Pages

Tuesday, January 8, 2013

ብሓይሊ’ሞ ብሓይሊ፡ ግና በየናይ ሓይሊ

ኣብዚ ጽሑፈይ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ሃገርን ህዝብን ኤርትራ ዝፍጽሞ ዘሎ ገበናት ኣይክዝርዝርን እየ። ስለምንታይ ኣንበብቲ ብዛዕባ ገበነኛን ጸረ-ህዝብን ተግባራት ስርዓት ህግደፍ እኹል ግንዛበ ኣለዎም ኢለ ስለ ዝኣምን። ሎሚ ኤርትራውያን ዕግበቶም ኣብ ጸረ-ህዝብነት ስርዓት ህግደፍ ጥራይ ዝድረት ኣይኮነን። እዚ እከይ ስርዓት’ዚ ጽባሕ ዘይኮነስ ሎሚ ክውገድ ከም ዝግበኦ ካብ ዝዓግቡ’ውን ነዊሕ ግዜ ኮይኑ’ዩ። እዚ ጥራይ ኣይኮነን ህዝብና ጌና መሪሕ ናይ ለውጢ ሓይሊ’ኳ እንተዘይረኸበ እዚ ስርዓት ምስ ተወገደ ብእንታይ ዓይነት ስርዓትን ፖሊስን ክትካእ ይግበኦ ኣብ ዝብል እውን መተካእታ ክእምት ይስማዕ ኣሎ።

ናብ ደንበ ተቓውሞና ክንምለስ እንከለና ዘራኽቡና ብዙሓት ጉዳያት ኣለዉ። ዝፈላልዩና ከም ዘለዉ’ውን ኣጽኒዕና ኣለና። ኣብቶም ዘራኽቡና ድዩ ኣብቶም ዝፈላልዩና ጉዳያት መሰረታውን ዘይመሰረታውን ፍልልያት ኣብ ምንጻር፡ ከምኡ’ውን ቀዳምነት ዝወሃቦም እዋናዊ ዛዕባታትን ብኻለኣይ ደረጃ ክስርዑ ዝግበኦም ዘይእዋናዊ ዛዕባታትን ፈሊኻ መልክዕ ኣብ ምትሓዝ ጸገም ከም ዘለና ዝሕባእ ኣይመስለንን። እዞም መሰረታውን ዘይመሰረታውን ወይ እዋናውን ዘይእዋናውን እንብሎም መፈላለዪ ዛዕባታት ብዙሓት ስለ ዝኾኑ ኣብ’ዚ ናይ ሎሚ ጽሑፈይ ናብ ምዝርዛሮም ኣይከድህብን እየ። ብዛዕባ’ቲ ስርዓት ህግደፍ ንምውጋድ ክንክተሎ ዘለና ኣገባብ ቃልሲ ግና ከምቲ ኣርእስቲ ጽሑፈይ ዘመልክቶ ገለ ሓሳባት ወስ ከብል።

ስርዓት ህግድፍ ብልማኖ፡ ብቕብጥሮት ወይ ብምህልላ ዘይኮነስ ብኣገዳዲ ሓይሊ ክውገድ ከም ዝግበኦ ዘካትዕ ኣይኮነን። እዚ እምንቶ’ዚ ካብ ባህርያት ስርዓት ህግደፍ ዝነቅል ስለ ዝኾነ ሓደ ከትሕቶ ወይ ከደይቦ ዝኽእል ኣይኮነን። እቲ ‘’ ንስርዓት ህግደፍ ብህዝባዊ ሓይሊ ብደሞክራሲያዊ ኣገባብ ቃልሲ ከነወግዶ ይግበኣና’’፡ ብሰንኪ ምባሉ ብዙሕ ዋጋ ክኸፍል ዝጸንሐን ዘሎን ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ እምንቶኡ ኣብዚ ዛዕባ’ዚ ጽኑዕ እዩ። ስርዓት ህግደፍ ዝወድቀሉ ኣገባብ ሓይሊ’ዩ ክበሃል እንከሎ ዝተፈላለየ ናይ ሓይሊ ደረጃታት ከም ዘለዉ ክዝንጋዕ ኣይግበኦን። ብዘየቋርጽ እሞ ብንቕሓት ዝተወደበ ናይ ህዝቢ ናዕቢ ከም ኣብነት ዝግለጽ ሓደ ናይ ሓይሊ ደረጃ እዩ። ውሱናት ሰባት ኣጽዋር ዓጢቖም ዘዘውትርዎ ናይ ዓመጽ ኣገባብ ሓይሊ’ውን ኣሎ። ካብዞም ናይ ሓይሊ ኣገባባት እዚኣቶም ኣየነኦም ትጥቀም ንምውሳን እምበኣር ብዙሓት ኣብ ግምት ክኣትዉ ዝግበኦም ረቛሒታት ኣለዉ። ካብዚ ሓሊፉ ብናህርን ስምዒትን ዝውሰን ኣይኮነን።

