Pages

Tuesday, December 25, 2012

ዕቡይ ውድቀትን ላግጽን ህ.ግ.ዲፍ 2013 ወፍሪ ኤርትራ

ድሕሪ ንልዕሊ 50 ዓመት ፖለቲካውን ብረታውን ተጋድሎንከምእውን ጨካን ምልካዊ ተመክሮ ምሕደራ ህ.ግ.ዲ.ፍ ፡ ንሰላማውን ዲሞክራሲያውን፡ ንርጉእ ፖለቲካዊ፡ ማዕርነታዊ፡ ስልጡንን ዘመናውን መንግስቲ ኤርትራ ንምትካል ዘይሓስብን ዘይደልንኤርትራዊ ኣሎ ኢለ ኣይግምትን፡ እዚ ግምታት’ዚ ኣብ እቲ ንምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ብህዝባዊ መንግስቲ ንምትካእ ዝቃለስ ደመበ ተቓውሞ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ኣብ ሃገር ውሽጢ ይኹን ኣብ ዲያስፖራ ኣብ ስርርዕ ህ.ግ.ዲ.ፍ ከየተረፈ ተቓውሞኡ ዘልዕለሉ ዘሎ እዋን’ዩ። ከመይስ፡ ቅድም ቀዳድም ነቲ ኩሉ ዝሓለፈ መግዝኣታዊ፡ ገድላዊ፡ ስደት፡ ፖለቲካዊ ታሪኽ ዘንጸባረቐ ተሞክሮ ከም ነጻ ህዝቢ ክንመዝን ክንግምግም እንተደኣ ኮይና፡ ብመንጽር ናይ’ቲ መግዛእቲ፡ ገድሊ፡ ስደት ስለ ዝኸውን፡ ካብ መግዛእቲ ነጻነት፡ ካብ ገድሊ እፎይታ፡ ካብ ስደት ሃገር፡ ኣብ ሃገር ከኣ ናይ ፖለቲካዊ ነጻነትን ምርግጋእን ፡ ናይ ርእይቶ ሓርነት፡ ማዕርነት፡ ስልጣነን ዕብየትን ክንሓስብ ስለ ዝገብረና።

ስለ’ዚ ኤርትራውያን ብታሪኻዊ ተሞክሮና፡ ብዕድል ዘይኮነ ኣብ ተግባራዊ ታሪካዊ ስርሒት ከም ዝተራእየ ንከውሒ ኣብ ክልተ ዝጨድድ ናይ ክዉኑን ምህዞን፡ ናይ ሓቅን ሓሶትን፡ ናይ ተግባራዊ መብጽዓ ምፍጻምን ምስምስምን፡ ናይ ዘሎ ፍልልይን ራሕቕን ብዓብዩን ብንጹሩን ስለ ዝፈልጥ።

ምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ኣብ ናይ ዝሓለፈ 21 ዓመት ነጻነት፡ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ዘርኣዮ ፍሽለት ፖለቲካዊ፡ ምጣነ ሃብታዊ፡ ጸጥታዊ፡ ማሕበራዊ ምርግጋእ፡ ምስምስ ብምምሃዝ፡ ገገለ ግዜ ጎረቤታዊ ወረ ኵናት፡ ገገለ ግዜ ኣህጉራዊ ውዲት፡ ገገለ እዋን ከኣ ንኤርትራዊ ደምበ ተቓውሞ ብመሳርሒ ወጻኢ ሓይልታት ብምኽሳስን ብምጽላምን፡ ደምበ ተቓውሞ ናይ ባዕሉ ርእይቶ ሓሳብ ከም ዘይብሉ ሃገራዊ ሓይሊ ቆጺሩ ብምቕራብ ክሳብ ለይቲ ሎሚ ኣብ ናይ ዝሓለፈ ታሪኽ ጽልእን ቕርሕንትን እንዳጸብጸበ ክኸይድ ዝጸንሐን ዘሎ መታለሊ መንግስቲ እዩ። እዚ ምልካዊ ስርዓት’ዚ ሓቂ ንኸመስል ንዘለዎ ስልጣን ንምንዋሕን ካብ ዝጥቀመሉ ሜላታት ኣዝዩ ዝገርም እንተሎ፡ ንኣባላቱ ዝኸስስ፡ ብዋጋ ንጹሃት ተጋደልቲ ክነብር ዝህቅን፡ ከይዱ ከይዱ ከኣ ነቲ ባዕሉ ዝሓንጸጾ መደባትን ዝመደቦ ኣካልን ትካልን ከም ኣብ ሓዳስ ኤርትራ ዝተዘርግሐ ኣዋጅ 25 ጥቅምቲ 2012 ዝኣመሰለ ንባዕሉ ዝኸስስ እዩ።


