Pages

Tuesday, November 22, 2016

ሰራዊት ኤርትራ ብብዝሒ ናብ ኢትዮጵያ ኢዱ ሂቡ

ሰራዊት ኤርትራ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ብደረጃ ቦጠለንታት ናብ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኢዱ ከም ዝሃበ፡ ነዚ ጉዳይዚ ዝተኸታተሉ ኣካላት ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ሓቢሮም። በቲ ሓበሬታ መሰረት እቲ ናብ ኢትዮጵያ ኢዱ ዝሃበ ሰራዊት ገሊኡ ብወገን ጋሽ ክኸውን እንከሎ እቲ ዝተረፈ ድማ ብወገን ዓሰብ እዩ።
ኣባላት ሰራዊት ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ክኣትዉ ልሙድ’ኳ እንተኾነ እዚ ብደረጃ ቦጠለንታት ኢዶም ዝሃብሉ ቀንዲ ምኽንያት፡ መንግስቲ ህግደፍ “መነባብሮ ሰራዊት ምምሕያሽ” ብዝብል ሸፈጥ ዘተኣታተዎ ናይ ደሞዝ መተዓሻሸዊ ምዃኑ ስለ ዝተረድኡ እዮም። እቲ ሰራዊት ናይቲ ወሰኽ ደሞዝ ትርጉም ኣልቦነት ዝተረደአ፡ ካብቲ 1800 ናቕፋ ደሞዝ ሓደ ኣባል ሰራዊት፡ 150 ንጡረታ፡ 150 ንመስርሒ ገዛ፡ 150 ንደቂ ስዉኣት፡ 150 ንልምዓት ሃገር፡ ዝብሉን ካልእ ጉልባባትን ተጠቒሙ ናብ ካዝንኡ ምስ መለሰ ካብቲ ዝተረፈ፡ ብኢደ-ወነኑ 600 ናቕፋ ንቤተሰብ ወሲዱ ኣብ ኢድ ሓደ ኣባል ሰራዊት 300 ናቕፋ ጥራይ ክወሃብ ምስ ወሰነ እዮም። እቶም ነዚ ኣገባብ ዘይተቐበልዎ ኣባላት ሰራዊት ነቲ ኩነታት “ዝተሰርሐ ገዛውቲ ከፍርስ ዝውዕል መንግስቲ ገዛ ሰሪሑ ክህበና ዘይእመን እዩ” ብዝብል ከም ዝገለጽዎ’ውን እቲ ዝበጸሓና ሓበሬታ የረጋግጽ።
ብዘይካዚ እዚ ንረብሓኦም ስለ ዘይኮነ ኣባላት ሰራዊት ዘይተቐበልዎ ስርዓተ-ደሞዝ ዝወሃብ ነቶም ኣብዘን ዝሓለፋ 3 ዓመታት ብዘይምቁራጽ ኣብቲ ሰራዊት ዝጸንሑ ጥራይ ዝምልከት እዩ። በዚ መምዘኒ መሰረት ብህድማን ብዝተፈላለየ ካልእ ምኽንያትን ወጺኦም ጸኒሑም ናብቲ ሰራዊት ተመሊሶም ንዘለዉ ስለ ዘይምልከት፡ እዞም እዚ መሰል ዝተነፍጎም ብብዝሒ ብቐጻሊ ካብቲ መንግስቲ ክሃድሙ  ግምት ኣሎ።
ሓደ ካብ ነባራትን የማናይ ኢድ ህግደፍን ምዃኑ ዝንገረሉ ሜጀር ጀነራል ሃይለ ሳሙኤል (ቺና) ነዚ ኣገባብ ኣወሳስና ደሞዝ ስለ ዘይተቐበሎ ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር ከም ዝርከብ እውን ምንጭታትና ገሊጾም::
ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ

