Pages

Monday, January 21, 2013

ዝኣደሙ ወተሃደራት ኤርትራ፡ ንቤት ጽሕፈት ሚኒስትሪ ዜና ኣብ ትሕቲ ቍጽጽሮም ኣእትዮም

ዝኣደሙ ወተሃደራት ኤርትራ፡ ንቤት ጽሕፈት ሚኒስትሪ ዜና ኣብ ትሕቲ ቍጽጽሮም ኣእትዮም
epdp-logo3ብኽልተ ድሩዓት መኻይን ዝተሰነዩ ክሳብ 200 ዝግመቱ ወተሃደራት ኤርትራ፡ ሎሚ ሰኑይ ዕለት 21 ጥሪ 2013 ነቲ ኣብ ፎርቶ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ሚኒስትሪ ዜና ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽሮን ከምዘእተውዎ ተሓቢሩ።
እቶም ወተሃደራት ነቶም ኣብኡ ዝጸንሕዎም ሓለፍቲ እቲ ሚኒስትሪ ኣብ ሓደ ውሱን ክፋል ናይ’ቲ ህንጻ ሒዞምዎም ኣለዉ። ኣብ’ዚ ቀረባ እዋን ኣብ’ቲ ሚኒስትሪ ክትሰርሕ ዝተመደበት ኤልሳ ኢሳያስ፡ ጓሉ ንፕረሲደንት ኢሳያስ፡ ካብ’ቶም ኣብ ቍጽጽር ዝውዓሉ ሰራሕተኛታት ምዃና ውን ተገሊጹ።
ጋዜጠኛ ኣስመላሽ ኣብርሃ በቶም ዝኣደሙ ወተሃደራት ተገዲዱ፡ ቅዋም ኣብ ግብሪ ክውዕል ኢዩ፣ ናይ ፖለቲካን ስግረ ዶብ እሱራትን ክፍትሑ ኢዮም ዝብል መግለጺ ብተለቪዥን ድሕሪ ምሃቡ፡ ኤሪቲቪ፡ ድምጺ ሓፋሽ፡ ረድዮ ዛራን ካብ ፈነወ ውጻኢ ኰይነን ምጽንሐን ተፈሊጡ ኣሎ።
ኣብ ኣስመራ ይኹን ወጻኢ ካብ ኣስመራ እቲ ኵነታት ህዱእ ከምዘሎ’ዩ ዝተፈላለዩ ናይ ኤርትራውያንን ወጻእተኛታትን ምንጪታት ክሕብሩ ጸኒሖም።
ድሒሩ ዝመጸ ሓበሬታ፡ ደገፍቲ ናይ’ቲ ስርዓት ዝዀኑ ወተሃደራት፡ ነቶም ኣድመኛታት ኣኽቢቦምዎም ኣለዉ ዝብል ኢዩ። ከምኡ’ውን፡ ኤሪቲቪ ንቡር ፈነወኣ ጀሚራ ኣላ።

ለውጢ ብሓይሊ ህዝቢ ኤርትራ ክረጋገጽ እዩ

Friday, 18 January 2013 20:27
epdp-logo3
ሰድህኤ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ እምነት ኣሕዲሩ ነቶም ኣብ ፕሮግራሙን ቅዋሙን ኣቐሚጥዎም ዘሎ፡ ኣብ ቀረባ ይኹኑ ኣብ ርሑቕ ክረጋገጹ ዘለዎም ፖለቲካውን ምጣነሃብታውን ማሕበራውን ዕላማታት ከዓውቶም ቆሪጹ እተበገሰ ሰልፊ እዩ።
ሕልሚ ሰድህኤ፡ ብሓይሊ ህዝቢ ኤርትራ፡ ሃገርና ሰላም ዝሰፈና ፍትሓዊትን ብልጽግትን ክትከውን ምዃና እዩ። ኣብ ቅዋም ሰልፊ ተቐሚጦም ዘለው ቀንዲ ኣምራት ከኣ በዚ ዝስዕብ ገሊጽዎም ኣሎ።
-1-