ብዛዕባ ላግጺ ምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ተዛሪብካን ጽሒፍካን ኣይውዳእን’ዩ። እቲ ዝገርም ከእ ” ከም’ቲ ………ስ ብፈታዊኡ ይጅምር” ከም ዝበሃል ምስላ፡ ምልካዊ ስርዓት ህ.ግዲ.ፍ ነዚ ኩሉ ዘውርዶ ዘሎ መዓት፡ መከራ፡ ስቓይ፡ ማእሰርቲ፡ ቅትለት፡ ናይ ስደት ተጽዕኖ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ኣብ ትሕቲኡ ዝመሓደሩን፡ ቀንዲ ናይ ቁጠባ ምንጪ ዝዀንዎ ብውልቃዊ ረብሓ ዝተኣሳሰርዎ ኣብ ስደት ብዝርከቡ ኤርትራውያን ዜጋታት ብቀረባ ግዳያት ዝኸኑ’ዩ ዝጅምር።

ኣብ’ዚ ዝሓለፈ 21 ዓመት ነጻነት ኣብ ልዕሊ’ዞም ኣብ ስደት ዝርከቡ ኤርትራውያን ደገፍቱ ዘይሕለፎም ዘይወሰኖም ፖለቲካውን ምጣነ ሃብታውን ኣዋጅ ኣይነበረን እንተተባህለ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ኣይኮነን። እዚ ኣብ ስደት ዝነበር ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ስደት ክነብር ዝገደዶ ረቛሕን፡ ሕጂ ኣብ ስደት ክነብር ዝግድዶ ዘሎ ረቛሕን ፍልልይ ዘይብሉ ፖለቲካዊ መግለጺ፡ ሰዓብቲ ህ.ግ.ዲ.ፍ ንኤርትራዊ መሰሎምን ክብሮምን ” ከም’ቲ በዓል ማል ዝበሎ፡ ” ኣሓ’ን ካራን ወሲደሞ፡ ሰፈር ካራ ግን” ዝበሎ፡ መሰሎም ክብሮም ተመንጢሎም ክነሶም ልዕሊ ኩሉ ን21 ዓመት ብዘይ ፖለቲካዊ ተሳታፍነቶም፡ ብዘይ ምርጫ መሰሎም፡ ብዘይ ሕቶን ርእይቶን መሰሎም፡ ኣብ ትሕቲ ምልኪ ህ.ግዲ.ፍ ተቐይዶም ዝኸድሉ ዘለዉ፡ ኣብ ብኵራት ልዕላውነት ሕጊ፡ ቅዋም፡ ዲሞክራስን፡ ሰብኣዊ ክብርን እዩ።

ሎሚ ዝሓለፈ 21 ዓመት ምልካዊ ምሕደራ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ሚዛን ገምጋም ዘይብሉ፡ ኣብ ውሽጢ ይኹን ኣብ ወጻኢ ሽምግልና ህዝቢ ዘይብሉ፡ ጉባኤ የብሉ ኣብ ስልጣን ዘሎ ብዝበሎ ዝኸይድ ዘሎ ምሕደራ ጥራሕ እዩ። እዚ ስለ ዝዀነ ከኣ ህ.ግ.ዲ.ፍ ቃሕ ከምዝበሎ፡ ምስ የመን፡ ምስ ሱዳን፡ ምስ ኢትዮጵያ፡ ምስ ጂቡቲ፡ ካብኡ ሓሊፉ ምስ ኢጋድ፡ ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ፡ ኤውሮጳ፡ ኣሜሪካ፡ ናይ ረዲኤት ትካላትን ብዓብዩ ምስ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ኣብ ዝፈተፈላለየ እዋን ፍልልይ ብምፍጣር ኣንጻር ረብሓ ህዝብን ሃገርን ክስጉም ምጽንሑን፡ ህ.ግ.ዲ.ፍ ንባዕሉ ንስልጣኑ ጥራሕ ዘይኮነ ነቲ ገራህ ህዝቢ ኣብ ዘይፈልጦን ዘይምልከቶን ግርጭት ከእትዎ ጸኒሑ ኣሎ።

