Pages

Saturday, July 20, 2013

ኣብ ኦስሎ ዕዉት ጨንፈራዊ ኣኼባ ተኻዪዱ

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ጨንፈር ኖርወይ ብዕለት 13 ሰኔ 2013 ዕዉት ጨንፈራዊ ኣኼባ ኣብ ኦስሎ ኣካዪዱ:: ኣብዚ ብርክት ዝበሉ ሓድስትን ገዳይምን ኣባላት ሰልፊ ዝተረኽቡሉ ኣኼባ ተጋባእቲ ናይ ቀዳማይ መንፈቅ ዓመት ጉዕዞ ጨንፈርን ዓወታቱን ድኽመታቱን ገምጊሞም:: ብሽማገለ ጨንፈር ዝተዳለወ ናይ 6 ኣዋርሕ ሰብኣውን ማላውን ጸብጻብት ድሕሪ ምስማዕ እውን ምብራህ ዘድልዮም ነጥብታት ብምሕታት መብርሂ ረኺቦም::
ብምቅጻል ኣባላት ካብ ቀሪቡ ዝነበረ ኣጀንዳታት ሕብረትን ሓድነትን ኤርትራዊ ደምበ ተቃውሞ ብደረጀ ዓለምን ብደረጃ ኦስሎን ብኸመይ ክረጋገጽ ይከኣል ኣብ ዝብሉ ነጥብታት ነዊሕ ግዜ ብምህላኽ ሰፊሕን ርሱንን ክትዓት ኣካዪዶም:: ተጋባእቲ ኣብ ክትዓቶም ስምረትን ሓድነትን መሰረታውያን ጠለባት ዓወት ቃልስና ምዃነን ንኹሉን ንነፍሲ ወከፍን ርዱእ እንክንሱ፣ ደምበ ተቃውሞና ንሓድነትን ስምረትን ዋጋ ክኸፍል ድልው ከምዘይጸንሐ ኣሚቶም:: ከም ሳዕቤኑ ድማ ደምበ ተቃውሞና ናይ ባህጊ ምትእኽኻባትን ህልውናኻ ናይ ምዕቃብ ምልፋንን እንተዘይኮይኑ፣ ሰሚሩን ሓቢሩን ዝጸንዕ፣ ኣብ ሓድነት ጸኒዑ ዝቃለስን፣ ተቃሊሱ ዝዕወትን ሃገራዊ ሓይሊ ንምፍጣር ኮቶ ከምዘይተበጽሐ ተገምጊሙ::
ተሳተፊቲ ኣኼባ ኣብ መወዳእታ ደምበ ተቃውሞ ካብ ሕሉፍ ተሞክሮኡ ተማሂሩን ለቢሙን ካብ ድኽመታቱ ክበራበርን፣ ኣብ ሓድነትን ምትሕብባርን ዝተሰረተ ቃልሲ ብምክያድ ዕምሪ መላኺ ስርዕት ከሕጽርን ንጭቁን ህዝቢ ክድብስን ከምዘለዎ ኣስሚሮምሉ:: ብተወሳኺ ተሳተፍቲ ዝኾነ ኣብዚ ናይ ለውጢ ቃልሲ ዝሳተፍ ባእታ ንድፊ ሓድነትን ስምረትን ብላዕለዎት መራሕቱን ሰበስልጣን ጥራሕ ክመጽእ ክጽበ ከምዘይብሉ፣ እኳ ድኣ ንሱ/ሳ እውን ንናይ ደምበ ተቃውሞና ስምረትን ሓድነትን ጸላዊ ግደ ከምዘለዎ ክኣምንን እጃሙ ከበርክትን ከምዘለዎ ኣዘኻኺሮም::
ኣኼበኛታት ኣብ መወዳእታ ነቲ ንኹሎም ኣብ ኖርወይ ንዝርከቡ ፖለቲካውያን ውድባትን ምንቅስቃሳትን በርገሳውያን ማሕበራትን ናይ ራእን ስትራተጅን ፍልልያቶም ኣኽቢሮም ንምውዳቅ ናይዚ ጨፍላቒ ስርዓት ሓቢሮም ክቃለሱል ዝኽእሉ ናይ ሓብር መቃለሲ ባይታ ንምፍጣር ብናይ ሓባር ኣውሃሃዲት ኮሚቴ ይካየድ ንዘሎ ጻዕርታት መጒሱ::
ዓወት ንዲሞክራስያዊ ቃልሲ!!!

No comments:

Post a Comment