Written by ወኪል ቤት ጽሕፈት ሰዲህኤ ካብ ሽወደን
ኣብ’ዚ ናይ ፈነወ መደብ ርእይቶእም ሓሳቦምን ካብ ዝሃቡ፡ኣቶ ረዘነ ተስፋጽዮን ኣባል መሪሕነት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ሓደ ነበረ። ኣቶ ረዘነ ተስፋጽዮን ኣብ’ቲ ንካናል2 ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ መጀመሪያ ድሕሪ ናይ ነዊሕ ብረታዊ ተጋድሎ ነጻ ዝዀነት ኤርትራ ብድርኺት ፍቕር ሃገር፡ ንህንጸት ሃገርን ህዝብን ተባሂሉ ዝኸፈል ከም ምንባሩ ብሰነድ ዝተሰነየ ምስክርነቱ ኣቕሪቡ።
ቀጺላ ተጣባቒት ሰብኣዊ መሰል ስደተኛታት ሓፍትና ሜሮን እስቲፋኖስ፡ ኣብ ትሕቲ ጃኬቱ ሕብእቲ ካሜራ ዝሓዘ መንእሰይ ኣብ ውሽጢ ቤት ጽሕፈት ኤምባሳድር ኤርትራ ስቶክሆልም ብምእታው ነቲ ናይ 2% ሕንቅል ሕንቕሊተይ ዝተጋለጸሉ ሰነድ ዝተሓባበረት እያ። ሜሮን እስቲፋኖስ እቲ ብምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ዝግበር ዘይፍትሓዊ ምዃኑ ብምርኢት ተንቀሳቓሲ ፊልም ምስ’ቲ መደብ ተሓባቢራ።
ሳልሳይ ኣባል ሊበራል ህዝባዊ ሰልፊ፡ ኣባል ባይቶ ሽወደን ሪካርድ ማልም ዝተባህለ፡ እዚ ብኣስገዳድን ብምርዓድን ምፍርራሕን 2% ንምእካብ ዝኻየድ ዘሎ ናይ ማፍያ ስራሕ ንእለቱ ጠጠው ክብል ዘለዎ’ዩ ኢሉ። ሚኒስተር ሪካርድ እዚ ጉዳይ ብመንግስቲ ሽወደን ክሳብ ሕጂ ጠጠው ክብል ዘይምኽኣሉ መረዳእታ ክህብሉ ዘይከኣለ ምዃኑ ገሊጹ።
ኣብ መወዳእታ ዝቀረበት ወኪል ኣህጉራዊ ማሕበር ኣመንስቲ ኣደ መንብር ኣብ ሽወደን እያ። ኣደ መንበር ኣመንስቲ ኢንተርናሽናል ኣብ ዘረብኣ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ሓተቲ ዕቍባ ዝካየድ ዘሎ ዘይተኣደነ ምፍርራሕን ራዕድን፡ መንግስቲ ሽወደን ጠጠው ከብሎ ግዱድ’ዩ በለት። ብዘይክኡ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብውድብ ሕቡራት መንግስታት ዝተበየነ እገዳ’ውን እንተዀነ ከም ቆዋሚት ኣባል ሃገር መጠን ብቀጥታ ንመንግስቲ ሽወደን ዝምልከት ስለ ዝዀነ ብዘይወዓል ሕደር ኣብ ግብሪ ክውዕል ዝነበሮ ናይ እገዳ ብይን’ዩ በለት። ንኣብነት ኣብ ካልኦት ሃገራት ከም መንግስቲ ካናዳ ቅጽነታዊ ግብረ መልሲ ብምሃብ፡ 2% ጠጠው ናይ ምባሉ ስጉምቲ ብምውሳድ ነዚ ጉዳይ’ዚ ምዕለቢ ተረኺብሉ ክትብል ተወሳኺ መግለጺ ሂባትሉ።