ሰላም

ሰላም ቀንዲ ቅድመ ኩነት ንምርግጋጽ ፍትሕን ብልጽግናን ምዃኑ ንኣምን። ህዝቢ ኤርትራ ብሰሪ ሰንሰለታዊ ባዕዳዊ መግዛእትታት ንመዋእላት ሰላም ስኢኑ እተሳቐየ ህዝቢ እዩ። ድሕሪ እቲ ብኽቡር መስዋእቲ ደቁ እተረኽበ ናጽነት ሃገር፡ ኩሉ ሕሉፍ ስቅያቱ መደምደምታ ረኺቡ ሰላም ዘውሕስ ኩነታት ክፍጠር ነይርዎ። ሰላም ግን ንባዕዳውያን ገዛእቲ ብምስጓግ ጥራይ ክረጋገጽ ኣይከኣለን። እቲ ድሐሪ ናጽነት ኣብ ሃገርና እተተኽለ ስርዓት ብዓንዳሪ ፖሊሲ ውግእ ንህዝብና ጌና ኣብ ዘይቅሱን ኲነታት ከምዝነብር ገይርዎ ኣሎ። በዚ ምኽንያት፡ ሰዲህኤ ንህሉው ኲነታት ሃገርና ብመሰረቱ ንምቕያር ኣብ ዘካይዶ ዘሎ ቃልሲ፡ ምርግጋጽ ሰላም ቀንዲ ዕላምኡ እዩ። ንሰላም ከም ቀንዲ ዕላማን፡ ቅድመ ኲነት ንምርግጋጽ ፍትሕን ብልጽግናን ገይሩ ስለ ርእዮ ከኣ፡ ንመላኺ ስርዓት ኣልጊሱ፡ እቲ ንወተሃደራዊ ሓይሊ ምልኪ ኣብ ምዕባይ ዝውዕል ዘሎ ዓቕሚ ሃገርናን ህዝብናን መንእሰያትናን፡ ኣብ ምርግጋጽ ሰላምን ፍትሕን ብልጽግናን ክውዕል ከይተሓለሎ ክቃለስ እዩ። እቲ ገደብ ግዜ ዘይብሉ፡ ንኣእምሮን ጉልበትን መንእሰያት ሃገርና ብኸንቱ ዘህልኽ ዘሎ፡ ዘይሕጋዊ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ህሉው ስርዓት ሰሪዙ፡ ንመሰልን ጉቡእን መንእሰያትን ኤርትራ ብሚዛን ዝሕዝ፡ ንመጻኢ ዕድሎም ብሓልዮት ዝምልከት ፖሊሲ ከተኣታቱ እዩ። ሰላም ኣብ ሞንጐ ኤርትራውያንን፡ ምስ ጐረባብቲ ሃገራትን ዓለምን ክረጋገጽ ከኣ ቀንዲ ዕላምኡ ገይሩ ክቃለስሉ እዩ።

-2-

ፍትሒ

ፍትሓዊ ስርዓት ምትካል፡ ዋሕስ ሰላም ምዃኑ ንኣምን። እቲ ንፖለቲካውን ሰብኣውን መሰላት ህዝቢ ኤርትራ ረጊጹ ዝገዝእ ዘሎ መላኺ ስርዓት ኤርትራ፡ ረብሕኡ ሃገርና ኣብ ቀጻሊ ኩነታት ውግእ ክትነብር ከላ እዩ። ሰላማዊ ኲነታት፡ ትኹረት ህዝብና ኣብ ጉዳይ ምምሕዳር ሃገሩን ኣብ ጉዳይ መሰላቱን ክጽመድ ምቹእ ኩነታት ስለ ዝፈጥር፡ መለኽቲ ንሰላም ዝዕንቅፍ ቐጻሊ ተንኮላት ኣብ ምእላም ይርከቡ። ሰዲህኤ ብእንጻሩ፡ ፍትሓዊ ስርዓት ንምትካል ቆጸራን መመኽነይታን ዘየድልዮ ህጹጽ ታሪኻዊ ጠለብ ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑ ስለ ዝኣምን፡ ንመለኽቲ ብኹሉ መደያት እናበደሀ ነቲ ፈታው ውግእን ዓንቃፍን ዕላምኦም እናእቃልዐ ኣብዝሓ ሰልፍታት ዝመሰረቱ ፍትሓዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ንምትካል’ዩ ዝቃለስ።

-3-

ብልጽግና

ብልጽግና ቀዳማይ ኣጀንዳ ሃገርና ዝኸውን፡ ህዝብና ብኹሉ ዓቕሙ ኣብ ምቕያር መነባብርኡ ተጸሚዱ ክዕወት ዝኽእል፡ ሰላምን ፍትሕን ኣብ ዝተረጋግጸሉ ግዜን ኲነታትን ምዃኑ ንኣምን። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ድኽነትን፡ ድሕረትን፡ ሕማምን፡ ድንቁርናን ዝርከብ ብሰሪ እቲ ክሓልፎ ዝጸንሐ ሰላም ዘበዀሮ ዘይቅሱንን ዘይፍትሓውን ኲነታት እዩ። እዚ ኲነታት እዚ ብመስረቱ ተቐይሩ ሕረስ ሓረስታይ ንገድ ነጋዳይ ዝብል ናጻ ዕዳጋ ዝመሰረቱ ስርዓት እንተድኣ ተተኺሉ ግን፡ ህዝብና ጻዕረኛን ንመነባብርኡ ንምቕያር ዓቕሚ ዘለዎን ብምዃኑ ሃገርና ክትዕንብብን ክትብልጽግን ምዃና ንኣምን።

