Pages

Monday, January 28, 2013

ቅልዕቲ ደብዳበ፡- ሰዲህኤ፡ ንኣኼበኛታት መበል 50 ዓመት መራሕቲ ኣፍሪቃ፡ ኣፍሪቃዊ ሰብኣዊ መሰላት ከኽብሩን ህዝባዊ ቻርተር ክትግብሩን ጸዊዑ

Monday, 28 January 2013 19:50
new-african-hallሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ነቶም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣኼባ ዘካይዱ ዘለዉ መራሕቲ ኣፍሪቃ፡ ነቲ ብ1981 ዘጽደቕዎ ንኣፍሪቃዊ ሰብኣዊ መሰላትን ህዝባዊ ቻርተርን ዝምልከት ስምምዓት ከኽብሩን ክትግብሩን ጸዊዑ። ምስ’ዚ ብምትእስሳር፡ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኵነታት ኣቓልቦ ክገብርሉ ውን ኣተሓሳሲቡ።

እታ ብኣጋጣሚ መበል 50 ዓመት ጽንብል ምምስራት ሕብረት ኣፍሪቃ እተጻሕፈት ቅልዕቲ ደብዳበ፡ ንኣፍሪቃዊ ሕብረትን ኮሚሽናቱን ነቲ ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ግዝኣተ-ሕጊ ንምስፋን ዘጽደቖም ውዕላትን ዝዘርግሕዎ ኣዋጃትን እንተላይ ነቲ ኣብ ትሕቲ ጨቋኒ ስርዓት ኢሳያስ ዝነብር ዘሎ 6 ሚልዮን ህዝቢ ዝምልከት ምዃኑ ተዘኻኽር ኢያ።


እቲ ናብ ኵሎም ተሳተፍቲ መበል 50 ዓመት ኣኼባ መራሕቲ ኣፍሪቃ ዝተላእከ ደብዳብ ትሕዝቶኡ ከም’ዚ ዝስዕብ ኢዩ።


*****************

ቅልዕቲ ደብዳበ

ናብ ተሳተፍቲ መራሕቲ መንግስታት ኣፍሪቃ ኣብ መበል 50 ዓመት ጽንብል ምምስራት ኣፍሪቃዊ ሕብረት

27 ጥሪ 2013 ኣዲስ ኣበባ

ክቡራት ተኻፈልቲ ኣኼባ መራሕቲ ኣፍሪቃ ኣብ ጽንብል መበል 50 ዓመት

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ንመበል 50 ምምስራት ሕብረት ኣፍሪቃ ንምኽባር፡ ሎሚ ዕለት 27 ጥሪ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝጅመር ዘሎ ታሪኻዊ ኣኼባ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ብዓወት ክዛዘም ዘለዎ ትምኒት ይገልጽ። ኣብ’ዚ ሎሚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝኽበር ዘሎ ወርቃዊ ኢዮበልዩም ብዙሕ ነገራት ክዕወት’ዩ ብዝብል ተስፋ ነዚ ሓድነት ኣብ ምምስራት ኣብ ቅድመ-ግንባር ዝተሰለፉ ቀዳሞት መራሕቲ ኣቦታት ክዋመ ኑክሩማን ጁልየስ ኒረረ ዘለዎ ኣድናቖትን ኣኽብሮትን ድማ ይገልጽ።

ሰዲህኤ፡ ኣብ ኤርትራ ለውጥን ዲሞክራስን ንምስፋን ከም ዝቃለስ ልሉይ ተቓዋሚ ውድብ መጠን፡ ነዚ ኣጋጣሚ’ዚ ተጠቒሙ፡ ነሕዋት መራሕቲ ኣፍሪቃ ነቶም ኣብ ቻርተራትን ውዕላትን ሕብረት ኣፍሪቃ ሰፊሮም ዘለዉ ዕላማታት ኣብ ግብሪ ናይ ምውዓል ሓላፍነት ከምዘለዎም ከዘኻኽር ይፈቱ።

ክቡራት መራሕቲ መንግስታት ኣፍሪቃ

መንግስቲ ኤርትራ፡ ነዚ ድሕሪ ናይ 30 ዓመታት መሪር ተጋድሎ፡ ናጽነቱ እተጓናጸፈ 6 ሚልዮን ዝኸውን ህዝቢ ኤርትራ ጽቡቕ ኣይፈደዮን። ውድብ ሓድነት ሃገራት ኣፍሪቃ እንተዀነ’ውን፡ ኣብ መዋእል ብረታዊ ተጋድሎ ስቅያት ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ምቅላል ዝተጻወቶ ኣዎንታዊ ተራ ከምዘይነበሮ ትዝክርዎ ኢኹም።

