Pages

Wednesday, December 26, 2012

ትኹረትና ንቕድሚት እምበር ንድሕሪት ክኸውን የብሉን

ብዛዕባ ዝሓለፈ ታሪኽና ዘለና ሚዛን እተፈላለየ ምዃኑ ንህሉውን መጻእን ስራሕና ዝዕንቅፍ ክኸውን ኣይግብኦን።ታሪኽ ንተመራመርቲ ታሪኽ ክንገድፎ’ዩ ዘሎና።
ኣብ ዘለናዮ መድረኽ ብቓላትና እነጸብቖ ይኹን እነኽፍኦ ታሪኽ ክህሉ ኣይክእልን እዩ። ታሪኽና እንተስ ክጽብቕ እንተስ ክሓምቕ ዝተፈጸመ ሕሉፍ ፍጻሜ ስለዝኾነ ከምዘለዎ ከም ጭብጢ ተቐሚጡ’ዩ ዘሎ። ፈቲናዮ ይኹን ጸሊእናዮ ከነጉድለሉ ይኹን ክንምልኣሉ ዘኽእለና ስልጣንን ሓይልን ከኣ የብልናን። እንተኽኢልና ንተማራመርቲ ታሪኽ ዝኸውን ጭብጥታት ክንዕቅብን ክንቅርብን’ዩ ዘሎና። ካብ ከም’ዚ ዝመስል ግንዛበ ተበጊስና ነቲ ኣብ ኣናብባ ታሪኽ ዘሎና ፍልልይ ንህልውን መጻእን ቃልስና ክዕንቅፍ ከነፍቅድ የብልናን ንብል።
ጆን ኦፍ ከነዲ “ነቲ ዝሓለፈ ወቐሳ ከነዓሪ ካብ ምጽዓር፡ ንዝመጽእ ብሓላፍነት ምስራሕ ይሓይሽ” ኢሉ ነይሩ። ብዝሓለፈ ጌጋታት ዝሓሙ ኤርትራውያን ከምዘለው ኣይንዘንግዕ። ኣብ ዝሓለፈ ታሪኽና እንተስ ብፍላጥ እንተስ ሰኣን ዓቕምና ብዝፈጸምናዮ ጌጋታት ኣብ ልዕሊ ገለ ዜጋታትና ከቢድ በሰላ ከምዘሎ ማንም ክዝንግዖ የብሉን። ሰውራ ኤርትራ ክልተ ሴፍ’ዩ ነይሩዎ። እቲ ሓደ ሴፍ ንጸላእቲ ዝቑርምድ’ዩ ነይሩ። እቲ ካልኣይ ሴፍ ግን ንገዛእ ኣሕዋትና ዝቖረጸ ብምዃኑ ኣብ ውሽጥና ቃንዛ ከምዘሎ ወይ ከምዝገደፈ ክንዝንግዕ የብልናን። ነዚ ከይዘንጋዕና ግን ንድሕሪት ተመሊስና ንምንጪ ሑሉፍ ቃንዛታትና ኣናዘከርና ንህሉው ቃልስና ብዝዕንቅፍ መንገዲ ክንዋሳእ ቁምነገር የብሉን። እቲ ዝሐሸ ክንገብሮ ዘሎና ካብ ዝሓለፈ ተማሂርና ተወሳኺ ቃንዛ ከይርከብ ብዕቱብ ኣብ ህሉውን መጻእን ክንሰርሕ’ዩ ዘሎና።
እቶም ንሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዘቖምና ሓይልታት ንሕሉፍ ታሪኽ ዝያዳ ክብሪ እንተንህቦ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ተመስሪቱ ክቕጽል ኣይምኸኣለን። እዚ ማለት ከኣ እቶም ኣብ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ እንርከብ ኣባላት፡ ንታሪኽ ዘለና እተፈላለየ ኣናብባ ንህሉው ቃልስና ዕንቅፋት ክኸውን ኣየፍቀድናን ማለት እዩ። ኣብ ህልውን መጻእን ዕድል ሃገርና ተመሳሳሊ ርእይቶ ዘለና ምዃንና ጥራይ፡ ዝያዳ ክብርን ዋጋን ስለ ዝሃብናዮ ኣብ ሓደ ሰልፊ ተጠርኒፍና ክንቃለስ በቒዕና።