ብተወሳኺ ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዘይምልከቶን ዘይፈልጦን ግርጭት ከም ዝነቝቶ ዝገብር ትእዛዝ ምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ከም ኣብነት ክጥቀስ ይከኣል።ነቲ ኣበየ ምዕራብ ሃገራት ዕቝባ ሓቲቱ ዘሎ ህዝቢ ደጋፊ ህ.ግ.ዲ.ፍ ብተጽዕኖን ኣብ ሰላማዊ ሰልፊ ክስራዕ ብምግባር ኣንጻር ናይ’ቲ ዝነብረሉ ሃገር ቅዋምን መስርሕ ተግባር ክፍጽም ምግዳዶም፡ ናይ’ተን ዝነብረን ሃገራት ዝፈቕዶ ዲሞክራሲያዊ መሰላት ንኸይጥቀምሉን ከየዘውትሩን ብፍላይ ከኣ ኣብ ግዜ ምርጫታት፡ ካብ ኣስመራ ብዝዝወር መልእኽቲ ንእከለ ምረጹ ወይ ኣይትምረጹ እንዳበለ ዝእዝዝ ግፍዔኛ መላኺ እዩ። ዎዮ ደኣ እተን ምዕራባውያን ሃገራት ባህርን ኣካይዳ ምልካዊ ስርዓት ስለ ዝፈልጣን ዝርድኣን ኮይነን’ምበር፡ በቲ ዝፍጽምዎ ተግባራት ነቶም ምስ ህ.ግ.ዲፍ. ዘጣቕዑን ዘውደኽዱኹን ናብ’ቲ ዝምክሕሉን ዝሕበንሉ ምሕደራ ህ.ግ.ዲ.ፍ ኪዱ ክብላን ዘይምኽኣለን ዘይኮነስ፡ ኤርትራውያን ኣንጻር ረብሓታቶም ክዛረቡ እንተዀነ’ውን መሰሎም ተባሂሉ ንስለ ኢለን ስለ ዝኽበረሎም እዩ።

ምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ከኣ ነቶም ዝልእኾም ከድምዕሉ ምዃኖም ስለ ዝፈልጦም፡ ወግሐ ጸብሐ ኣንጻር ረብሓ ኣባላቱን ደገፍቱን ዝኰነ ኣዋጃ እንዳዘርግሐ እንዳኣወጀን ከም’ዚ ሎሚ ድሕሪ 21 ዓመት ፖለቲካዊ፡ ማሕበራዊ፡ ምጣነ ሃብታዊ ፍሽለት፡ ኣብ ኢዱ ዝሓዘ ዘይብሉ፡ ሓደ ሓደ እዋን ብኢንዱስትርያላዊ ሕርሻ፡ ብማዕድን፡ ብዕደና ወርቂ ብሻ፡ እንዳበለ ብዝኣትዎ መብጽዓታት ሕሉፍ ሓሊፉ’ውን ኣብ ኵናት ምስ ኢትዮጵያ ብርኪ ግዝኡ እንተበሎም ዝገዝኡ እንሆ፡ ዕቡይ ውድቀትን ላግጽንህ.ግ.ዲ.ፍ2013 ወፍሪ ኤርትራ ክዉን ንምግባር እቶም ክልተ ኣብ ኤውሮጳ ዘለዉ ወከልቱ ናይ ዓዲ እንግሊዝን ሽወደንን ብምውፍራ ንልምዓታዊ ዳግማይ ተበግሶ፡ ንህዝቢ ዳግማይ ኣብ ምድንጋር ጸሚደሞ ይርከቡ። እንተዀነ ህዝቢ ኤርትራ ብተግባር ኣብ ዝሓለፈ 21 ዓመት ብሓሶት መብጽዓ ኣብ ዝተፈላለየ መድረኻት ማለት ካብ 1989 ናይ ናቕፋ ኮርፐርሽን ጀሚሩ፡ ኣብ 1991/1994 ብውልቀ ይኹን ብጉጅለ ብዓድታት ከይተረፈ ዝተባባዕ ዝነበረ ወፍሪ ርእሰ ማል፡ ናይ ኣባይቲ ስፐይስ 2000፡ ክሳብ ናይ ዶብ ኵናት ዝተወለዓሉ ናይ ቦንድን ሽርክነት ወፍሪ ርእሰማልን ዳግማይ፡ ድሕሪ ናይ ዶባዊ ኵናት ወፍሪ ምህናጽ ውልቃዊ መንበሪ ኣባይቲ ኣብ ስደት ዝነብሩ ዘጠቓለለ፡ ንሃገራዊ ቁጠባዊ ዕብየት ሓንቲ ክንዲ ፍረ ኣድሪ ዝኸውን ረብሓ ዘይብሉ ጉዳይ ዕንክሊል ከብሎም ጸኒሑ።

ምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ነዚ ኩሉ ካብ ስደት ንውሽጢ ሃገር ዝተበገሰ ገንዘባዊ ትሕዝቶ ንህንጸት ምጣነ ሃብታዊ ወፍሪ ሃገር ኤርትራ ኣዳኺሙ ከኣ ዝተፈላልየ ምስምስ እንዳረበ ከም ኣመጻጽኦኦም ኣፋንይዎም’ዩ። ሕጂ ከኣ ነቶም ዘይረኸቦም ክረኽቦምን፡ ነተን ተሪፈንኦ ዘለዋ ናይ ስልጣን ዕደመ መቐጸሊ ዝዀነኦ ወፍሪ ብዝብል ናይ ሓሶት መደብ ህዝቢ ኣብ ምድንጋር ይርከብ ኣሎ። ነዚ ትያትሮ ሓቂ ንምምሳል ከኣ፡ ልክዕ ከም’ቲ ልዕል ክብል ዝጠቐስክዎ ኣዋጅ ሓዳስ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ብልሽውና ምምሕዳራት፡ ባንክ፡ ህዝባዊ ኣገልግሎ ወ.ዘ.ተ ዝጀመረ፡ ናይ ስርሒት ዞባ ንወታሃደራውያን ሓለፍቲ ብምኽሳስ፡ ህዝቢ ብረት ብምዕጣቕ፡ ኣብ ኣስመራ ልዕሊ 600 ዝተሳተፍዎ ኮንፈረስን ብምግባር ኣብ ዕርበት ስልጣኑ ትንሳኤ ዝሓልም ምሕደራ ህ.ግ.ዲ.ፍ ወፍሪ ክብል ይስማዕ ኣሎ።

ይኹን’ምበር ኣብ’ቲ ወፍሪ ርእሰማል 2013 ኢሉ ዘካየዶ ኮንፈርስን ኣስመራ፡ ተባዓት ደቂ ሃገር በዳሂ ዝዀነ ሕቶታት ኣቕሪቦምሉ’ዮም። ” ንለባም ኣምተሉ ንዓሻ ደርጉሓሉ” ከም ዝበሃል ነቶም ኣብ ስደት ዝርከቡ ደቂ ሃገር ብመጠን ናይ’ቲ ወሪዱ ዘሎ ሕቶታት

  1. ህ.ግ.ዲ.ፍ ብሓያሉ እንከሎ
  2. ህ.ግ.ዲ.ፍ ምስ ጎረባብቱ ዝነበሮ ሰላማዊ ዝምድና
  3. ህዝቢ ንሃገረን መንግስተይ ኣብ ዝብለሉ ዝነበረ እዋን

ዘይሰለጦን ዘይሰርሖን፡ ሎሚ ንይምሰል ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዘሎ ብግብሪ ግን ንረብሓ ጀነራላት ህ.ግ.ዲ.ፍ ዘገልግል ዝነበረ ግዱድ ሰራዊት እሞ ሎሚ ሎሚ ካብ ፍርቂ ንላዕሊ ንሰደት ኣብ ዘምርሓሉ ግዜ፡ ሰብኣዊ ጉልበትን፡ ናይ ምሁራትን ሰብ ሞያ ስእነት ኣብ ዝረኣየሉ፡ ምስ ጎረባብቲ ሃገር ሰላምን ጽቡቕ ዝምድናን ኣብ ዘይብሉ፡ ብኸመይ ቀጠባዊ ወፍሪ 2013 ከዕውት ይኽእል?

ልዕሊ ኩሉ ኣውፈርቲ ማል እንተደኣ ክህልዉ ኮይኖም፡ ናይ’ቲ ዘውፍርዎ ዓቐን ገንዘብን ንብረትን በየናይ ሕጊ ውሕስነት ክረገጻጸሎም ይኽእል? ውዕል ዘይብሉ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ዓይነት ምህርትን ናይቲ ምህርቲ ንዕዳጋ ክወርድ ዝወስዶ ግዜ ምስ’ቲ ቅልጡፍ ዝደለ መኽሰብ ይኹን ረብሓ ሓደ ሸነኽ፡ ናይ ነዊሕ መደብ እንተሃለወ ኮይኑ ከኣ ናይ ግዜ መደባት ዘይተሓበረሉ፡ ብታህዲድ እንተላይ ብቅልጡፍ ገንዘብኩም ንህ.ግ.ዲ.ፍ ኣረክቡ ዝበሃለሉ ግዜ እዩ። ምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ከኣ በዚ ኣጋጢምዎ ዘሎ ገንዘባዊ ናይ ወጻኢ ሸርፊ ቅልውላው ብዘይካ ህጹጽ ገንዘብ ኣባላቱ፡ ካልእ ንውዕል ወዲ ውዕል ንዘረባ ዝጠፈእ ግዜ የብሉን። እዚ ስለ ዝዀነ ከኣ ኣቶ ኢሰያስ ኣፈውርቂ ኣብ ኮንፈረንስ ኣስመራ " ዘረባ 5% ናይ’ቲ ውጥን ወፍሪ 2013’ዩ” ክብል ዝተዛረበ።

ኣብ ኣስመራ ተጋቢኡ ዝባሃል ብዝሒ ህዝቢ ኣይኮነን ዘገርም፡ ካብ ልዕሊ 4 ሚሊዮን ህዝቢ ኣለዋ እተባሃል ሃገር 600 ተሳቲፎም ኢልካ ክትዛረብ ዘሕፍር ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ናይቶም ውሑዳት መዳኸርትን ደገምቲ ዘረባ ህ.ግ.ዲ.ፍ ዝዛረቡ ገዲፍካ፡ መብዛሕትኡ ርእይቶ ናይ ዝሓለፈ ፍሽለት ቁጠባዊ ወፍሪ ፡ ዝሓለፈ ክሳራ፡ ዝሓለፈ ብልሽውና፡ ዝሓለፈ ምምሕዳራዊ ድኽመት እዮም ተዛሪቦም’ምበር ንቁጠባዊ ወፍሪ 2013 ድልውነት ዝሃብዎ ቃል ኣይነበረን። ህ.ግ.ዲ.ፍ ከኣ ልቦና እንተዝህልዎምስ ነቲ ካብ ህዝቢ ዝቀረበ ነቐፈታታት ገሚጊሞም እዮም ነዚ ሕጂ ተበጊሱ ዘሎ ውጥን ወፍሪ ክዛረብሉ ክኽእሉ ዝነበሮም። ብኣንጻሩ ግን መልሲ ህ.ግ.ዲፍ. ውልቀ መራሕን ዝነበረ እንታይ’ዩ ዘረባ ኣይዓብስን’ዩ ገንዘብኩም ሃቡና፡ ዝበልናኩም ፈጽሙ ዝዓይነቱ’ዩ። ንበዓል ኣብ ከም’ዚ ዝኣመሰል ኣኼባ መራሒ ሃገር ጽን ኢሉ ርእይቶ ህዝቡ ክሰምዕ ዘይምኻኣሉ’ዩ። እወ ህ.ግ.ዲ.ፍ ማዕረ ክንደይ ድኹም ተጸዋርነት ከም ዘለዎ ዝሕብር ኣውራ ናይ’ዚ ዓብይ ሃገራዊ ጉዳይ ኢሉ ዘንቐሎ ካልኦም ዝዓዘዞም መራሕቲ ህ.ግ.ዲፍ፡ ነቲ ንድሕነት ቁጠባዊ ዕብየት ሃገር ኢሎም ዝወጠንዎ ኮንፈረንስ ጠንጢኖሞ ምኻድ’ዩ። ኣብ’ዚ ክረድኣና ዝኽእል ኣገዳሲ ጉዳይ ከኣ መራሒ መንግስቲ ነቐፈታ ህዝቢ፡ ድምጺ ህዝቢ ዘይጸውር ምዃኑ ጥራሕ’ዩ። እዚ ጉዳይ ኣብ’ዚ በጺሕዎ ዘሎ ናይ ፕርፓጋንዳ ደረጃ ፡ ማዕረ ክንደይ ንወፍሪ ህዝቢ ይብገስ ብሕጂ ዝረአ’ዩ። ይኹን’ምበር እዚ ወፍሪ’ዚ ክዕወት ከም ዘይክእል በዚ ዝስዕብ ነጥቢታት ክግለጽ ይኽእል።

