Pages

Tuesday, July 2, 2013

ሓድነት ሓይሊ ኢዩ

ሓድነት ሓይሊ ኢዩ

epdp-logo3ሓድነት ሓይሊ ምዃኑ ንምርዳእ፡ ንዓና ንኤርትራውያን ተመኵሮና እኹል ስለዝዀነ፡ ካልእ ኣብነታት ምጥቃስ ብዙሕ ኣድላዪነት የብሉን። ብሰንኪ፡ ስእነት ሓድነት፡ ምስ ኢትዮጵያ ብፈደራላዊ ውዕል ተቘሪንና፤ ብሳላ ሓደ ኰይና እተቓለስና ድማ፡ ነቲ ኣብ ኣፍሪቃ ብወተሃደራዊ ሓይሉ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ዝስራዕ ሰራዊት ኢትዮጵያን ደገፍቱ ዝዀኑ ሓያላት መንግስታትን ስዒርና ናጽነትና ክንጓናጸፍ ክኢልና ኢና።
እዚ ክንብል ከለና ግን፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ናይ መበቆል፡ ቋንቋ፡ ባህሊ ….ወዘተ ዘለዎ ብዙሕነት ረሲዕና ኣይኰናን። እትረፍ’ዶ ህዝቢ፡ ክልተ ውልቀሰባት ውን፡ ሓደ ክዀኑ (the same) ከምዘይክእሉ ርዱእ ኢዩ። ደቂ ሰባት፡ ከም ሰባት ክውለዱ ከለዉ ማዕረ (equal) ኢዮም። ሓደ ግን ክዀኑ ኣይክእሉን ኢዮም። ስለ’ዚ፡ ብዛዕባ ሓድነት ክንዛረብ እንከሎና፡ ንሓባራዊ ህይወት ዘይጻረር፡ ሓድነት ናይ ራእይ፡ ሓድነት ናይ ረብሓ፡ ሓድነት ናይ ታሪኽን ካልእ ከምኡ ዝኣመሰሉ ነገራትን ዘጠቓልል ኢዩ ክኸውን።
ንደቂ ሰባት: ማዕረ (equal) ምግባሮም ቅዱስ ዕላማ ኢዩ። ሓደ (the same)ንምግባሮም ዝግበር ዝዀነ ይኹን ፈተና ግን ክዕወት ኣይክእልን ኢዩ። ብዙሓት መንግስታት፡ ካብ’ዚ ግጉይ መንቀሊ ስለዝተበገሱ ኢዮም ወዲቖም። ሂትለር ንኣብነት ንዓለም፡ ዘይመልክዓ ሂቦማ ወይ ኣመራሲሖማ ንዝብሎም ዓሌታት ከጽንት ፈቲኑ፡ ናይ’ቶም ብሉጻት ወይ ጽሩያት ዝብሎም ዓሌት (ኣርያን) ዓለም ክገብራ ስለዝተበገሰ ኢዩ ፈሺሉ። ደቂ ሰባት፡ ብሕብሪ፡ ብባህሊ፡ ብቋንቋ ዝተፈላለዩ ኢዮም። ነዚ፡ ፍልልያት’ዚ ምቕባልን ምኽባርን፡ ንፍልልያት ከም ጸጋ ወሲድካ ካብኡ ምምሃርን፡ ነዚ ፍልልያት’ዚ ብምውህሃድ ስምርቲ፡ ሓያልን ብልጽግትን ሃገር ምህናጽን ኢዩ፡ ናይ ዲሞክራስያውያን ሓይልታት ዕላማ ክኸውን ዘለዎ።
ዊንስተን ቸርቺል፡ ብዛዕባ ሓድነት ክዛረብ እንከሎ፡ “ናይ ውሽጥኻ ጸላኢ እንተዘይኰይኑ፡ ናይ ግዳም ኣይጐድኣካን’ዩ” ይብል ነበረ። ህዝብና ውን፡ “ፈጣሪ፡ ካብ ፈተውተይ ደኣ ሓልወኒ እምበር፡ ካብ ጸላእተይስ ባዕለይ ኣለኹ” ዝብል ፍሉጥ ምስላ ኣለዎ ኢዩ። እዚ ኵሉ ዝሕብሮ፡ ውሽጣዊ ሃለዋትካ ወሳኒ ምዃኑ ኢዩ። ውሽጣዊ ሓድነት እንተልዩካ፡ ካብ ግዳም ዝመጽእ ሓይሊ ክስዕረካ ወይ ክኸፋፍለካ ኣይክእልን ኢዩ። ስለ’ዚ ከኣ’ዩ ሓድነት ሓይሊ ኢዩ ዝብሃል።