ኣብ ደምበ ተቓውሞ ክንርእዮ እንደሊ'ውን ተመሳሳሊ ጠባይ እዩ። ውድባት ኤርትራ ኣናብባና ንታሪኽ እተፈላለና ኢና። ንታሪኽ ዘሎና ኣናብባ ሓደ ክኸውን ኣለዎ ኣብ ዝብል ርእይቶ እንተኣቲና ከኣ፡ ፍጹም ክንሰማማዕ ኣይንኽእልን ኢና። ንሕሉፍ ታሪኽ ንተረኽቲ ገዲፍና ኣብ ህልውን መጻእን ዕላማታት ህዝብና ኣትኲርና እንተሰሪሕና ግን ብርግጽ ስምምዕ ክርከብ እዩ።
እቲ ኣብ ቅድመና ዘሎ ምርጫ እምበኣር ንጹር እዩ። ንታሪኽ ንተረኽቲ ገዲፍካ ንቕድሚት ምስጓም ወይ ከኣ ንሕሉፍ ታሪኽ ዝያዳ ክብሪ ሂብካ ንህልውን መጻእን ቃልስና ኣብ ዝዕንቅፍ ሓሸውየ ምእታው እዩ። ንህሉው መላኺ ስርዓት ስዒርና ንህዝብና ካብ ዘለዎ ስቓይ ከነውጽኦ እንተደሊና እቲ ክንመርጾ ዘለና ንጹር እዩ። ንዝሓለፈ ታሪኽ ከነዓሪ ወይ ክንወቅስ ግዜና ካብ ምጥፍእ ንህልውን መጻእን ቃልስና ዝጠቅም ስራሕ ክንሰርሕ’ዩ ዘለና።
ነልሰን ማንደላ ነቶም ኣብ ልዕሊ ጸለምቲ ግፍዒ ዝፈጸሙ ጸዓዱ ክቐጽዕ እንተዝብገስ፡ ታሪኽ ደቡብ ኣፍሪቃ ፍጹም ምተቐየረ ነይሩ። እዚ ሕጂ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ እንርእዮ ዘለና ሰላምን ቅሳነትን ምናልባት ክርከብ ኣይምተኻእለን። ማንደላ ግን እቲ ዝሓለፈ ታሪኽ ምስ’ቲ ዘቐንዙ ዛንታቱ ክርሳዕ’ዩ ጸዊዑ። ጸለምትን ጸዓዱን ደቡብ ኣፍሪቃውያን ብሓደ ንህሉውን መጻእን ዕድል ሃገሮም ክጥምቱ’ዩ መኺሩ። ንሃገርና ዘድሕን'ውን ከምዚ ዝመስል ልቦና እምበር ኣብ ስሚዕት ዝምርኮስ ተጻይ መልስታት ኣይኮነን። እቶም ሎሚ ኣብ ፖለቲካ ኤርትራ እንዋሳእ ዘሎና ኣካላት እምበኣር ንታሪኽ መጓሰጢ መድረኽ ካብ ምግባሩ ተቖጢብና ንቕድሚት ክንጥምት የድልየና።
ባህግታት ህዝብና ክንምልስ፡ ግስጋሰ ክርከብ ምእንቲ፡ ትኹረትና ንቕድሚት እምበር ንድሕሪት ክኸውን የብሉን። ዝሓለፉ በሰላታትና ሓኺኽና ከነቑስሎም እንተመሪጽና ዝያዳ ቃንዛ ክንዕድግ እምበር ካልእ ቁምነገር ክንገብር ኣይኮናን። ስለዚ ንሕሉፍ በሰላታትና ከይተንከፍና ሓዲሽ ቁስሊ ከይርከብ ብጥንቃቐ ክንሰርሕ’ዩ ዝሓሸ። መጻኢና ብህሉው ኣተሓሕዛና ንጉዳያትና’ዩ ዝውሰን። በዚ ምኽንያት ኣሉታዊ ታሪኽና ከይድገም ኣተሓሕዛና ንጉዳያት ንብሩህ መጻኢ ህዝቢ ኤርትራ ዝድግፍ ክንገብሮ ክንቃለስ’ዩ ዘለና። ኣብ እዋናዊ ዘይኮነ ጉዳያት ንገዛእ ነብስና ተፈላሊና ንህዝብና ፋሕ እንተቢልናዮ ግን እቲ እንሓፍሶ ንኹልና ዘሐጉስ ክኸውን ኣይኮነን።ካብ’ዚ ነቒልና ትኹረትና ንቕድሚት እምበር ንድሕሪ ክኸውን የብሉን ንብል።

No comments:

Post a Comment