Wednesday, November 9, 2016

ጉባኤ ጨንፈር ኖርወይ

ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ጨንፈር ኖርወይ ትማሊ 6 ጥቅምቲ 2016 መበል 5ይ ጉባኤኡ  ኣብ ከተማ ኦስሎ ብዓወት ኣሰላሲሉ። ኣብቲ ንልዕሊ 7 ሰዓታት ዝተኻየደ ጉባኤ፣ ዋና ጸሓፊ ጨንፈር ብጻይ ዳዊት ኣርኣያ ንኹሎም ተጋባእቲ ናይ እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም ቃል ኣሚዑ፣ መደባትን ኣጀንዳታትን ጉባኤውን ብዝርዝር ኣብሪሁ።
ብምቅጻል፣ ናይ ደገፍ ቃሉ ከስምዕ ዝተዓደመ ኣቦ መንበር በርገሳዊ ማሕበር ሕብረት ኤርትራውያን ሓው ወልደኣብ ፍሰሃጼን ኣብቲ ጉባኤ ተረኺቡ ናይ ዮውሃናን፣ ሰናይ ድለትን፣ ሓቢርካ ንምስራሕ ድልውነት ንሱ ዝመርሖ በርገሳዊ ማሕበርን ኣስሚዑ። ሓው ወልደኣብ 5ይ ጉባኤ ጨንፈር ኖርወይ ብሓደ ወገን፣ ኩነታት ህዝብና ኣብ ውሽትን ዋጻእን ሃገር ኣብ ዝገደደ ሓደጋ ተሳጢሑ ኣብ ዝርከበሉ ህሞት፣ ብኻልእ ሸነኽ ድማ ኣብ ከርሲ ደምበ ደለይቲ ፍትሒውን እንተኾነ፣ ንእዋናዊ ቃልሲ ደለይቲ ፍትሒ ከምዘየሎን፣ ከምዘየድምዕን ገሩ ንኽገልጽ፣ ንናይ ናጽነት ብረታዊ ገድሊ ህዝቢ ኤርትራን ጀግንነታዊ ታሪኹን ምስ ሽፍትነትን ገበንን ኣዛሚዱ ብምግላጽ ንዝተኸፍለ ረዚን ናይ ህይወት ዋጋውን እንተኾነ ብኮንቱነት ዝገልጽ፣ ንናጽነትን ልዑላውነትን ሃዝብን ሃገርን  ኤርትራውን ዘይቅበልን ምስ ኢትዮጵያ ሓድነት ኣብ ዝብል ማኣዝን ዝስሕብ ብደረቱ ዝሓስብ ሓይልታት ተቀልቂሉ፣ ንማኣዝን ሃገራዊ ቃልስና ኣንፈት ንምስሓት ህርድግ ኣብዝብለሉ ኩነታት ይከየድ ከምዘሎ ብምሕባር፣ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ ጸኒዑን ሓዪሉን ክሰርሕ መድረኽ ይጠልቦ ኣሎ ክብል ኣተሓሳሲቡ።

Thursday, October 27, 2016

ልኡኽ ሰዲህኤ ኣብ ኮንፈርንስ ሰላምን ፍትሕን ምሕዝነት ገስገስቲ ተሳቲፉ

ልኡኽ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ኣብቲ 17-18 ጥቅምቲ 2016 ኣብ ብሩሰልስ ዝተኻየደ፡ ብሓድሽ ኣጀንዳ ሰላምን ፍትሕን ከምኡ እውን ምምዕባል ርትዓዊ ፖሊሲ ስደተኛታት ኣብዛ ዓለም ዝዘተየ ኮንፈረንስ ተሳቲፉ። እዚ ኮንፈረንስ ኣብ ሕብረት ኤውሮጳ ብዘለዉ ማሕበራውያንን ደሞክራስያውያንን ኣካላት እዩ ተዳልዩ።

ኣብዚ ካብ ኩሉ ኩርነዓት ዓለም 160 ልኡኻት ዝተረኽብሉ ኮንፈረንስ ካብ ሰዲህኤ ዝተሳተፉ ናይቲ ሓለፍቲ ኣብያተ ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳያትን ገንዘባዊ ጉዳያትን ኣቶ ወልደየሱስ ዓማርን ኣቶ ረዘነ ተስፋጼንን እዮም።

