Pages

Monday, December 10, 2012

ጻዕረ-ሞት ምልካዊ ስርዓት ኢሳያስ ኣፈወርቂ

ጻዕረ-ሞት ምልካዊ ስርዓት ኢሳያስ ኣፈወርቂ
በቲ ልሙድ ባህላዊ ኣዘራርባ፡ ንሓደ ሓሚሙ ኣዝዩ ዝበርትዖ ሰብ ይሰሓግ ኣሎ ክበሃል ይጸንሕ እሞ፡ ኣብ ጥቓ ሞት ምስተቐራረበ ከኣ ይጸዓር ኣሎ ይብልዎ። ኣብ ጻዕረ-ሞት ገጹ ኣብ ዝኸደሉ ከኣ ኩሉ ቤተ-ሰብ ይኹን ካብኡ ርሕቕ ዝበለ ዝምድና ዘሎዎ ኣዝማድ ኣፈርክቡ ተባሂሉ መልእኽቲ ይለኣኽ። ስግኡን ነፍሱን ኣብ ዝተፈላለዩሉ ከኣ ቀባሮ መታን ኣብ ሓመድ ድበ ከርክቡ ክኽእሉ መርድእ ይሰዱ። ኣብ'ዛ ዓለም'ዚኣ ንዘለኣለም ዝነብር ስለዘየለ ከኣ ኩሉ ፍጡር ብዘይኣፈላላይ ማለት ሃብታም ይኹን ድኻ፤ በዓል ስልጣን ይኹን ተራ፡ መዓልቱ ኣኺሉ ንመሬት ይምለስ። እወ! ኣብ ዓለም ከሎኻ ጽቡቕ ታሪኽ ምስ ዝህልወካ ወላ ምስ ሞትካ እውን ብጽቡቕ ትዝከር። በዓል ሕማቕ ታሪኽ ከኣ ብሕማቕ ስለዝዝከር ታሪኽና ከነጸብቕ ንጽቡቕ ተግባር ክንሰርሕ የድልየና።
ኢሳያስ ካብ ግዜ ንእስነቱ ጀሚሩ ምእንቲ ህዝቢ ኤርትራ ተቓሊሱ ክሳብ ናጽነት ኤርትራ ዝረጋገጽ እውን ካብ ቃልሱ ፈልከት ኣይበለን። ኣብ'ቲ ታሪኻዊ ጉዕዙኡ ግና፡ ጽቡቕን ሕማቕን፣ እወንታን ኣሉታን ዝተሓዋውስዎ መድረኻት ሓሊፉ፣ ንናጻ ሃገር ክርኢ ብቒዑ። ህዝቢ እውን ናይ ነጻነት ባህጊ ስለዝነበሮ ብታሕጓስ ሓንጎፋይ ኢሉ ተቐቢሊዎ። ነቲ ዕድል እቲ ተጠቒሙ ከኣ ብዘይ ናይ ህዝቢ ምርጫ ብኢደ-ወነኑ መራሕ መንግስቲ ክኸውን በቒዑ። ይኹን እምበር ከምቲ ኣበው ዝመሰለዎ ‘ላምሲ ምስ ሓራዲኣ ትውዕል’ ከምተባህለ፣ ህዝቢ ኤርትራ ዕድሉ ስለዘየጸበቐሉ ንሓራዲኡን ቀታሊኡን ዝኾነ ሰብ ኢዩ ብጣቕዒትን ብዕልልታን ዝተቐበለ። ኣረመናዊ ስርዓት ደርጊ ተባሕጕጉ፣ ንዕኡ ዝመስል ስርዓት ይትከል ኢዩ ኢሉ ህዝቢ ኤርትራ ኣይሓሰበን። እንታይ ደኣ ካብ ዝነበሮ ናይ ዓመታት ግፍዕን. መከራን ተናጊፉ ኣብ ራህዋን ሰላምን ዝኣቱ ኢዩ መሲልዎ። ኮይኑ ግን ኣብ ክንድኡ፣ እዚኣዶ ትኸውን መሲሉኒ? ዝዓይነቱ ጓህን እህህታን ዝተሓወሶ ስቓይን መከራን ዓዛብን ዕለታዊ ስንቂ ህዝቢ ኤርትራ ኮይኑ ኣሎ።