ሰዲህኤ ነዞም ኣብ ላዕሊ ተቐሚጦም ዘለው ስለስተ ኣምራት ኣብ ቅዋሙ ብንጹር ከስፍሮም ከሎ፡ ለውጢ ብሓይሊ ህዝቢ ኤርትራ ክረጋገጽ ምዃኑ ምሉእ እምነት ስለ ዘሕደረ እዩ። ግደ ሰልፍታትን ውድባትን ንህዝቢ ምምሃር ምውዳብ ንቓልሲ ምትብባዕ እዩ። እቲ ታሪኽ ክሰርሖ ዘለዎ ግን ህዝብና ባዕሉ እዩ። ንህዝቢ ኤርትራ ተኪኡ ባዕሉ እተኸሸነ ጸጋ ከምጽእ ዝማባጻዕ ሓይሊ ቅኑዕ መንገዲ እተኸተለ ኣይኮነን።መብዛሕትኡ ኣብ ውድባት ኤርትራ እንርእዮ ዘለና መሰረታዊ ጌጋ ድማ ከምኡ ዝመስል እዩ።ተቓወምቲ ውድባትን ሰልፍታትን ግደአን ንህዝብና ምምሃር ምውዳብ ንቓልሲ ምትብባዕ ምዃኑ ኣጽኒዐን እንተሕዘንኦ ኩሉ እቲ ኣብ ዕግርግር ዘእትወና ዘሎ ዓለባታት ምተቐንጠጠ ነይሩ። ስርሕና ድማ ክንደየናይ ኣድማዕን ኣፍራይን ምዃነ። እዚ ተዘንጊዑ ኣብ ካልእ ጓል ነገር ምስ ኣድሃብና ግን ከበድቲ ቅርጽታትን ሰነዳትን ኣብ ምድላው ግዜና ኣጥፍእና ኣብ ፍጹም ከሰሓሕብ ዘይግብኦ ጉዳያት ነብስና ክንልሕጽጽ ንርአ ኣለና።
ለውጢ ብሓይሊ ህዝቢ ኤርትራ ክረጋገጽ እዩ። ንለውጢ ደው ዘብል ሓይሊ ድማ ክርከብ ኣይኮነን። እቶም ንግዝያዊ ጸገማት ኣጋኒኖም እናረአዩ ተስፋ ዝቖርጹ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ እምነት ክህልዎም ንመክር። ቃልስና ብዓቐብን ቅልቁልን ክሓልፍ’ዩ ኣብ መወዳእታ ግን ህዝቢ ኤርትራ ክዕወት ምዃኑ ፍጹም ኣብ ምጥርጣር ክወድቕ የብሉን። ለውጢ ብርግጽ ብሓይሊ ህዝቢ ኤርትራ ክረጋገጽ እዩ።

Wednesday, January 9, 2013

ጓሉ ንሚኒስተር ዜና ነበር ዓሊ ዓብዱ

ጓሉ ንሚኒስተር ዜና ነበር ዓሊ ዓብዱ ከምዘይተኣስረት ምንጭታት ካብ ኤርትራ ደጊሞም ኣረጋጊጾም።
ጓሉ ነቲ ንስርዓት ህግደፍ ራሕሪሑ ኣብ ወጻኢ ዑቕባ ዝሓተተ ሚኒስተር ዜና ነበር ዓሊ ዓብዱ ብህግደፍ ከምዘይተኣስረት ምንጭታት ካብ ኤርትራ ደጊሞም ኣረጋጊጾም።
ብ27 ታሕሳስ 2012፡ ጓል 15 ዓመት ሲሃም ዓሊ ዓብዱ ብሓይልታት ጸጥታ ህግደፍ ተታሒዛ ኣብ ግላስ ተኣሲራ ከምዘላ ዝተዘርግሐ ወረ መሰረት ከምዘይብሉ ዝጠቐሱ ምንጭታት፡ እቶም ኣሰራ ንምርካብ ሃነፍነፍ ዝብሉ ዘለዉ ሓይልታት ጸጥታ ህግደፍ፡ ዋላ ካብ ጎረቤት ሃገር ጨውዮም ናብ ኤርትራ ከምጽኡዋ ሕኒን ይብሉ ከምዘለዉ ኣገንዚቦም።
ሚኒስተር ዜና ነበር ዓሊ ዓብዱ፡ ንስርዓት ህግደፍ ራሕሪሑ ኣብ ወጻኢ ዑቕባ ካብ ዝሓትት ልዕሊ ክልተ ወርሒ ኣሕሊፉ ኳ እንተሎ: ዛጊት ንኩነታቱ ብወርግዒ ኣይተዛረበሉን።


ሽኩሹካ ዓሊ

ሽኩሹካ ዓሊ
ዓሊ!
እዚ ኩሉ ክሳድ እዚ ኩሉ ስብሒ
እቲ ኩሉ ጉራ እቲ ኩሉ ነዝሒ
እዚ ኩሉ ሓሶት እዚ ኩሉ ነፍሒ
ብኽንድገልኡ ኮይኑና’ምበር ዑንቂ
ዓሊ!
እዋን ሓደ ግዜ ምጥፋእ ናይ አያኡ
ይብል ደይነበረን አሎ ገና ኢሱ
ዕደ ነሳእክን ካብ ሙታን ተንሲኡ
ብልቡ ገዲፉ ብብርኩ አስተንፊሱ
ዓሊ ፍርቂ ሚኒስተር!
እንታይ ኮን ትኸውን ማዕዶ ዘስፈረቶ
ፎርቶዶ ትኸውን ዓቀብ ተሪራቶ
ሽኩሹካ ቀትሪ ሃጽ ዘጥፍአቶ
አንታ ዓሊ መሊስካ ትዕሹ
ገበን ተሸኪምካ ብመሸምዑ
ከመይ ክአኽለካ ቲ’ሰፈር አናጹ
ሽኩሹካ ግደፍ አንፈትካ የዐሪ
መሊስካ አይትሃንዝል ንመሕጸሪ ዕምሪ
ቦሎኽ ኢልካ ውጻእ ይቅረ በሎ ህዝቢ
ዘካርያስ ክብርአብ