እቶም ዝተሳተፉ 51 ሰልፍታትን 17 ተደጋገፍቲ ኦድባትን ኮንፈረንሶም ኣብ ከተማ ብሩሰልስ ኣብ ዝርከብ ኣደራሻት ሕብረት ኢውሮጳ እዮም ኣካይዶም። መብዛሕትኦም ተሳተፍቲ ኣብ ሃሃገሮም  ንዘለዉ ሓገግቲ ኣካላት ወኪሎም ዝመጹ እዮም። ብዘይካ ካብ ኤርትራ ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ ዓሰርተ ልኡኻት ማለት ካብ፡ ማሕበራዊ ደሞክራሲያዊ ሰልፍታት፡ ካሜሩን፡ ግብጺ፡ ኬንያ፡ ቱኒስያ፡ ዚምባብወን ካሎት ሃገራት ማእከልይ ኣፍሪቃን ተሳቲፎም።

Monday, October 17, 2016

4ይ ጉባኤ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዞባ ሴሜን ኣሜሪካ

ብመሰረት ቅዋም ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ጉባኤ ናይ ዞባ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክልተ ዓመት ዝግበር ኮይኑ፡ 4ይ ጉባኤ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዞባ ሴሜን ኣሜሪካ  "ሓቢርና ኣብ ጽንዓት"  ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ሎሚ ዕለት15 ጥቅምቲ 2016 ልክዕ ስዓት 7 ናይ ንግሆ ኣብ ከተማ ችካጎ - ዊንድሲቲ፡ ብዉዕዉዕ ኣገባብ ተጀሚሩ።
ካብ ዝተፈላለየ ከባቢ ሴሜን ኣሜሪካን ከናዳን ክሳተፉ ዝመጹ ጉባኤኛታት ኣብ ኣዳራሽ ኣኼባ ምስ ተረከቡ ብዝኽሪ ሰማእታት ተከፊቱ። ብኣሳናዳኢት ሽማግለ ናይ እንቓዕ ድሓን መጻእኩም መልእኽቲ ምስ ቐረበ፡ ቐጺሉ ኣባል ማእከላይ ባይቶን ፈጻሚትን ሰልፊ ሓው ኣለም ዮሃንስ ብዝተፋላለየ ምኽንያት ኣብ ቃልሲ ክዉፈዩ ጸኒሖም ብመስዋእቲ ዝተፈለዩና ብጾት ናይ ዝክሪ ቃል ኣቕሪቡ። ኣብ ሰልፋዊ ስርሓት ዕዙዝ ኣበርክቶ ዝነበሮም ኣባላት ድማ ብፍሉይ ኣመስጊኑ።

Sunday, October 9, 2016

ሰዲህኤ፡ ናይ 1950 ጥልመት ብምዝካር ጠቕላላ ኣኼባ ሕቡራት መንግስታት ጉዳይ ኤርትራ ኣጀንዳኡ ክሕዞ ጸዊዑ



ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ኣብ ጠቕላላ ኣኼባ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ናብ 3ይ ኮሚተ ኣብ ነውዮርክ ህጹጽ መዘክር ኣቕሪቡ። ኣብዚ ህጹጽ መዘክሩ ኣኼባ ሕቡራት መንግስታት፡ መርማሪት ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ፡ ከምቲ ኣብ ቅድሚ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት መንግስታት ዝገበረቶ፡ ናብቲ ኣኼባ ናይ ቃል ጸብጻባ ከይተቕርብ ዝኽልክለሉ ርትዓዊ ምኽንያት ከምዘየለ ገሊጹ።
ሰዲህኤ ብ4 ጥቅምቲ 2016 ብኣድራሻ ናብተን ኣብ መበል 71 ጠቕላላ ኣኼባ ሕቡራት መንግስታት ናይ ዝምልከታ ኮሚተ ኣደ መንበ ክብርቲ ወ/ሮ ማሪያ ኢማ መጂያ እዩ መዘክሩ ልኢኹ። ኣብዚ መልእኽቱ እቲ  ኣብ ዝሓለፈ 25 ዓመታት ኣብ ኤርትራ ገበን ሰብኣዊ መሰል ከም ዝተፈጸመ በቲ መርማሪ ኣካል ዝተረጋገጸ ጸብጻብ ናብዚ ጉባአ ከም ዘይቀርብ ምስ ሰምዐ ከም ዝሰንበደ ገሊጹ።