ኢሳያስ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘለዎ ሕልናን ኣተሓሳስባን፣ እዚ ኢዩ ክትብሎ ዘይትኽእለሉ ኢዩ በጺሑ። ጸላኢ ከይከውን ምእንቲ ሃገራዊ ነጻነት ተቓሊሱ፡ ፈታዊ ከይትብሎ ንህዝቢ ኤርትራ ከጽንቶን ሓመድ ድፋጭኡ ከብልዖን ከሎ ከኣ ኣይግድን ትብል። ከም'ቶም ኩሎም ኣብ ዓለምና ዝተራእዩ መለኽቲ ከኣ፣ ኢሳያስ ብኹሉ ተግባራቱ ካብኦም እንተዘይዛይዱ ካብኦም ከምዘሓይሽ ብግብሪ ኣመስኪሩ እዩ።
ሎሚ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ውልቀ-መላኺ ስርዓት ኮይኑ፣ ነቲ ምሒር ግፍዕን ጭኮናን ጥሜትን ናተይ ኢሉ ይልብለብ ኣሎ። ሕጉስ ዲዩ? ዘሎ ኢልና ምስ እንሓትት ግን፡ ፈጺሙ ኣይኮነን ኢዩ መልሱ። ንምታይ ደኣ ነዚ ኩሉ ዓዛብ ብስቕታ ዝጽመም ዘሎ ተባሂሉ ይሕተት ይኸወን። እቲ መልሲ ከእ ቀንዲ ምኽንያት ኣብ ተቓወምቲ ደቁ ምእትእምማን ስለዘይብሉ እምበር ፈትዩ ኣይኮነን። ኢሳያስ፡ ብዲፕሎምስን፡ ቁጠባን፡ ፖለቲካውን፡ ማሕበራውን ኮታ ብኹሉ ብዘይካ ስለያዊ መሓውሩ ካልእ ኩሉ ተቐርሲሙ ኢዩ። እቲ ስለያዊ መሓውሩ እውን እንተኾነ ንቑሩብ ግዜ ደኣ እምበር ነዊሕ ግዜ ከይወሰደ ክሕምሸሽ ኢዩ። ምኽንያቱ እቲ ስለያዊ መሓውራቱ እናተኸሽሐን፡ ዘዝመልመሎም እናሃደሙን ኩሉ ሰራውሩ ምስ ግዜ እናተባሕጐገ ኢዩ ዝኸይድ ዘሎ። ኢሳያስ ከም ናይ ስነ-ኣእምሮኣዊ ጸገም ዘሎዎ ሰብ ኣብ ብስጭትን ተስፋ ምቝራጽን እናጠሓለ ኢዩ ዝኸይድ ዘሎ። ዓቕሉ ክጸቦ ከሎ እናተገላበጠ ከም ንመናፈሻ ዝዛወር ባእታ ናይ ብጽሖት መደብ የውጽእ እሞ ዞባ ደቡብ፡ ዞባ ጋሽ ባርካ ወይ እውን ሰምሃር እናዞረ ሰነ-ኣእምራዊ ጨንቀቱ ነብሱ ከደዓዕስ ይፍትን። እዚ ምስተወድኦ ከኣ ነቶም ከምድላዩ ዝፈናጥሖምን ዝሰርሖምን መጋበርያታቱ ክፈላልዮምን ኣብ ነንሓድሕዶም ከምዝጠራጠሩ ንምግባር ንዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ዝሕግዙ ተንኮላት ይኣልም።
ሕሉፍ ሓሊፉ፡ ባዕሉ ሓንጻጺ ባዕሉ ኣተግባሪ ኮይኑ ዘዋፍሮ ዘሎ መስርሕ ናይ ህዝቢ ብረት ምዕጣቕ፡ ላዕለዎት ወተሃደራዊ ሰብ-ስላጣን ከይፈለጡ ትሕቲኦም ብዘለዉ ከተግብሮ ምፍታን፣ ነቶም ላዕለዎት ሰብ-ሰልጣናት ኣብ ጥርጠራ ከእትዎም ምዃኑ ርዱእ ኢዩ። በዚ ዝኸዶ ዘሎ ኣገባብ ኣብ ደረጃ ምስሓግ ዝበጽሐ ዘሎ ይመስል። እዚ ከኣ እቶም ላዕለዎት ወተሃደራዊ ሰበ-ስልጣን ከይፈለጡ ብትሕትኦም ዘለዉ ገይሩ ናይ ብረት ምዕጣቕን ወተሃደራዊ ምልመላን ከካይድ ምህቃኑ፡ ክልተ ዝተፋነኑ መደበር ሓይሊ ክፍጠር ስለዝደለየ ኢዩ። ከምዚ ኢሉ እናተተፋነነ ዝምዕብል ከኣ ዘምጽኦ ሰበብ ኣለዎ። ክምቲ ምስላ ኣበው ከኣ ’ጎቢየ ምስ መዘዝካ ንየ’ ክምዝበሃል ኢዩ ነገሩ። እዚ እምበኣር ኢሰያስ ኣብ ክትኮስ ተቐራሪቡ ዘሎ እሳተ-ጎመራ ተገማጊሙ ከምዘሎ ኢዩ ዝእምት ። ምኽንያቱ ክልተ እናተተፋነነ ዝጎዓዝ ዘሎ ናይ ስልጣን ተገፈፍኩ ዝብልን ስልጣን ክሕሉ ዝብልን ሸነኻት ክቀላቐል ስለዝኾነ። ኣብ'ዚ ግዜ እዚ ከኣ ጻዕረ-ሞት ዝበጽሓሉ እዋን ኢዩ ክኸውን።
ካብ'ዚ ጻዕረ-ሞት እዚ ናብ ትንፋስ ዝስዅዓሉ ሃዋህው ክህሉ ግን ይኽእል ኢዩ። ንሱ ድማ እቲ ኣተሃላልዋ ናይ ዘይስሙርን ዝይስጡምን ደምበ ተቓውሞ ሓይልታት ኤርትራ ኢዩ። እዚ ተቓውሞ እዚ ነቲ ኣብ'ዚ እዋን እዚ ብርግጽ ናይ ኢሰያስ ስርዓት ይሰሓግ ምህላዉ እንዳፈለጠ፣ ኣብ መሰረታውያን ዘይኮኑ ውሽጣዊ ሃልክታት ግዚኡ ከጥፍእን ክነጻጽል ከሎ ንስርዓት ንኢሰያስ ትንፋስ ይህቦ ኣሎ ማለት እዩ። ካልኣይ ነጥቢ መንእሰያትን ኣረገውትን ብምባል ንፖለቲካ ያኢ ኣብ ክንዲ ብስነሓሳብ ብዕድመ ተፈላሊኻ ናይ ምቅላስ ዝዓይነቱ ምቅልቓል ነቲ ሃለዋት ስርዓት ኢሳያስ ህይወት ክህቦ ይኽእል፣ ይህቦ እውን ኣሎ። ሳልሳይ ነጥቢ እቲ ናይ ዶብ ዘይምሕንጻጽ ስርዓት ኢሳያስ ከም መመኽንይታ ዝጥቀምሉ ዘሎ ጉዳይ እውን ገለ ህይወት ክህቦ ይኽእል ኢዩ። ስለዚ እቲ ናይ ኢሳያስ ሓመድ-ድበ ክቀላጠፍን፣ ደምበ ተቓውሞ ድማ፡ ንኣፍ-ኣርክቡ ስርዓት ከቀላጥፍ እንተኾይኑ፡ ንጹር መትከላዊ ራኢ ወኒኑ፡ ብሓደ ሃገራዊ መቘሚታት ተማእኪሉ ዝኸይድን ንኹሉ ዘሳትፍ ሓደ ሃገራዊ ጽላል ክምስርት የድሊ። ብተወሳኺ ኩለን ውድባትን ሰልፍታትን እቲ ናይ ዶብ ምሕንጻጽ ጉዳይ ብዘይ ወዓል ሕደር ተጽዕኖ ገይረን ኣብ ግብሪ ከምዝውዕል እንተዝገብራ እቲ ጻዕረ-ሞት ክቃላጠፍ ምሓገዘ። ካብኡ ብዝተረፈ ምልካዊ ስርዓት ኢሳያስ ኣብ ደርጃ ምንቁልቋል ዝበጽሓሉ ግዜ ደምበ ተቓውሞ ክጭጭሕን፡ ኣብ ውሽጣዊ ሃልክታት ነንሕድሕደን ክቋሰላን ግዜኤን ምስ ዘባኽና ግን ናይ ምልኪ ኣደራዕ ኣብ ህዝብና ክቕጽልን ሃገር ኣብ ሓደጋ ክትሳጣሕን ግደ ንጻወት ምህላውና ክንዝንግዕ የብልናን።

No comments:

Post a Comment