Pages

Monday, December 10, 2012

እቲ ኣብ በርገን ዝተጀመረ ቃልሲ ኣንጻር ህግደፋውያን ኣብ ኦስሎ ብዓወት ተዛዚሙ


እቲ ኣብ በርገን ዝተጀመረ ቃልሲ ኣንጻር ህግደፋውያን ኣብ ኦስሎ ብዓወት ተዛዚሙ። ዝርዝራቱ እንሆ፡-
- እቲ ኣብ በርገን ክካየድ ዝተሓስበ ጓይላ ህግደፍ ምሉእ ብምሉእ ከም ዝፈሸለ ምድጋም ዘድሊ ኣይኮነን። ኣብዚ እዋንዚ፡ ወይጦታት ህግደፍ ዝህዙዎን ዝጭብጡዎን ጠፊኡዎም ሕብኡና ሕብኡና ይብሉ ኣለዉ። ልዕሊ ዅሉ ግን እቶም ከም ኦኣሳ ክገፉዎም ዝሓሰቡ ኣብ ካምፕ ዝነብሩ ክንደይ ባሕርን ምድረበዳን ሰጊሮም ዝመጽኡ መንእሰያት ሕልናኻ ካብ ዝወቅስ እከይ ተግባር ኣብ ራሲ ምድሓኖም፡ ኣፍልቦም ነፊሖም ክኸዱ በቒዖም ኣለዉ።
- ኣብ ስታቫንገር ዝነበረ ኵነታት ኣዝዩ ፍልይ ዝበለ’ዩ። ወይጦታት ህግደፍ ዝተካረዩዎ ኣደራሽ ድሕሪ ምስኣኖም፡ ካብ መዓርፎ ኣውቶቡስ 5 ደቒቕ ዝምርሓቑ ሆቴል ክካረዩ ተገዲዶም። ግንከ፡ ብራዕዲ ተዋሒጦም ነቶም ወይጦታቶም ከይተረፈ ስለ ዘይኣመኑዎም፡ ጓይላ ኣበይ እዩ ክካየድ እንተ በሉዎም፡ “ናብ እንዳ ኣውቶቡስ ጥራይ ምጽኡ” ዝብል መልሲ ይህቡዎም ነይሮም። እቲ ሆቴል ባዕሉ መስተን ምግብን ስለ ዝሸይጥ ግን ህግደፋውያን ነቲ ብኮንትሮባንድ ሸሚቶም ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዝሸጡዎ ዝነበሩ መስተ ክሸጡ ብዘይምኽኣሎምን፡ ክራይ ኣደራሽ ማዕረ 70 ሽሕ ክሮነር ስለ ዝበጽሕን ኦኣቢ ክሳራ ኮይኑዎም። ልዕሊ ዅሉ ዘሰምበዶም ግን ኣባላት ደለይቲ ለውጢ ኣብ ጋዜጣታት ስታቫንገር ምስ ኣቃልዑዎምን ርእይቶኦም ክህቡ ብጋዜጠኛ ተሓቲቶም ክቐርቡ ዘይምኽኣሎምን ነይሩ። እዚ ጥራይ ዘይኮነ ግን፡ ከንቲባ ስታቫንገር፡ ንዅሉ ኵነታቶም ድሕሪ ምዕዛብ፡ “ደጊም ማሕበር መንእሰያት ህግደፍ ወይ ዝብሃል ነገር ክንሰምዕ ኣይንደልን ኢና። ኣብ ምሉእ ኖርወይ ድማ ክቃልዑ ኣለዎም፡” ዝብል ቃላት’ውን ተዛሪቡ። እዚ ብሓቂ ዓቢ ጽፍዕት’ዩ።
- ብወገን ኦስሎ እንተ ኾይኑ ካብቲ ናይ ስታቫንገርን በርገንን ብዙሕ ዝፍለ ኣይነበረን። ህግደፋውያን ኣብቲ ዝለመዱዎ ኣደራሻት ክራይ ስለ ዘይረኸቡ፡ ላዕልን ታሕትን ክብሉ ድሕሪ ምቕናይ ብ40 ሽሕ ክሮነር ድሕሪ ምክራይ፡ ኣብቲ ጓይላ ኣብ ክንዲ እቲ ልሙድ 700 ዝግመት፡ 200 ሰባት ጥራይ ተሳቲፎም። ናይዚ ምኽንያት ድማ ደለይቲ ለውጢ ኣብ ቤትክርስትያናት፡ መሳጊድን ጐደናታትን ሓያል ጐስጓሳት ስለ ዘካየዱ ምዃኖም ክፍለጥ ይግብኦ።
ስለዚ፡ ህግደፍ ብዓውታ ክዛረቡሉ ዝኽእሉ ግዜ ኣብቂዑ ዝሕብኡሉ ደረጃ በጺሖም ኣለዉ። ትማሊ ትማሊ ‘ጓይላ ኣሎ! ኣብ ከምዚ ቦታ፡ ከምዚ ጐደና’ ይብሃል ከም ዘይነበረ፡ ሎሚ ነቶም ናቶም ወይጦታት ከይተረፈ ዘሰከፈ ብስምጢር ምጽዋዕን ኣስማት እናጠቐስካ ቴለፎናት እናጠተቐምካ ብምስጢር ምጽዋዕ ኮይኑ ኣሎ። ስለዚ፡ ኩላትና ኢደኢድና እንተ ደሲቕናዮ ህግደፍ ብባኮ ዝተሰርሀ ገዛ ኮይኑ ከም ዘሎ ተጋሂዱ ኣሎ።
ደለይቲ ለውጢ ኖርወይ

No comments:

Post a Comment