Tuesday, January 8, 2013

ብሓይሊ’ሞ ብሓይሊ፡ ግና በየናይ ሓይሊ

ኣብዚ ጽሑፈይ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ሃገርን ህዝብን ኤርትራ ዝፍጽሞ ዘሎ ገበናት ኣይክዝርዝርን እየ። ስለምንታይ ኣንበብቲ ብዛዕባ ገበነኛን ጸረ-ህዝብን ተግባራት ስርዓት ህግደፍ እኹል ግንዛበ ኣለዎም ኢለ ስለ ዝኣምን። ሎሚ ኤርትራውያን ዕግበቶም ኣብ ጸረ-ህዝብነት ስርዓት ህግደፍ ጥራይ ዝድረት ኣይኮነን። እዚ እከይ ስርዓት’ዚ ጽባሕ ዘይኮነስ ሎሚ ክውገድ ከም ዝግበኦ ካብ ዝዓግቡ’ውን ነዊሕ ግዜ ኮይኑ’ዩ። እዚ ጥራይ ኣይኮነን ህዝብና ጌና መሪሕ ናይ ለውጢ ሓይሊ’ኳ እንተዘይረኸበ እዚ ስርዓት ምስ ተወገደ ብእንታይ ዓይነት ስርዓትን ፖሊስን ክትካእ ይግበኦ ኣብ ዝብል እውን መተካእታ ክእምት ይስማዕ ኣሎ።

ናብ ደንበ ተቓውሞና ክንምለስ እንከለና ዘራኽቡና ብዙሓት ጉዳያት ኣለዉ። ዝፈላልዩና ከም ዘለዉ’ውን ኣጽኒዕና ኣለና። ኣብቶም ዘራኽቡና ድዩ ኣብቶም ዝፈላልዩና ጉዳያት መሰረታውን ዘይመሰረታውን ፍልልያት ኣብ ምንጻር፡ ከምኡ’ውን ቀዳምነት ዝወሃቦም እዋናዊ ዛዕባታትን ብኻለኣይ ደረጃ ክስርዑ ዝግበኦም ዘይእዋናዊ ዛዕባታትን ፈሊኻ መልክዕ ኣብ ምትሓዝ ጸገም ከም ዘለና ዝሕባእ ኣይመስለንን። እዞም መሰረታውን ዘይመሰረታውን ወይ እዋናውን ዘይእዋናውን እንብሎም መፈላለዪ ዛዕባታት ብዙሓት ስለ ዝኾኑ ኣብ’ዚ ናይ ሎሚ ጽሑፈይ ናብ ምዝርዛሮም ኣይከድህብን እየ። ብዛዕባ’ቲ ስርዓት ህግደፍ ንምውጋድ ክንክተሎ ዘለና ኣገባብ ቃልሲ ግና ከምቲ ኣርእስቲ ጽሑፈይ ዘመልክቶ ገለ ሓሳባት ወስ ከብል።

Thursday, January 3, 2013

ግዜ እንተዘይ ስዒብካዮ ኣይጽበየካን’ዩ

ግዜ ኣብ ኩሉ ህይወትና ናቱ ጽልዋን ተጽዕኖን ስለ ዘለዎ ኣብ ኩሉ ምንቅስቓስና ክንጠቕሶን ኣብ ግምት ከነእትዎን ግዱዳት ኢና። ‘’ግዜ ንዘምጸኦ እንታይ ይግበር፡ ንኹሉ ግዜ ኣለዎ፡ መዓልትን ከልብን ከይጸዋዕካዮም ይመጹ’’ ዝብሉ ኣብሃህላታት ግዜ ናቱ ነጻነት ዘለዎ ማንም ዘይዓግቶ ዘይደክም ተጐዓዛይ ምዃኑ ዘመላኽቱ ኣበሃህላታት እዮም።

ሓደ ነገር ክትሰርሕ ሕቶ ወይ ወኸሳ ክቐርበልካ እንከሎ ‘’በልስኪ ግዜ ሃበኒ’’ ትብል። እዚ ድማ ግዜ ክሳብ ክንደይ ሓያል ረቛሒ ምዃኑ ዘመልክት እዩ። ነቲ ዝተዋህበካ ግዜ ኣብ’ቲ እዋኑ እንተዘይተጠቒምካሉ ግና ግዜ ጉዕዞኡ ቀጻሊ እዩ። ስለዚ ግዜ ኣብቲ ቆጸራኻ እንተዘይተረኺብካ መትረፊኻ ወይ መደንጐይኻ ብዘየገድስ ዋላ ንካልኢት ትኹን ዘይጽበየካ ኣጠርሚሙ ዝኸይድ ተጐዓዛይ እዩ።

ንጉዳይ ግዜን ኣጠቓቕምኡን መምስቲ ዝተሰለፍካሉ ሜዳ ኢኻ ክትቃንዮ እትግደድ’ሞ ንሕናውን ብመንጽር እቲ ሒዝናዮ ዘለና ኣዝዩ ዘገምታዊ ናይ ለውጢ ቃልሲ መስርሕ ኢና ክንመዝኖ። ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ 30 ዓመታት ወሲዱ። ብዙሓት ወገናት ጐናዊ ጓልነገር ጉዳያት እንተዘይሕወሶ ክንድኡ ክወስድ ኣይመተገበአን ዝብሉ ኣለዉ። ነቲ ዘጋጠመ ናይ ሕድሕድ ውግእ ድማ ከም ኣብነት ይገልጽዎ። ዘይሩ ዘይሩ ንግዜና ከምቲ ግቡእ ኣብ መሰረታዊ መዓላኡ ስለ ዘየውዓልናዮ ቃልስና ነዊሑ ዝኸፈልናዮ ዋጋ ዝያዳ ከቢዱ በሃልቲ እዮም። ግዜ ድማ በቲ ልሙድ ጉዕዞኡ ኣብ መስርሕ ቃልሲ ምእንቲ ነጻነት 30 ዓመታት ተጓዒዙ።

