Pages

Sunday, July 28, 2013

ክኢላታት ሕቡራት ሃገራት፡ ኤርትራ ንናይ ሶማል ናይ ውግእ ጐይቶት ትምውል ኣላ ኢሎም

ትርጕም፡- ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ
ክኢልታት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘቕረብዎ ጸብጻብ፡ ኤርትራ፡ ርግኣት ናይ’ታ ብግርጭት ተዋሒጣ ዘላ ሶማል ንምዝራግ፡ ንሓደ ካብ’ቶም ምስ ጥሩፋት እስላማውያን ምትእስሳር ዘለዎም ጐይቶት ናይ ውግእን ንዑስባት ፖለቲከኛታት ትምውል ኣላ ዝብል ኢዩ።
ኤርትራ፡ ኣብ ሕንፍሽፍሽ ናይ ሶማል ይኹን ምስ’ቶም ንመንግስቲ ሶማል ንምዕላው ዝቃለሱ ዘለው ኣልሸባብ ዝዀነ ይኹን ዝምድና ከምዘይብላ’ያ ክትገልጽ ጸኒሓን ዘላን። ካብ’ዚ ተበጊሳ ድማ፡ እቲ ኣብ ልዕሊኣ ተነቢሩ ዘሎ ማዕቀብ ክለዓል ክትሓትት ምጽናሓ ዝፈለጥ ኢዩ።
እዚ ሕጂ ብክኢላታት ሕቡራት ሃገራት፡ ናብ’ታ ንሶማልን ኤርትራን እተከታተል ጕጅለ (Monitoring Group) ዝቐረበ ሓድሽ ጸብጻብ ግን፡ ነቲ ብመንግስቲ ኤርትራ ዝውሃብ ኣሉታታት ኣብ ጥርጣረ ዘእትዎን ነቲ ማዕቀብ ከለዓል ዘየኽእሎን ጭብጥታት ኣለዎ።
“እታ ንጕዳይ ሶማልን ኤርትራን ትከታተል ጕጅለ፡ ኣብ መንጐ ኣስመራን ሞቓድሾን ዝምድናታት እናደልደለ ይኸይድ ከምዘሎ ዝሕብሩ ጸብጻባት ይመጽእዋ ከምዘለዉ። ከምኡ’ውን፡ ኤርትራ፡ ምስ ቤት ጽሕፈት ፕረሲደንት ሶማልን ገለ ካብ’ቶም ጸየቕቲ ውልቀሰባትን ዝምድና ዘለዎም ሶማልያውያን ፖለቲካውያን መሳርሕቲ ረኺባ ከም ዘላ ጭብጥታት ኣሎና” ትብል እታ ጕጅለ ናብ ሮይተርስ ኣብ ዘመሓላለፈቶ ጸብጻብ።
ሓደ ካብ’ዞም መሳርሒ እዚኣቶም፡ ኣብዲ ኑር ሰይድ ኣብዲ ዋል ዝተባህለ ኰይኑ፡ ምስ ሓደ ላዕለዋይ ኣዛዚ ናይ ኣልሸባብ ርክብ ኣለዎ። እታ ተኸታታሊት ጕጅለ፡ ኣብዲ ዋል፡ ሓደ ካብ’ቶም “ጐይቶት ናይ ውግእ’ዩ ትብል።
“ኣብዲ ዋል፡ ናይ ቀረባ መሓዛ ናይ ዘካርያ መሓመድ ሓጅ ኣብዲ ኢዩ። ዘካርያ ከኣ፡ መራሒ ናይ ሓንቲ ኣብ ኤርትራ ዝመደበራ ናይ ሶማልያ መንግስቲ ተቓወሚት ውድብ (ARS-Asmara) ኢዩ ነይሩ። ሕጂ ድማ፡ ኣብ ሞቓድሾ ዝሕልዎ ኣብዲ ዋል ኢዩ። 100 ዝዀኑ ወተሃደራት ኣብ ሞቓድሾ ኣለውዎ። ኣብ ቅትለት ድማ ተዓሲቡ ይዋፈር ኢዩ’ ይብል ጸብጻብ ናይ’ታ ተኸታታሊት ጕጅለ።
እታ ተኸታታሊት ጕጅለ ኣብ ዘቕረበቶ ጸብጻብ “ኤርትራ፡ ንኣብዲ ዋልን መሓመድ ዋሊ ሸኽ ኣሕመድ ኑርን ከምእትድግፍ መሰኻኽርን ጭቡጥታትን ኣሎኒ” ኢላ። ኣብ ዝሓለፈ ግዝያት ውን፡ ኣሕመድ ኑር፡ “ፖለቲካዊ ኣውሃሃዲ ናይ ኣልሸባብን” ብኤርትራ ዝምወልን ኢዩ ዝብል ጸብጻብ ኣሕሊፋ ምንባራ ጠቒሳ።
“ምስ ኣብዲ ዋል ርክብ ዘለዎ ብመንግስቲ ኤርትራ ዝምወል ሓደ ምንጪ ድማ፡ ኣብዲ ዋል፡ ኣብ ሓደ ዕጽው ኣኼባ፡ ናይ ኤርትራ ሰላይ ወይ መሳርሒ ኰይኑ ይዋሳእ ከምዝሎ ተኣሚኑ ክብል ከምዝመስከረ” እታ ጕጅለ ኣብ’ዚ ናይ መወዳእታ ጸብጻባት ኣቕሪባ ኣላ።