እወ፡ ናይቲ ከም ቀንዲ ደራኺ ናይቲ ለውጢ ኮይኑ ዝዋሳእ ህዝቢ ቅሩብነትን ብሰንኪ ዝሓለፈ ውግእ ዝሓደሮ ስንብራት፡ ነቲ እትመርጾ ናይ ሓይሊ ኣገባብ ኣድላይ እታዎታት ብነጻ ከተስንቖን ከተዕጥቖን ዘለካ ተኽእሎ፡ ናይቲ እትውንኖ ኣገባብ ሓይሊ መዋስኢ እስትራተጂያዊ ኣቀማምጣ ንጹርነት፡ በቲ እትመርጾ ኣገባብ ቃልሲ እቲ እትጽበዮ ለውጢ ማለት ኣብ ኩነታትና ውድቀት ስርዓት ህግደፍ ምስ ተመዝገበ ክፈጥሮ ዝኽእል ደሞክራሲያዊ መንጸፍ፡ ዝያዳ ኹሉ ድማ ኣብቲ እትውስነሉ እዋን ዘሎ ባህሪ ናይ ሓይልታት ኣሰላልፋ፡ እቶም ኣገባብ ቃልሲ ክንመርጽ ኣንከለኻ ኣብ ግምት ክኣትዉ ዝግበኦም ቀንዲ መለክዕታት እዮም።

ብናተይ እምንቶ ካብ ኩሉ ናይ ሓይሊ ደረጃታት እቲ ዝሓየለ ዝተወደበ ህዝባዊ ሓይሊ እዩ። ዝተወደበ ክንብል እንከለና፡ ነቲ ኣንጻሩ ዝኾነ ስርዓት ኣብ ምውዳቕ ጥራይ ዘይተደረተ ዘይኮነስ፡ ክሳብ ብኸመይ ይትካእ ዝዝርጋሕ ውዳበ ማለትና እዩ። ነዚ እምንቶ’ዚ ሒዝና ነቶም ኣቐዲምና ዝጠቐስናዮም ናይ ኣገባብ ቃልሲ መምረጺ መለክዕታት ተመርኲስና ናብ ህልዊ ኤርትራዊ ጉዳይ ክንመጽእ እንከለና፡ እቲ ክንመርጾ ዝግበኣና ዓይነት ሓይሊ ብውሱናት ብረት ዝዓጠቑ ሰባት ዝግለጽ ዘይኮነስ ዝተወደበ ሓይሊ ህዝቢ በሪኹ ዝረኣየሉ ኣገባብ እዩ ክኸውን ዝግበኦ። ዝያዳ ይብራህ እንተተባህለ፡ ዘይሓወየ ስብራት ውግእ ህዝብና፡ ዕጡቕ ሓይሊ ከስንቕን ከዕጥቕን ዘይክእል ውሱንነት ደንበ ተቓውሞና፡ ፖለቲካዊ መራኸብታትን መፈላለይን ውድባትና ኣብ ዘይተመሓደረሉ፡ ከምኡ’ውን ብሓይሊ ዝመጸ ለውጢ ደሓር ዝፈጥሮ ኣግላሊ ባህርያት ብዘይብዙሕ ዝርዝር ሳዕቤኑ ካብ ተመኩሮ ህግደፍ ክንርደኦ እንኽእለሉ ምጥቃስ ይከኣል። እቲ 15 ዓመታት ኣሕሊፉ ዘሎ ናይ ውድባት ኤርትራ ወተሃደራዊ ክንፊ ናይ ምፍጣር ፈተነታት ብዘይካ ምብዛሕ ኣብ ባይታ ዘየለ ኣስማት ፍሑኽ ክብል ዘይምኽኣሉ ድማ ምርጫና ዝተወደበ ህዝባዊ ሓይሊ ንክኸውን ባዕሉ መልእኽቲ ዘመሓላልፍ ይመስለና። ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮኡ ብናይ ኣፈጻጽማ ዝርዝር ኣሰንዩ፡ ‘’እስትራተጂ ምስግጋር ካብ ምልኪ ናብ ደሞክራሲ ብዘይጐነጻዊ ኣገባብ ብሓይሊ ህዝቢ ክፍጸም ከም ዝኽእል ይኣምን። ካብዚ ነቒሉ ኩሉ ዓቕምና ኣብ ምብርባርን ምውዳብን ህዝብና ምውዓሉ ዕምሪ መለኽቲ ዘሕጽር መንገዲ ገይሩ ይርእዮ’’ ብዝብል ዘስፈሮ ዓንቀጽ እዋናውነቱ ዝሓለወ ምርጫ እዩ ዝብል እምነት ኣለኒ።