ድሕሪ ነጻነት ኤርትራ ምእንቲ ደሞክራሲ፡ ሰላምን ማዕርነትን እነካይዶ ዘለና ቃልሲ ነዊሕ መስርሕ፡ ብዙሓት ምዕራፋት ዘለውዎ እዩ። ከም ኣብነት ድሕሪ ናይ 1998 ውግእ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ ግዜ ምውሳድ ይከኣል። ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ዋላ’ኳ ቅድሚኡ’ውን ናይ ተቐራሪብካ ምስራሕ ኣድላይነት ይረኣየን እንተነበረ፡ እቲ ውግእ ነቲ ሓቢርካ መተካእታ ናይ ምድላይ ኣድላይነት ስለ ዘቃላጠፎ ሃገራዊ ምሕዝነት ኤርትራ መስረታ። ሽዑ እዩ ድማ ግዜ ከለካ ግዜ ኣይትጸበ’ዩ እሞ ነዚ ኩነታት ክንጥቀመሉ ኣለና ዝብል ኣበሃህላ ጎሊሑ ዝስማዕ ዝነበረ። ግዜ ግና ምእንቲ ውግእ ኢሉ ኣይቅልጥፍ ምእንቲ ሰላም ኢሉ ኣይዝሕል እቲ ግቡእ ቅልጣፈኡ ተኸቲሉ መንገዱ ቀጺሉ። ኣብዚ ጉዕዞዚ ንሕና ማዕረ ግዚ ኣይሰጐምናን። እንዳረኣና እንዳሰማዕና ግዜ ስርሑ እንዳሰርሐ ገዲፉና ከይዱ። ናይ ውግእ ግዜ ሓሊፉ። እቲ ናይ ተዛማዲ ሰላም ግዜ ድማ መድረኽ ተረኪቡ።

ኣብዚ ሎሚ ግዜ ኮይና ጉዳያት ክንዕዘብ እንከለና፡ ንሕና ኣብቲ ናይ ከባቢ 1998/99 ኩነታት ኣለና። እቲ ግዜ ግና 15 ዓመታት ራሕሪሑና ኣብ ድሮ 2013 በጺሑ እነሆ። ሕጂ’ውን ግዜስ መንገዱ ጥጡሕ እዩ ክቕጽል እዩ። ናትና ግና ኣይነጸረን። ብኸመይ ናባበይ ገጽናን ከም ንስጉም ኣይበረሀን። ከምቲ ግቡእ ነቲ ተመሪሕናዮ ዘለና ዓመታት ከነምልስ ዝያዳ ክንጐዪ ምተገበኣና። ከምዚ ኣተሓሕዛና ግና እቲ እንብለጸሉ ዓመታት ዝውስኽዩ ዝመስል። እቲ ጸገመ ብግዜ ብምቕዳምና ጥራይ ኣይኮነን ዝግለጽ። እቶም ናይ ለውጢ ረቛሒታትና ማለት ጉልበት፡ ንብረት፡ ዝያዳ ድማ ናይ ህዝብና ተስፋን ደገፍን ከም ግዜ ካባና ይርሕቁ ምህላዎም እዩ።

እቲ ጉዕዞኡ ዘየቋርጽ ግዜ ጥራይ ኣይኮነን። እቲ ሒዝናዮ ዘለና ናይ ለውጢ መስርሕ’ውን ብዘይካቲ ንሕና ነቐልጥፎ ወይ ነደንጉዮ ናቱ ናይ ጉዕዞ መስርሕ ኣለዎ። ናትና ግደ ነቲ ዘይተርፍ ውሽጣዊ ዕቤቱ ናብ ኣውንታ ወይ ናብ ኣሉታ ናይ ምእላዩ ጉዳይ እዩ። ፍሉጥ ክንደክም እንከለና ነቲ መስርሕ ስለ ዘይንቆጻጸሮ እቲ ኣቕጣጫኡ ካብ ድሌትና ወጻኢ እዩ ዝኸውን። እዚ ንዕዘቦ ዘለና ድማ ከምኡ እዩ። እንተንሕይል ግና ነቲ ዕቤት ናብቲ እንጽበዮ ኣቕጣጫ መወሰድናዮ’ሞ ኣውንታዊ ምኾነ።

‘’ ዝሓለፈስ ሓለፈ ኣይትድገመኒ ኣብ ዝተረፈ” ጽቡቕ ኣበሃህላ ወለድና እዩ። ነቲ ዝሓለፈ ንመሃረሉ እንተኾነ ናቱ እሱራት ኣይንኹን ዝብል መልእኽቲ ንምትሕልላፍ ዝተመርጸ ተረካብ ዘረባ እዩ። ሎሚ ንመሰረታዊ ትርጉም ናይዚ ኣበሃህላዚ ኣጽኒዕካ ናይ ምትግባሩ ምእዙዝ ዘይምዃን እንታይ ዋጋ የኽፍለና ከም ዘሎ ንዕዘቦ ኣለና። ካልእ መዋጸኦ ኸዓ የብልናን። ብመንጽር’ዚ ኣብ ክንዲ ኣብ መጻኢ ጌጋታት ከይድገም ንጽዕር ዝሓለፈ ጌጋታት ክንምርምር ክንብል ሓድሽ ኣንቆራ ጌጋታት ንፈጥረሉ ዘለና ኣካይዳ ቅኑዕ ኣይኮነን።

