Pages

Monday, January 21, 2013

ለውጢ ብሓይሊ ህዝቢ ኤርትራ ክረጋገጽ እዩ

Friday, 18 January 2013 20:27
epdp-logo3
ሰድህኤ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ እምነት ኣሕዲሩ ነቶም ኣብ ፕሮግራሙን ቅዋሙን ኣቐሚጥዎም ዘሎ፡ ኣብ ቀረባ ይኹኑ ኣብ ርሑቕ ክረጋገጹ ዘለዎም ፖለቲካውን ምጣነሃብታውን ማሕበራውን ዕላማታት ከዓውቶም ቆሪጹ እተበገሰ ሰልፊ እዩ።
ሕልሚ ሰድህኤ፡ ብሓይሊ ህዝቢ ኤርትራ፡ ሃገርና ሰላም ዝሰፈና ፍትሓዊትን ብልጽግትን ክትከውን ምዃና እዩ። ኣብ ቅዋም ሰልፊ ተቐሚጦም ዘለው ቀንዲ ኣምራት ከኣ በዚ ዝስዕብ ገሊጽዎም ኣሎ።
-1-

ሰላም

ሰላም ቀንዲ ቅድመ ኩነት ንምርግጋጽ ፍትሕን ብልጽግናን ምዃኑ ንኣምን። ህዝቢ ኤርትራ ብሰሪ ሰንሰለታዊ ባዕዳዊ መግዛእትታት ንመዋእላት ሰላም ስኢኑ እተሳቐየ ህዝቢ እዩ። ድሕሪ እቲ ብኽቡር መስዋእቲ ደቁ እተረኽበ ናጽነት ሃገር፡ ኩሉ ሕሉፍ ስቅያቱ መደምደምታ ረኺቡ ሰላም ዘውሕስ ኩነታት ክፍጠር ነይርዎ። ሰላም ግን ንባዕዳውያን ገዛእቲ ብምስጓግ ጥራይ ክረጋገጽ ኣይከኣለን። እቲ ድሐሪ ናጽነት ኣብ ሃገርና እተተኽለ ስርዓት ብዓንዳሪ ፖሊሲ ውግእ ንህዝብና ጌና ኣብ ዘይቅሱን ኲነታት ከምዝነብር ገይርዎ ኣሎ። በዚ ምኽንያት፡ ሰዲህኤ ንህሉው ኲነታት ሃገርና ብመሰረቱ ንምቕያር ኣብ ዘካይዶ ዘሎ ቃልሲ፡ ምርግጋጽ ሰላም ቀንዲ ዕላምኡ እዩ። ንሰላም ከም ቀንዲ ዕላማን፡ ቅድመ ኲነት ንምርግጋጽ ፍትሕን ብልጽግናን ገይሩ ስለ ርእዮ ከኣ፡ ንመላኺ ስርዓት ኣልጊሱ፡ እቲ ንወተሃደራዊ ሓይሊ ምልኪ ኣብ ምዕባይ ዝውዕል ዘሎ ዓቕሚ ሃገርናን ህዝብናን መንእሰያትናን፡ ኣብ ምርግጋጽ ሰላምን ፍትሕን ብልጽግናን ክውዕል ከይተሓለሎ ክቃለስ እዩ። እቲ ገደብ ግዜ ዘይብሉ፡ ንኣእምሮን ጉልበትን መንእሰያት ሃገርና ብኸንቱ ዘህልኽ ዘሎ፡ ዘይሕጋዊ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ህሉው ስርዓት ሰሪዙ፡ ንመሰልን ጉቡእን መንእሰያትን ኤርትራ ብሚዛን ዝሕዝ፡ ንመጻኢ ዕድሎም ብሓልዮት ዝምልከት ፖሊሲ ከተኣታቱ እዩ። ሰላም ኣብ ሞንጐ ኤርትራውያንን፡ ምስ ጐረባብቲ ሃገራትን ዓለምን ክረጋገጽ ከኣ ቀንዲ ዕላምኡ ገይሩ ክቃለስሉ እዩ።