Thursday, September 15, 2016

Norwegian Parliament must support the UN and demand that the dictator in Eritrea judged.


Norwegian Parliament must support the UN and demand that the dictator in Eritrea judged. Parliament must stop the dictator's associations in Norway and 2% tax from Norway to the dictator.
Eritrea's dictator commits crimes against humanity and must be judged by the International Court in The Hague.
Parliament must therefore ensure that the government is active in the United Nations:
The resolution of the UN Commission of Inquiry in Eritrea (Coie), will be soon considered by the UN General Assembly. It shows that the human rights violations that have occurred in Eritrea can be categorized as a crime against humanity. Slavery, imprisonment, disappear, torture, persecution, rape and murder is committed on a widespread and systematic manner and continue year after year. This is the reason for the influx of refugees from Eritrea -which is the second largest in Norway. International law states that when these violations can be described as crimes against humanity, they shall be referred to the International Court of Justice.

Thursday, September 8, 2016

መግለጺ ሰዲህኤ ብዛዕባ ባሕቲ መስከረም

ባሕቲ መስከረም፡ ንኤርትራውያን ፍሉይ ትርጕም ዘለዋ ኣገዳሲት ዕለት ኢያ። ኣገዳሲትዝገብራ ድማ፡ ኣብ ኣጽዋርን ሓጺነ-መጺን ዘይኰነስ፡ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ እምነት ኣንቢሩዝተበገሰ ፍትሓዊ ቃልሲ ስለዝዀነ ኢዩ። ስለ’ዚ ኢዩውን፡ እቲ ብመሪሕነት ጅግና ስውእሓምድ ኢድሪስ ዓዋተን ብዉሕዳት ሰባትን ኣረጊትኣጽዋርን ዝጀመረ ቃልሲ ኣብ ሓጺር ግዜነቲ ብዘመናዊ ኣጽዋር ዝተዓጥቀን ናይ ዓለም ደገፍ ዝነበሮን ባዕዳዊ መግዛእቲ ኢትዮጵያነቕነቕ ከብሎን ድሒሩ እውን ክድምስሶን ዝኸኣለ። ኣብ ውሽጢ 14 ዓመታት ጥራሕ፥ሰውራና ካብ መታሕትን ጐቦታት ሳሕልን ናብ ከባቢ ኣስመራ ክበጽሕ ዝኸኣለሉ ምስጢር ሳላዝነበሮ ህዝባዊ ደገፍ ኢዩ።
መግዛእታዊ ስርዓት፡  ዋላ’ኳ፡ ናይ ኣመሪካ ፡ሶቭየት ሕብረት፡ እስራኤልን ዴሳዊ ደምበንብሓፈሻ ደገፍ እንተነበሮ፡ ንውሳኔን ድሌትን ህዝቢ ኤርትራ ክዓጽፍ ግን፡ ፈጺሙ ኣይከኣለን።እዚ ጥራሕ'ውን ኣይኰነን። ሰውራ ኤርትራ፡ ነህዛብ ጐረባብቲ ሃገራት ኣንጻር ደርባውያንንብሄራውያንን ጨቈንቶም ክለዓሉን ምእንቲ ሓርነቶም ክቃለሱን ኣተባቢዕዎምን ኣርኣያኰይንዎምን ኢዩ።