ስለዚ ስንና ነኺስና ዝሓለፈ ጉዕዞና ዋላ ነዘን ኣቐዲምና ዝጠቐስናየን 15 ዓመታት ንበይነን ወሲድና እንተመዘናየን፡ ውጽኢታዊ ኣይነበረን ክንብል ናይ ግድን እዩ። ኣብዘን ዝሓለፋ ዓመታት ዝተፈጥሩ ግንባራት፡ ኪዳናትን ባይቶታትን ውሽጡ ንዘይተጋለሀ ጐታቲ ስምዒታት ብዘብለጭልጭ ጭረሖታት ኣጐልቢብካ ዝተደኮኑ ስለ ዝነበሩ፡ እነሆ ሎሚ እቲ ጉልባብ ግዜኡ ሓልዩ ተቐሊዑ እቲ ግጉይ ትሕዝቶ ባዕሉ ክዛረብ ጀሚሩ። ስለዚ እዞም ምትእኽኻባት እዚኣቶም ነንብሶም በበይኖም ከም ናይ መቐጸሊ መወከሲ ተዘይወሰድዋ ይምረጽ።

ከም ንድሕሪት ምምላስ ሕማቕ ነገር የለን። እንተኾነ እቲ ምርጫ ንሱ ጥራይ እንተኾይኑ ምቕባሉ ናይ ግድነት እዩ። ስለዚ 2013’ውን ከምተን ቅድሚኣ ዝነበራ ዓመታት ብዘይ ርኡይ ውጽኢት ኣብ ኢድና ንከይትሓውየና፡ ኣብ ክንዲ በብዘለኻዮ በበይንኻ ርእስኻ ምንቕናቕ፡ ሕጂ’ውን ካልእ ግዜ ከይነባኽን ክንለዓል ይግበኣና።

ለባም ክጋገስ መራግእቲ ነይገድፍ፡

እዚ መስተዉዓሊ ብሕጊ ዝማሓደር ዝነበረ በሊሕ ህዝቢ፡ ኣብ እምነታቱ ጸንዑ ንኣሽሓት ዓመታት ዘጽነሓልና ሪም ነባሪ‘ዩ ። ወለደታቱ ውጽኢቱ እንታይ ንገብር ከም ዘሎና ንግንዘበዶ ንርደኦዶ ንህሉ…? ናይ ዝሓለፈ ታሪኽን ናይ ሎሚ ወለዶ ታሪኽን ካብ ምንታይ ዝተበገሰ‘ዩ..?፡ እዚ ኹሉ ሸንኮለል ካብ ሕሉፍ ኣሰራርሓና ዘይንማሃር ከይንህሉ ብዓቢ ኣስተብህሎ ምርኣዩ የድሊ። ነዚ ሓብርካ ተሳኒኻ ንምንባር እዚኹሉ ወጠጥ ንምንታይ ኣድለየ።ካብ ሓብርካ ምንባር ዝጥዕም ንላዕሊ ኣሎ ኣይብልን።ግደፉ ንጥዑም ምቁር ክንብል ዘይንበቅዕ ኣይንኹን። ንመሪር መሪር ምባል ኣይኽበደና። ብፍላይ ውልቀ ሰባት፡ ጸጋን ዕድመን ዝተዓደሉ፡ምኽሮምን ተሞኩሮኦምን ከተሓላልፉ ብሓላፍነት ክብገሱ ንጽበ።ብፍላይ ንሕና ኩልና፡ ኣብ ገገዛና ኮይና ተባህለን ተገብረን ክንብል ግዜና ኣይንጸንቅቕ። እጃምና ነበርክት፡ ልዕሊ ህዝብናን ሃገርናን፡እንምነዮን ንብህጎን ኣይክህልወናን‘ዩ። ለባማት ክምስሉ ከለዉ ጥቅሊዒት ትሸኖ ሽንቲ ተመሊሱ ናብቲ ዝሸኖ ኣካል የጠልቅዮን የጭንዎን ይብሉ።

ቀዳሞት ኣቦታትና ኣብ ጉዳይ ምሕደራ ኤርትራ ፈተነታት ኣየጓነፎምን ድዩ…? ኣጓንፍዎም እምበር፡ ንሱ ድማ ኣብ ክልተ ዓበይቲ. ምክፋል ይከኣል፡ እቲ ሓደ ምስ ኢትዮ- ሓብርካ ምንባር ዝብል ሸነኽ ክኸዉን ከሎ፡ እቲ ሓደ ክፋል ድማ ኤርትራ ንኤርትራዉያን ዝብሉ ክልተ ዘይራኸቡ ተጻረርቲ ርእይቶታት ንህዝብና ኣብ ዓሚቕ ፈተነ ኣጥሒሎሞ ነሮም።እቲ ሓቀኛ ራኢ ሒዙ ንፍጹም ናጽነትን ሓርነትን ኤርትራ፡ ዝተበገሰ ወሳኒ ዕላማ ሸነኽ፡ ንመላእ ህዝቡ ወዲቡ ብምቅላስ ንጸላኢ ካብ ሃገሩ ከባርር በቒዑ‘ዩ። ንሃገሩ፡ምስ ሕብረተ ሰብ ዓለም ኣካል ከምትኸዉን ገይሩ። ናይ ቀዳሞት ወለዲ ክብሪ ንሃገሮምን ህዝቦምን ብምዕቃብ ካብ ምብትታን ኣድሒኖሞ።፡ክብሪ ድማ ንሶም ተወንዚፎሞ ።ንሕና ካብዚኣቶም ኢና ተፈጢርና። ወለድና ዘኹርዕ ኣረኣእያን ስራሕን ጅግንነት ዝፈጸሙ ከንሶም፡ ንሕና ደቆም ዘርብሓና ዘይምርኣይና፡ ከምቲ ጅግና ሕማቅ ተወለደ ተዘምተ፡ሕማቅ ጅግና ተወለደ ተቐልተ ከም ዝባሃል ምስላ ፡ ከይኸዉን ዕጫና ደጋግምና ምስትብሃል ከምዘድሊ ኣብ ጉዕዞ ተቃዉሞታት ጉድለታት ክደጋገም ትዕዘብ። (ሓድጊ ጅግና ኩሉጊዜ ሕመረት ኣለዎ)።