መንግስቲ፡ ሕብረተ-ሰብን ዜጋታትን ሓቢሮም ክሰርሑ ከለዉ ደኣ’ሎም ዘድምዑ እምበር በበይኖም እንተሰሪሖምሲ ዘፍርዪዎ የብሎምን። ስርዓት ህግደፍ፡ ስልጣንን ረብሓን ንበይነይ ስለዝበለ ኢዩ፡ ንሓድነት ህዝብን መሬትን ንሓደጋታት ዝዳርጎን ንህዝብና ኣደዳ ድኽነትን ሕማምን ዝገብሮን ዘሎ።
ፖለቲካዊ መደብ ዕዮና፡ “ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ናይ ህዝቢ ኤርትራ፡ ሃይማኖታዊ፡ ቀቢላዊ፡ ባህላውን፡ ቋንቋውን፡ ብዙሕነት ይኣምንን፡ ከም ሃገራዊ ቅሙጥ ጸጋን ሓይልን ይቖጽሮን። ኤርትራ፡ ሰላምን ሓድነትን ዝሰፈና ሃገር ንኽትከውን ድማ፡ ንብዙሕነትና ዘለለየ፡ ማሕበራውን ቁጠባውን ፍትሒ ዝሰረቱ፡ ምዕሩይ ምክፍፋል ስልጣንን ሃብትን ብዘይተማእከለ ኣመሓዳድራ ንምርግጋጽ ክጽዕትን ክጣበቕን’ዩ” ዝብል።
ኣብ ርእስ’ዚ፡ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ። ናይ ደምበ ተቓውሞ ኤርትራ ሓድነት፡ ንውድቀት ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኢሳያስ ዘቃላጥፍን ንምጅማር መስርሕ ዲሞክራሲ ባብ ዘርሑን ቅድመ-ኵነት ምዃኑ ኢዩ ዝኣምን። ካብ’ዚ ተበጊሱ ድማ፡ ኵሎም ተቓወምቲ ውድባት፡ ሰልፍታት፡ ማሕበራትን ውልቀሰባትን ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ንምውዳቕ ኣብ ትሕቲ ሓደ ጽላል ክጠራነፉ፤ ተመሳሳሊ መደብ ዕዮ ዘለዎም ሓይልታት ከኣ ክጸናበሩ ከተባብዕን ክቃለስን ጸኒሑን ኣሎን።
ሰላምን ቅሳነትን ኣብ ኤርትራ መዓስ ይመጽእ ዘይኮነስ፡ ብኸመይ ይመጽእ ኢልና ኢና ክንሓስብ ዝግብኣና። ኣብ ታሪኽ ክንደይ ጸሊም ምዕራፋት ተሰጊሩ፡ ኣብ ቦትኡ ከኣ ብርሃን ተኾሊዑ’ዩ። እዚ ዘለናዮ ዘይስገር ዝመስል ዘሎ መድረኽ ከኣ፡ ክንሰግሮ ንኽእል ኢና። ክንርስዖ ዘይግብኣና ግን፡ ብሓባር እምበር ብውልቂ ወይ ተጎጃጂልካ ዝስገር ከምዘይኮነ ኢዩ። “ኣሕዋት ምስ ዝሰምሩ፡ ጸላእቲ የባርሩ ከምዝብሃል፣ እንተደኣ ሓቢርና ክንወጾ ዘይንኽእል ጸገም ኣይከጋጥመናን ኢዩ። ሎሚ፡ ብሰንኪ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኢሳያስ፡ ንህዝብን ሃገርን ኤርትራ ገጢሙና ዝርከብ ግዙፍን ኩሉ መዳያዊ ቅልውላውን ኣብ ጥርዙ በጺሑ ኣብ ዝረከበሉ ዘሎ እዋን፡ ፍታሕ ብመንገዲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ባዕዳዊ ሓይሊ፡ ወይ’ውን ኣህጉራዊ ፖለቲካውን ቁጠባውን እገዳታት ኣቢሉ ክመጸና ክንጽበ የብልናን። እዚ ተወሳኺ ሓገዝ ደኣ’ምበር ወሳኒ ኣይኰነን። እቲ ቀንዲ መፍትሒ ሓድነትና’ዩ።
ቻርለስ ስተዋርት ፓርነል፡ ነቲ ኣብ ኣየርላንድ ካብ 1879 ክሳብ 1880 ዝተኻየደ ህዝባዊ ተቓውሞ ኣንጻር መንግስቲ ኣመልኪቱ ከምዚ ዝስዕብ ኢሉ ነይሩ፡-
“ኣብ ካልእ ምምርኳስ ትርጉም የብሉን፡ ኣብ ገዛእ ጽንዓትኩምን ወሳንነትኩምን ጥራይ ክትምርኮሱ ኣለኩም… ብሓባር ደው ብምባል ነንሕድሕድኩም ተደጋገፉ……. ነቶም ኣብ መንጎኹም ዘለዉ ድኹማት ከም ዝሕይሉ ግበሩ…… ስጠሙ ተጠማመሩ….ነብስኹም ወድቡ….ክትዕወቱ ምዃንኩም ከኣ፡ ብምንም ተኣምር ዘጠራጥር ኣይኮነን…ሓድነትኩም ከየረጋገጽኩም ግን…ጉዳይኩም መዕለቢ ክትገብሩሉ ኢልኩም ብፍጹም ኣይትሕሰቡ”።
ስለዚ ከምዚ ፖርነል ቅድሚ 120 ዓመታት ብውሕሉል ኣገባብ ዝገለጾ፡ ነዚ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ሰልሚ ክንሰግር፡ ሓቢርና ብሓደ መንፈስ ንሓደ ዕላማ ክንሰርሕ ኣለና። ሓድነት፡ ቅድመ-ኵነትን መፍትሕን ናይ ዓወትና ምዃኑ ኣሚና ክንሰርሕ ይግባእ። ነዚ ከም እምነ-መሰረት ፍትሓዊ ዲሞክራስያዊ ቃልስና ምዃኑ ኣለሊና እንተሰሪሕና ከኣ፡ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ከም እንዕወት ርግጸኛታት ኢና።

No comments:

Post a Comment