  1. ህዝቢ፡ ኣብ’ዚ ኮንፈርስን ኣስመራ ነቐፈትኡ ቅሬትኡን ደኣ እዩ ኣስሚዑ’ምበር ናይ ወፍሪ ርእሰማል ኣብ መብዛሕትኡክህብ እየ ኣይበልን ።
  2. ምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ወፍሪ ርእሰማል ጥራሕ’ዩ ሓቲቱ ዘሎ፡ ውሕስነት ወፍሪ ማል ኣይተዛረበን ኣይተኻትዐን፡ ምእንቲ’ዚ ኤርትራውያን ምስ’ቲ ዝሓለፈ 21 ዓመት ዝተፈላልየ ናይ ልምዓትን ንግድን ወፍርን ብኸመይ ናይ ውሕስነት ውዕል ሕጂ ገንዘቦም የውፍሩ።
  3. ቅድሚ ሕጂ ናብ ዋናታቱ ዘይተመልሰ ወፍሪ ገንዘብ፡ ሕጂ መን ክመልሶ ገንዘብ ይዋፈር።

እቶም ኣብ 1989 ኣብ ናቕፋ ኮርፐርሽን ገንዘቦም ዘውፈሩ ኤርትራውያን ርእሰማል ዓደግቲ ብርኪ፡ ድሕሪ ነጻነት ነቲ ዝገበርዎ ወፍሪ ምስ ሓተቱ፡ ኢሰያስ ኣፈውርቂ ባዕሉ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣምታት ዝተፈላለየ ትሕዝቶ ዘሎዎ መልሲ ከም’ዚ ክብል መለሰ፡

  1. ንስኻትኩም ገንዘብኩም ንህ.ግ.ሓ.ኤ ኢኹም ሂብኩም፡ ሎሚ እቲ ውድብ የለን ስለ’ዚ መሰጋገሪ መንስግቲ በቲ ዝተዋፈረ ገንዘብ ተሓታቲ ኣይኮነን ።
  2. ንስኻኩም ገንዘብ ኣዋፊርኩም ሂወቶም ንነጻነት ዝወፈዩ ገዝኦም ዘይተመልሱ ኤርትራውያን ከኣ ኣለዉ ንዚኦም እንታይ ንበሎም ክብል ተዛሪቡ ከም ዝነበረ ይሕብሩ።
  3. እቶም ብውክልና ኮርፐረሽን ናቕፋ ሓላፍነት ዝነበሮም ህ.ግ.ዲ.ፋውያን ኣብ መጀመሪያ 90ታት ብዛዕባ ወፍርን ዘኸፈልዎ ዋጋ ብርኪ ክሓቱ ኣስመራ ምስ ኣተዉ፡ ብመደብ ሰባት ተላኢኾም በጃኹም ኢልናኩም ህዝቢ ብደቁ ይዛረብ ንስኻትኩም ከኣ ኣርኪብኩም ብገንዘብ ክትዛረቡ መጺእኹም የኽፋኣልኩም ኣሎ። ንሕና ከም ኣሕዋትኩም ክንመኽረኩም ኢና መጺኣና ዝበሉ ናይ ታሕቲ ታሕቲ ልኡኻት ነቲ ሽማግለ ብታህዲድ ብዘይ ገለ ጭቡጥ መልሲ ክኸይድ ገይሮሞ’ዮም።
  4. ግዜያዊ መሰጋገሪ መንግስቲ በቲ ዝገበሮ ናይ ወፍሪ መደብ ስለ ዝኸሰረ፡ ሎሚ ባዶ ሃገር ተረኪቡ፡ ነቲ ንናቕፋ ኮርፐረሽን ዝኸሰሮ ዘይኮነስ ናብ ህንጸት ሃገርን ዳግማይ ቀጠባዊ ጤሳ ሃገር ከም ዝሓስብ እዩ ዝገለጸሎም።