ኩሉ ጊዜ ንዝወጹ ንመደባት ኣብ ምትርጓም ዕንቅፋት ከምዘጓንፉ ርዱእ እንዃን እንተኾነ፡ ኣብ ምእላዮም ግን ዉልቀ ሰባት ዓቢ ኣበርኽቶ ኣለዎም ። ንሳቶም ድማ ልቦናን ጽሮትን ዝተዓደሉ እዮም፡ ካብ ቅምን-በቐልን ሓቝንካ ዝወጽእ ጠስሚ ከምዘይርከብ ዘረጋገጹ እዮም። ኣብ ግዝያዊ ረብሓ ዘተኩር ኩሉ፡ እንዳፈለጠ ነቲ መስተዉዓሊ ኣእምሮ ናብ ዘየድሊ መኣዝናት ዝጠምዘዙ እዮም። ከም ዝበሃል እንዳፈለጠ ዘጽቀጠ፡ ሓርማዝ እንተነቅነቖ እዉን ኣይሰምዕን።

ንኣብነት፡ደቂ ሰባት ኣብ ዘየድሊ ጎጽታት እንተተኣልዮም፡ ብመሰረቱ ወዲ ሰብ 100% ዝበሃል ኣብ ዓለምና ዘሎ ኣይኮነን፡ነቶም ሰብ ሞያ ኣብ ናይ ጥዕና መገመቲ ኣገባባት ዝጥቀሙ ከጽንዕዎም ክደልዩ ከለዉ፡ኩሉ ከምዝግበርን መሰል ክህልወካ ከምዝግባእ እንዳምሰሉ፡ ካብቲ ዝፈጸምካዮ፡ፍጻሜታት ወጻኢ እንዳዕለሉ ወጃዕጃዕ የብሉኻ‘ሞ፡እቲ ዝድለ መገምገሚ፡ ናይ ምልእነትካን- ጉድለትካን ዉጺእታዊ ገምጋም የዋህልሉ። ካብቲ ዝሓቱኻን እትምልሶ ኣዋጽኦም ጉድለታት የዋህልሉ መገምገሚካ ድማ እረኽቡ። ናይ ጸጥታ ኣሰራርሐ እዉን ተማሳሳሊ እዩ፡ ኣብቲ ምዕቡል ምሕደራታት ዝወነኑ ሃገራትን ህዝብታትን ።ምስ ምልካዊ ባህሪ ዘለዎ ቅርቢ ፡ ሐቂ ክዛረብ ትጽቢት ዝግበረሉ ኣይኮነን ። ትንዋሕ ትሕጸር ግን ኣታ ሐቂ መናሕሰዪት ከምዘይኮነት ምርዳኣ ተድሊ፡ነበሪት ካብ ምዃን ድሕር ዘይትብል‘ያ። ብዓል ሓደ ከብዱ ድማ ኣብ ናይ ታሪኽ ጓሓፍ እትኽዘን ምዃና ኢና ንሪኢ። ናይ 2011 ኩነታት ምዕዛብ ብቐሊሉ ከረዳኣና ይኽእል፡ ኣበይ ኣለዉ በዓል ሓደ ከብዶም…? ግን ክትበልዓ ዝደለኻ እንስሳ ስማ ኣጸባብቕካ ምብልዐ‘ዩ፡ኣንነት ካበይ ትቦቑል፡ ካብ ዕሽነት፡መጨረሻ ዕሽነት ኸ..? ስዕረት። ነዊሕ ከይተጓዕዝና ካብ ግዜ ኃጸይ ኃይለ ስላሴ ክንማሃር ይቐርበልና።

እቲ ቑኑዕ ምሕደራ ንብዙሓት ደቂ ሰባት ናብ ናይ ምዕብልና ጎደና እናሰሓበ ናብሮኦም እናማሓየሹ፡ንሃገሮም ንህዝቦምን ናብ ብልጹግ ዕብየት እንዳተጓዕዙ ይሕምቦቡ፡ ንቐጻሊ ወለዶ የጣጥሕሉ ንሕማቅ ኣይዕጠቑሉን፡ብጽቡቅ ነገር ግን ቅናቶም መሰረት ንኽኸዉን ኣበርትዖም ይማካኸሩን ይላዘቡን። ካብ ሓድነቶም ተበጊሶም ዘዉጽእዎ ቅዋሞም ንህዝቦምን ንሃገሮምን ኮይኖም ንዝልምኖም ዉጹዕ ህዝቢ ዓለሞም ድማ፡ተቐበልቲ ጋሻ ምዃን ይበቅዑ። ብኹሉ ሸነኻት ምስተን ብልጹጋት ሃገራት ናይ ዕዳጋታት ምልዉዋጥ ብሱልን ጥረን ፍርያት ኽትገብር ተክእሎታት ተጥሪ።ናይ ንግዜኡ ረብሓ ግን ካብ ግዝያዊ ረብሓ ኮይኑ ፡ናይ ሱስዓት ስነ ምግባር ኮይኑ ይተርፍ።እቲ ተጨቁኑ ክነብር ዝተፈርደ ህዝቢ ግን፡ ካብ ዉሱን ግዜ ንላዕሊ ክጸሮ ስለዘይክእል ። በዓል ሓደ ከብዱን ሓደልቡን፡ ዘይጽወር ኣይጽወርን‘ዩ። ሓንሳብን ንሐዋሩን ዓወት ናይ ጭቁን ህዝቢ የንበልብል፡ ለባም ክጋገ መራግእቲ እገድፍ !!!