ኣብዚ ንርከበሉ ዘለና እዋን ኮይንና ኣገባብ ቃልሲ ክንመርጽ እንከለና በቲ ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ምእንቲ ነጻነት ዝነበረና ስምዒት ከይንስለብ ክንጥንቀቕ ይግበኣና። ብዙሓት ኣብቲ ናይ ብረታዊ ቃልሲ ንነጻነት ንዋሳእ ዝነበርና ባእታታት ሎሚ’ውን ኣብ መስርዕ ቃልሲ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ኣለና። እቲ ሽዑ ዝነበረ ናይ ኣገባብ ቃልሲ መምረጺ ረቛሒታት ግና ሎሚ የለን ተቐይሩ እዩ። ስለዚ ንሕናውን መለክዕታትና ምስዚ ዘልናዮ ኤርትራዊ ኮነ ዓለማዊ ሃለዋት ክንቃንዮ ይግበእና። ንሕና ኣብቲ ናይ ቀደም ደሪቕና ፖለቲካዊ ኩነታት ሃገርና ግና ዕብየቱ ሓልዩ ክምዕብል እንከሎ፡ እንተዘይስዒብናዮ እቲ ድኽመት ኣባና ምህላዉ ክንእመን ይግበእና። እቲ ናይ ሽዑ ጐነጻዊ ኣገባብ ቃልሲ ተመሪጹ ዕዉት ዝኾነሉ፡ ዝነበረ ናይ ሓይሊ ኣሰላልፋ ግጥሚያ ኣብ መንጎ` ደለይቲ ነጻነት ደቂ ሃገርን ኣብ መንጎ ባዕዳዊ ሓይልን እዩ ነይሩ። ናይ ሎሚ ኣሰላልፋ ግና እቲ ግጥሚያ ረቒቕ ጥንቃቐ ዝሓትት ኣብ መንጎ ኩሎም ኣብ ደሞክራስን ለውጥን ረብሓ ዘለዎም ደቂ ሃገር ዘሎ እዩ።

እዚ ሎሚ ሒዝናዮ ዘለና ቃልሲ፡ ድሕሪ ብመጀመርያ ናይ 30 ዓመታት መሪር መስዋእትነት፡ ቀጺሉ ድማ ድሕሪ ናይ ሓጺር ግዜ ግና ከቢድ ዋጋ ዝተኸፍሎ ‘’ናይ ዶብ ውግእ’’ ኢና ነካይዶ ዘለና። እቲ ናይ ሽዑ ጐነጻዊ ቃልሲ ኣብ ውሽጢ ህዝብናን እንቆጻጸሮ ሓራ መሬትን’ዩ ዝካየድ ነይሩ። ናይ ሎሚ ግና ይፍለ። እምበኣር ብእምንቶይ ኣገባብ ቃልሲ ክውሰን እንከሎ፡ እዚታት ናይ ግድን ኣብ ግምት ክኣትው ዝግበኦ እዩ። ኮታ ንድሌት ብስምዒትን ምፍዳይ ሕነን ዘይኮነስ፡ ብወድዓውን በዓል ቤታውን ክውንነትና ክንልከዖ ናይ ግድን እዩ።

ገለ ወገናት ስርዓት ህግደፍ ናይ ሓይሊ እምበር ናይ ሰላም ቋንቋ ስለ ዘይርድኦ በቲ ዝርደኦ ቋንቋ ከነዘራቦ ይግበእና ይብሉ። በቲ ዝያዳ ኩሉ ዝሓየለ ሓይሊ ህዝቢ ምቅላስ ከም ጠጠው ኢልካ ለውጢ ምጽባይ ስለ ዝርእይዎ። ብዝኾነ ኣብቲ ኣገዲድና ነወግዶ ዝብል ንሰማማዕ። እንተኾነ ሰለምንያይ ኢና ኣብ ክንዲ በቲ ዝፈልጦ ናይ ጐነጽ ቋንቋ እነዛርቦ። በቲ ዘይደልዮ፡ ዝፈርሖን ዘይጾሮን ናይ ህዝቢ ሓያልነት ዘጉልሕ ቋንቋኸ ዘይንስዕሮ? ስለዚ ኣብቲ ብሓይሊ ዝብል ካብ ተሰማምዕና እቲ ዝሓየለ ሓይሊ ህዝቢ እንተመረጽና ኢና ኣብ ምውዳቕ እቲ ስርዓት ጥራይ ዘይኮነስ ድሕሪ ውድቀቱ’ውን ዕዉታት እንኸውን።

ዝኽርን ክብርን ንሰማእታት ኤርትራ

No comments:

Post a Comment