-2-

ፍትሒ

ፍትሓዊ ስርዓት ምትካል፡ ዋሕስ ሰላም ምዃኑ ንኣምን። እቲ ንፖለቲካውን ሰብኣውን መሰላት ህዝቢ ኤርትራ ረጊጹ ዝገዝእ ዘሎ መላኺ ስርዓት ኤርትራ፡ ረብሕኡ ሃገርና ኣብ ቀጻሊ ኩነታት ውግእ ክትነብር ከላ እዩ። ሰላማዊ ኲነታት፡ ትኹረት ህዝብና ኣብ ጉዳይ ምምሕዳር ሃገሩን ኣብ ጉዳይ መሰላቱን ክጽመድ ምቹእ ኩነታት ስለ ዝፈጥር፡ መለኽቲ ንሰላም ዝዕንቅፍ ቐጻሊ ተንኮላት ኣብ ምእላም ይርከቡ። ሰዲህኤ ብእንጻሩ፡ ፍትሓዊ ስርዓት ንምትካል ቆጸራን መመኽነይታን ዘየድልዮ ህጹጽ ታሪኻዊ ጠለብ ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑ ስለ ዝኣምን፡ ንመለኽቲ ብኹሉ መደያት እናበደሀ ነቲ ፈታው ውግእን ዓንቃፍን ዕላምኦም እናእቃልዐ ኣብዝሓ ሰልፍታት ዝመሰረቱ ፍትሓዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ንምትካል’ዩ ዝቃለስ።

-3-

ብልጽግና

ብልጽግና ቀዳማይ ኣጀንዳ ሃገርና ዝኸውን፡ ህዝብና ብኹሉ ዓቕሙ ኣብ ምቕያር መነባብርኡ ተጸሚዱ ክዕወት ዝኽእል፡ ሰላምን ፍትሕን ኣብ ዝተረጋግጸሉ ግዜን ኲነታትን ምዃኑ ንኣምን። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ድኽነትን፡ ድሕረትን፡ ሕማምን፡ ድንቁርናን ዝርከብ ብሰሪ እቲ ክሓልፎ ዝጸንሐ ሰላም ዘበዀሮ ዘይቅሱንን ዘይፍትሓውን ኲነታት እዩ። እዚ ኲነታት እዚ ብመስረቱ ተቐይሩ ሕረስ ሓረስታይ ንገድ ነጋዳይ ዝብል ናጻ ዕዳጋ ዝመሰረቱ ስርዓት እንተድኣ ተተኺሉ ግን፡ ህዝብና ጻዕረኛን ንመነባብርኡ ንምቕያር ዓቕሚ ዘለዎን ብምዃኑ ሃገርና ክትዕንብብን ክትብልጽግን ምዃና ንኣምን።

ሰዲህኤ ነዞም ኣብ ላዕሊ ተቐሚጦም ዘለው ስለስተ ኣምራት ኣብ ቅዋሙ ብንጹር ከስፍሮም ከሎ፡ ለውጢ ብሓይሊ ህዝቢ ኤርትራ ክረጋገጽ ምዃኑ ምሉእ እምነት ስለ ዘሕደረ እዩ። ግደ ሰልፍታትን ውድባትን ንህዝቢ ምምሃር ምውዳብ ንቓልሲ ምትብባዕ እዩ። እቲ ታሪኽ ክሰርሖ ዘለዎ ግን ህዝብና ባዕሉ እዩ። ንህዝቢ ኤርትራ ተኪኡ ባዕሉ እተኸሸነ ጸጋ ከምጽእ ዝማባጻዕ ሓይሊ ቅኑዕ መንገዲ እተኸተለ ኣይኮነን።መብዛሕትኡ ኣብ ውድባት ኤርትራ እንርእዮ ዘለና መሰረታዊ ጌጋ ድማ ከምኡ ዝመስል እዩ።ተቓወምቲ ውድባትን ሰልፍታትን ግደአን ንህዝብና ምምሃር ምውዳብ ንቓልሲ ምትብባዕ ምዃኑ ኣጽኒዐን እንተሕዘንኦ ኩሉ እቲ ኣብ ዕግርግር ዘእትወና ዘሎ ዓለባታት ምተቐንጠጠ ነይሩ። ስርሕና ድማ ክንደየናይ ኣድማዕን ኣፍራይን ምዃነ። እዚ ተዘንጊዑ ኣብ ካልእ ጓል ነገር ምስ ኣድሃብና ግን ከበድቲ ቅርጽታትን ሰነዳትን ኣብ ምድላው ግዜና ኣጥፍእና ኣብ ፍጹም ከሰሓሕብ ዘይግብኦ ጉዳያት ነብስና ክንልሕጽጽ ንርአ ኣለና።
ለውጢ ብሓይሊ ህዝቢ ኤርትራ ክረጋገጽ እዩ። ንለውጢ ደው ዘብል ሓይሊ ድማ ክርከብ ኣይኮነን። እቶም ንግዝያዊ ጸገማት ኣጋኒኖም እናረአዩ ተስፋ ዝቖርጹ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ እምነት ክህልዎም ንመክር። ቃልስና ብዓቐብን ቅልቁልን ክሓልፍ’ዩ ኣብ መወዳእታ ግን ህዝቢ ኤርትራ ክዕወት ምዃኑ ፍጹም ኣብ ምጥርጣር ክወድቕ የብሉን። ለውጢ ብርግጽ ብሓይሊ ህዝቢ ኤርትራ ክረጋገጽ እዩ።

No comments:

Post a Comment