ክቡራት መራሕቲ፡-

ሎሚ ከኣ፡ ኣፍሪቃዊ ሕብረት፡ ነቲ ብ1981 ዓ.ም ኣብ ቻርተሩ ዘስፈሮ፡ ኣብ ሕጊ ዘይተመርኰሰ ናይ ማእሰርቲ ስጕምትታት ምውሳድ ዝኽልክል ዓንቀጽ ናይ ሰብኣዊ መሰል፡ ኣብ ግብሪ ዘይምውዓል ዘሕዝን ኢዩ። ከምኡ’ውን፡ እቲ ቻርተር፡ ንግዝኣተ-ሕጊ ዘኽብርን “መሰላትን ናጽነታትን ዜጋታት ክኽበርን ክተባባዕን ዝጽውዕን ዓንቀጻት ዘለዎ ኢዩ። ነዚ ብዝምልከት፡ ኣብ ሻውዓይ ዓንቀጽ እዚ ዝስዕብ ሓሳብ ሰፊሩ ይርከብ።

  • ዝዀነ ኣፍሪቃዊ ዜጋ፡ ኣብ ቅድሚ ብቕዓት ዘለዎ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ ገበኑ ክሳብ ዘይተረጋገጸ፡ ንጹህ ኢዩ፤
  • ኣብ ድሩት ግዜ፡ ሻራ ኣብ ዘይብሉ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ፡ ክፍረድ መሰሉ ኢዩ ይብል።

ኵሉኹም ከምእትፈልጥዎ ብ2001 ዓ.ም እተታሕዙ ላዕለዎት ሰበስልጣን ኤርትራን ጋዜጠኛታትን ብዘይክስን ብዘይፍርድን ኣብ ማእሰርቲ ይርከቡ ኣለዉ። ሓድነት ኣፍሪቃ፡ ብዛዕባ’ዚ ጕዳይ’ዚ ዝገበሮ ነገር የብሉን። ካብ ቤት ማእሰርቲ ዒራዒሮ ዝተረኽበ ሓበሬታ ዳርጋ ፍርቆም ብሰንኪ ሕማቕ ኣተሓሕዛን ስእነት ሕክምናን ሞይቶም ኢዮም። ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ እሱራት ከኣ ብዘይ ፍርዲ ኣብ ማእሰርቲ ክበልዩ ይርኣዩ ኣለዉ።

በሽሓት ዝቝጸሩ ኤርትራውያን ድማ፡ ኣብ’ቲ ዞና’ቲ ብዝርከቡ ነጋዶ ደቂ ሰባት ይሳቐዩ ኣለዉ። ኣብ ሲና፡ ካብ 10,000 ዘይውሕዱ ስደተኛታት ኣደዳ ማእለያ ዘይብሉ ናይ ጅሆ ገንዘብ ምኽፋልን ናውቲ ኣካላቶም ተቐንጢቡ ምሻጥን ኰይኖም ኢዮም። ካብ 3,000 ዘይውሕዱ ኤርትራውያን ፡ ናውቲ ኣካላቶም ድሕሪ ምውሳዱ፡ ተቐቲሎም ተደርብዮም ኢዮም።

ክቡራት መራሕቲ ኣፍሪቃ

መበል 50 ዓመት ጽንብል ምምስራት ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ነቲ ንግዝኣተ-ሕጊ ዘተባብዕ ኣብ ቻርተርን ኣዋጃትን ናይ’ቲ ውድብን ኮሚሺናቱን ሰፊሩ ዘሎ ዓንቀጻት ኣብ ግብሪ ንምውዓል ኣፍሪቃውያን መንግስታት ቆሪጾም ዝብገስሉ ኣኼባ ክኸውን ንትስፎ። ብወገና፡ ነዚ በቲ ዝጨከነ ስርዓት ኣብ ኣህጕርና ዝሳቐ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ፡ ዝግባእ ኣትኵሮ ክትገብሩሉን ዘድሊ ስጕምቲ ክትወስዱን ንምሕጸነኩም።

ሕጕስ ጽንብል መበል 50 ዓመት ይግበሮ

ዕድመ ንሕብረት ኣፍሪቃ

መንግስተኣብ ኣስመሮም

ኣቦ መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ

No comments:

Post a Comment