ 2014 ዝካየድ ፈስቲቫል ንመትከላዊ ጭርሖኡ ብተግባር ንምርግጋጽ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ፈስቲቫል ብዕቱብ ይሰርሓሉ ኣሎ። እዚ ፈስቲቫልዚ ካብ ኩሉ ክፍሊ ዓለማት ንዝዉሕዙ ተቓለስትን፡ ብጉዳይ ሃገሮም ዝግደሱ ዚጋታትን ዘአንግድ መድረኽ ስለዝኾነ ንኹሉ ዘዕግብ መደባት ዘካተተ ክኽውን ኢዩ። ብቐንዱ ድማ፡ እዚ ፈስቲቫልዚ፡ ፍትሒ ንምንጋስ ኣንጻር ምልኪ ኣብ እነካይዶ ዘሎና ቃልሲ፡ ኣድማዒ ናይ ቃልሲ እጃምና እነበርክተሉ ንክኸውን እናተሰርሓሉ ኢዩ።
ፈስቲቫል ፍራንክፎርት 2014 መድረኽ ናይ ኣስተምህሮን ሓበሬታን ኢዩ። ኣብ ዝተፈላለየ ጉዳያት ኣስተምህሮ ክህቡ ዝኽእሉ ኤርትራውያን ንናይ ካልእ ሃገራት ዜጋታትን ተዓዲሞም ዝመጹ ክህልዉ ኢዮም። ፈስቲቫል ፍራንክፎርት መድረኽ ዓውደ-ክትዕን መድረኽ ዘተ ንክኸውን ኢዩ። ነዚ ክልተ መደባት ንዓርቢን ቀዳምን ተታሒዝሉ ኣሎ።
ዓርቢ፡ ኣብ ፈለማ መዓልቲ ናይ ፈስቲቫል፡ ብኣባላት ኣወሃሃዲት ሽማግለ ሃገራዊ ዲሞክራስያዊ ሓይልታት ኤርትራ (ENDF) ዝምእከል ሰሚናር ክከየድ ኢዩ። ቀንዲ ቴማ/ዛዕባ ናይቲ ሰሚናር፡