ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ህግደፍ ን25 ዓመታት እዚ ዘይበሃል በድላትን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ወሪዱዎ ኣብ ዝሳቐየሉ ዘሎ ህሞት፡ ህግደፍን መሓውራቶም ዝኾና ማሕበራትን ኣብ ኦስሎ፡ ሃገረ-ኖርወይ፡ ብሩራዊ ኢዮቤል ናጽነት ኤርትራ ብዝብል ኣርእስቲ ዳንኬራን ሳዕስዒትን ንምግባርን ብስዉር ንነዊሕ ጊዜ ተዳልዮም ሸበድበድ ክብሉ ቀንዮም።
ከተማ ኦስሎ፡ ከም ካልኦት ከተማታት ኤውሮጳ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን ይቕመጥዋ። ኣብዛ ኸተማ’ዚኣ ካብ ግዜ ናጽነት ጀሚሩ ብቑጽሮም ይኹን ብህግደፋውነቶም ዝተኣማመኑ ብርክት ዝበሉ ኣባላት ህግደፍ ስለ ዝጸንሑ፡ ኣፍልቦም ገቲሮም ደስ ኣብ ዝበሎም ኣዳራሻት በዓላትን ሰሚናራትን የካይዱ ኔሮም ኢዮም። ካብ 2012 ንነጀው ግን ቁጽሪ ደለይቲ ፍትሒ እናሰሰነ ሓይሊ-ሚዛን’ውን እናተቐየረ ስለ ዝመጽአ፡ ኣባላት ህግደፍ እዚ ዘይበሃል ርእሰ ምትእምማን ኣጥፊኦም፡ ኩሉ ዝገብርዎ ንጥፈታት ብስቱር ጥራይ ኮይኑ።