ኣብ ቀረባ እዋን ዝመጹ ጸብጻባት፡ ኣሕመድ ኑር፡ ወይ ድማ፡ ኡጋስ መሓመድ ዋሊ ሸኽ ብዝብል ካልኣይ ስም ውን ዝፍለጥ ሰብ፡ ኣብ ካርቱም ምስ ኣምባሳደር ኤርትራ፡ ኣቶ መሓመድ ማንታይ ካብ ታሕሳስ ጀሚሩ ድማ ምስ ኢራን ብዙሕ ርክባት ከምዝገበረ ይሕብሩ። “ኣብ’ዚ ርክባት’ዚ ድማ፡ ኤርትራ ንኣሕመድ ኑር ገንዘባዊ ደገፍ ንምግባር ዝብል ኣማራጺታት ተዘሪብሉ ኢዩ” ይብል እቲ ጸብጻብ።
“ማንታይ፡ ናይ ቀደም ኣባል ወተሃደራዊ ስለያ ኰይኑ ኣብ ሶማል ይንቀሳቐስ ምንባሩ፤ ኣብ ሶምላያ ምስ ናይ ኣልሸባብ ሰለይቲ ኣኼባ ድሕሪ ምግባር ናብ ከንያ ከም እተመልሰን ብ2009 ድማ ካብ ከንያ ከምእተባረረን” እታ ተኸታታሊት ጕጅለ ገሊጻ።
እታ ተኸታታሊት ጕጅለ፡ ኣብ ርእስ’ቲ 500 ገጽ ዘለዎ ንሶማልን ኤርትራን ዝምልከት ጸብጻብ፤ ካልእ ፍልይ ዝበለ 80 ገጽ ዘለዎ ንኤርትራ ጥራሕ ዝምልከት ጸብጻብ ኣቕሪባ ኣላ።
ገለ ኣባላት ባይቶ፡ እቲ ናይ ሶማልን ኤርትራን ዝምልከት ነዊሕ ጸብጻብ ኣብ’ዚ ቀረባ ግዜ ናብ ህዝቢ ክዝርጋሕ ኢዩ። እቲ ንኤርትራ ዝምልከት ሕጽር ዝበለ ጸብጻብ ግን ብሰንኪ ካብ ሩስያ ዘጋጠመ ተቓውሞ ከይተዘርግሐ ክጽንሕ ኢዩ።
ልእኽ ሩስያ፡ ናብ ኣቦ መንበር ናይ ሶማልን ኤርትራን ናይ ማኦቀብ ጕጅለ፡ ኣምባሳደር ኪም ሱክ፡ ኣብ ዝለኣኾ ደብዳበ፣ “እቲ ንኤርትራ ዝምልከት ጸብጻብ ጸጊዓውን መሰረት ዘይብሉ መደምደምታትን ለበዋታትን ዝሓዘ ስለዝዀነ ናብ ህዝቢ ክዝርጋሕ የብሉን” ይብል።
ኣምባሳደር ጣልያን፡ ኣቲ ሰዛረ ማርያ ራጋሊ፡ ናብ ኣቶ ኪም ሱክ ኣብ ዝለኣኾ ደብዳበ፡ “እቲ ጸብጻብ፡ ከጋጊ ዝኽእል ሓበሬታታት ኣለዎ። ከምኡ’ውን፡ ኤርትራ ንናይ ብረት ማዕቀብ ከምዝጠሓሰት ዘረጋግጽ ሰነዳት የለን” ዝብል ምዕዝምዛም ኣስሚዑ። ሮይተርስ፡ ናይ ክልቲኦም ኣምባሳደራት ደብዳበታ ኣብ ኢዱ ከምዝበጽሐ ይሕብር።
ብዛዕባ’ታ ንኤርትራ ጥራሕ ትምልከት ሓጻር ጸብጻብ ኣፍልጦ ዘለዎም ዲፕሎማሰኛታት፡ ንዕደና ተባሂላ ንኤርትራ ዝተዋህበት ናይ ጣልያን ሀሊኮፕተር፡ ኣብ ሓደ ወተሃደራዊ መደበር ተራእያ ዝብል ሓበሬታ፡ ነቲ ማዕቀብ ተጣሒሱ ዝብል ዘረባ ከምዘምጽኦ ይጠቕሱ። ጣልያናውያን ውን፡ ተወሳኺ ሓበሬታ ብዛዕባ’ታ ሀሊኮፕተር ተሓቲቶም፡ ክሳብ ሕጂ ከቕርቡ ኣይከኣሉን ዘለዉ ይብሉ እቶም ዲፕሎማሰኛታት ወሲኾም።
ራጋሊን ነዚ ኣበሃህላ’ዚ ብምቅዋም፡ “እቲ ዝሓተቱና ማለት ንዋሕዚ ገንዘብ ዝምልከት ሓበሬታታት ሂብናዮም ኢና። ወተሃደራዊ ደገፍ ከምንገብር ዘረጋግጽ ዝዀነ ይኹን ጭብጢ ግን የለን። ኢሉ።
ናይ ቻይና ዲፕሎማሰኛታት ድማ፡ ቻይና፡ ኣብ’ቲ ንኤርትራ ዝምልከት ጸብጻብ ምእታዋ ኣቘጢዕዋ ከምዘሎ ይገልጹ። እቲ ጸብጻብ፡ ናይ ቻይና መሳርሒታት፡ ኣብ’ቲ ኤርትራ ታንክታት፡ ሚሳይላትን ንክልተ ዕማም ዘገልግላ ሲቪላውያን መኻይንን ዝቕመጣሉ መኽዘን ተራእዩ ይብል። እቲ ልኡኽ ናይ ቻይና ግን፡ ቻይና ነቲ ናይ ሕቡራት ሃገራት ማዕቀብ ከምዝጠሕሰት ዘረጋግጽ ዝዀነ ይኹን ጭብጢ የለን ኢሉ።

No comments:

Post a Comment