ናይ ዝሐለፉ ወለዶታት ፡ክልተ ዝተፍላለየ ርእቶ ኣብ ጉዳይ ሃገር ከምቲ ኣብ ላዕሊ ብሕጽር ዝበለ ከብርሆ ዝፈተንኩ፡ ናይ መን ርእይቶ ተዓዊቱ ከም ዝወጸ ተዓዚብኩሞ ኣለኹም ። እቶም ናይ ነዊሕ ራኢ ዝወነኑ ሸነኽ ሰጋኣ-መጋእ ከይበሉ ዕጥቆም ሸጥ ብምባል ናብ ዝዉንዎ ጎቦታት ሕንክዪብ ዝበሉን፡ድሕሪ ብዙሕ ሓጎጽጎጽ ድማ ዓወት ዘመዝገቡን ዘረከቡናን እዮም። ስለ‘ዚ ናይ ርሑቅ ኣይኮነን፡ ዝሰፍሐ ህዝቢ ኤርትራ ጉዳዩ ዘሰላሰለሉ፡ ኢዱ ዝሓወሰሉ ከም ምዃኑ መጠን፡ ንህዝብና ካብዚ ሕጂ ወዲቕዎ ዘሎ ምሕደራ፡ ኣልቦ፡ ካብ ኣደራዕ ከነድሕኖ እዞም ፍትሒ ነፍቅራ ኢልና ነዋጥየላ ሰባት እጃምና ንግበር ብእንኽእሎ፡ ርጡብ ቃልሲ ንምክያድ ብዙሕ ሽግር ኣይምሃለወናን ነሩ፡ ጸገምና ኣብ ዉሽጥና ኢዩ ዝርከብ፡ንሱ ድማ ንሓድነት ዘይምፍቃርና።

ተቓዋሚ ምዃን ጽቡቅ‘ዩ፡ንመሰልካ ምድላይ እታ ክትዉንና ዝግበኣካ እንኮ ናትካ‘ያ፡ ካብ ጉዪይ ምዉዓል ክሳድ ምሓዝ ዝብል ሕቶ ኣብ ዉሽጥኻ ኽገጥመካ፡ከምዝኽእል ኣቐድምካ ምርድኡ ኣገዳሲ ኢዩ።መጀመርታ ተቓዉሞ ክህሉ ቁቡል ጌርካ ምቕባሉ ንሕስያ ዘይህብ ሐቂ‘ዩ። ድሕሪ ምቅዋም ኣብ ጽኑዕ ዉደባ ምእታዉ፡ ብዘይ ንጹር ዕላማ ዓወት ዋላ እንተመጸ ከምዚ ኣጓኒፋና ዘሎ‘ዩ ዝቕበለና ዝድህኸና። ስለዚ ዉደባ ናይ ብዙሓት ክኸዉን፡ ነቲ ሕብረተሰብ ዘንጻባርቅ ዉደባታት ክህልዉ ጸጋ ሕ/ሰብና ምዃኖም እዮም፡ሃብቲ ሃገር‘ዉን እዮም።ብኸምዚ ክንርኦ እንተኽእልና ጥራይ‘ና፡ነታ ገፋሕ ጉደና ሰላምን፡ነታ ዓቐብን ቁልቁለትን ዝበዘሐ ሂይወትና ነቕስናን ብርሃን ጭራ ነሪኣን። ብንጹር ዕላማታት ምዉዳብ መተካእታ ዘይብሉ ህዝባዊ ጉዕዞ‘ዩ፡ልዕሊ 34 ዉድባት ከምዘለዋና ንዛረበለን ኣለና፡ሓይሊ ምህላዉ ኣድላይ እንድዩ እዚ ሓይሊ‘ዚ ምዉህሃድ ክፍጠር ዝግድድ ኩነት ኣብ ቅድሜና ተጋሪዱ ኣሎ።ነዚ ንምብዳህ ነብስና ምልዋጥ የድልየና ቅድሚ ኩሉ ፡ ብተስፋ ንጎልብት ።

በጃ ህዝቦም ዝሓለፉ ሰማእታት ኤርትራ ንዘልኣለም ይዘከሩ!!!

ርሑስ በዓል ልደት <> ርሑስ ሓድሽ ዓመት፡በዓል ለዉጢ2013

ዓወት ናይግድን‘ዩ፡

ሓድነት ንዉጹዕ ህዝቢ ኤርትራ፡

ዉድቀት ንሕጊ ኣልቦ መላኪ ስርዓት ኤርትራ፡

ክንዕወት ኢና!!!

ብየማነ ዘምላይ

10.01.2013