ሎሚ’ውን ናይ ዝሓለፈ ትያታሮ ድግማ እምበር ሓድሽ ኩነታት ናይ እንካን ሃባን ነጻ ዕዳጋ መኽሰብ ዘለዎ ባይታ ካብ ምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ክመጽእ ከም ዘይክእል ኩሉ ዝፈልጦ’ዩ። በዚ ምኽንያት ከኣ እዚ ዝበሃል ዘሎ ወፍሪ 2013 ኣብ ውሽጢ ህ.ግ.ዲፍ ኮይንካ ክትርእዮ’ውን ክዕወት ዘይክእል ምኻኑ ክበርህ ይኽእል። ኣብነት……

  1. ካቢኔ ሚኒሰትራት ብሙሉኡ ዝወሰኖ ዘይምዃኑ
  2. ፍልልይ ሓሳብ ርእሰ ብሄርን ናይ ዞባ ስርሒት ወታሃደራውያን ሓለፍትን
  3. ኣብ ውሽጢ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ኣስመራ ብተደጋጋሚ ከጋጥም ዝጸንሐ ሕጽረታት

ሀ/ ዋሕዲ ማይ

ለ/ ዋሕዲ ኤለትሪክ

ሐ/ ዋሕዲ ነዳዲ

መ/ ዋሕዲ መዓልታዊ ቀረብ ህዝቢ ( ኣስቤዛ )

ሰ/ ብዝሒ ጥዓን ህዝቢ ንመንግስቲ

እዚ ካብ ሀ ክሳብ ሰ ተጠቒሱ ዘሎ መባእታዊ ክማላእ ዘለዎ ጠለብ እንተደኣ ዘይተማሊኡ፡ ከመይ ገይሩ እዩ እቲ ንዘላቒ ፍታሕ ተባሂሉ ሎሚ ብደረጃ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ብዘለዉ ዜጋታት ህ.ግ.ዲ.ፍ ንዝግበር ወፍሪ ክዕወት። እቶም ኣብ ኤርትራ ዘለዉ ነቲ ዝወሃቦም ትእዛዝ ሃገራዊ ወፍሪ 2013 ብዘይ ማይ፡ ነዳዲ ኤለክትሪክን ካልእ መሳለጢ ክሰርሕዎ እንተዀይኖም ብከመይ እዩ ኣብ ግብሪ ክውዕል? እሞ ሎሚ ነዚ ዓይነት ቅድመ ኵነት መን ይቕበሎ ? ነዚ ዝቕበልዎ እቶም ብክቱር ህ.ግ.ዲ.ፋዊ ትምክሕቲ ዝሓስቡ እንተዘይኮይኖም።

ኣብ መደምደምታ

ህዝቢ ኣብ ዝሓለፈ 21 ዓመት በዚ ስርዓት’ዚ ጸብጺብካ ክውዳእ ዘይክእል ናይ ዝተፈላልየ ጸገማት፡ ኵናት፡ ባህሪ፡ ወዲት እንዳተባህለ 1/3 ዕድሜኡ ብከንቱ ኣጥፊኡ ኣሎ። እዚ 1/3 ዕድመ ከኣ ካብ ኩሉ ማለት ካብ ወለድና፡ ካባናን፡ ካብ ደቅና ዝተወሰደ ዕድመ’ዩ። ስለ’ዚ እዚ ብምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ዝተሰርቀ ግዜ ንኽንመልሶ ደኣ ክንቃልስ ኣሎና’ምበር ደጊም ሕጂ ክንህመልን ክንዝንጋዕን ኣይግባእን። ብኣንጻሩ ነቲ ብከንቱ ዝጠፍኤ ግዜ ኢና ገምጊምና ናይ’ቲ ገምጋም ውጽኢት ከም ወፍሪ ክንርእዮ ዝግበኣና። ሎሚ ብርእይቶይ ከም ወፍሪ ዝቖጽሮ ወፍሪ ሰላምን ራሕዋን፡ ሓድነትን ዲሞክራሲን ልዕሊ ኩሉ ከኣ ልዕላውነት ሕጊ እዩ።

ዘለኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ንስውኣትና !

No comments:

Post a Comment