Pages

Thursday, January 3, 2013

ግዜ እንተዘይ ስዒብካዮ ኣይጽበየካን’ዩ

ግዜ ኣብ ኩሉ ህይወትና ናቱ ጽልዋን ተጽዕኖን ስለ ዘለዎ ኣብ ኩሉ ምንቅስቓስና ክንጠቕሶን ኣብ ግምት ከነእትዎን ግዱዳት ኢና። ‘’ግዜ ንዘምጸኦ እንታይ ይግበር፡ ንኹሉ ግዜ ኣለዎ፡ መዓልትን ከልብን ከይጸዋዕካዮም ይመጹ’’ ዝብሉ ኣብሃህላታት ግዜ ናቱ ነጻነት ዘለዎ ማንም ዘይዓግቶ ዘይደክም ተጐዓዛይ ምዃኑ ዘመላኽቱ ኣበሃህላታት እዮም።

ሓደ ነገር ክትሰርሕ ሕቶ ወይ ወኸሳ ክቐርበልካ እንከሎ ‘’በልስኪ ግዜ ሃበኒ’’ ትብል። እዚ ድማ ግዜ ክሳብ ክንደይ ሓያል ረቛሒ ምዃኑ ዘመልክት እዩ። ነቲ ዝተዋህበካ ግዜ ኣብ’ቲ እዋኑ እንተዘይተጠቒምካሉ ግና ግዜ ጉዕዞኡ ቀጻሊ እዩ። ስለዚ ግዜ ኣብቲ ቆጸራኻ እንተዘይተረኺብካ መትረፊኻ ወይ መደንጐይኻ ብዘየገድስ ዋላ ንካልኢት ትኹን ዘይጽበየካ ኣጠርሚሙ ዝኸይድ ተጐዓዛይ እዩ።

ንጉዳይ ግዜን ኣጠቓቕምኡን መምስቲ ዝተሰለፍካሉ ሜዳ ኢኻ ክትቃንዮ እትግደድ’ሞ ንሕናውን ብመንጽር እቲ ሒዝናዮ ዘለና ኣዝዩ ዘገምታዊ ናይ ለውጢ ቃልሲ መስርሕ ኢና ክንመዝኖ። ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ 30 ዓመታት ወሲዱ። ብዙሓት ወገናት ጐናዊ ጓልነገር ጉዳያት እንተዘይሕወሶ ክንድኡ ክወስድ ኣይመተገበአን ዝብሉ ኣለዉ። ነቲ ዘጋጠመ ናይ ሕድሕድ ውግእ ድማ ከም ኣብነት ይገልጽዎ። ዘይሩ ዘይሩ ንግዜና ከምቲ ግቡእ ኣብ መሰረታዊ መዓላኡ ስለ ዘየውዓልናዮ ቃልስና ነዊሑ ዝኸፈልናዮ ዋጋ ዝያዳ ከቢዱ በሃልቲ እዮም። ግዜ ድማ በቲ ልሙድ ጉዕዞኡ ኣብ መስርሕ ቃልሲ ምእንቲ ነጻነት 30 ዓመታት ተጓዒዙ።

ድሕሪ ነጻነት ኤርትራ ምእንቲ ደሞክራሲ፡ ሰላምን ማዕርነትን እነካይዶ ዘለና ቃልሲ ነዊሕ መስርሕ፡ ብዙሓት ምዕራፋት ዘለውዎ እዩ። ከም ኣብነት ድሕሪ ናይ 1998 ውግእ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ ግዜ ምውሳድ ይከኣል። ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ዋላ’ኳ ቅድሚኡ’ውን ናይ ተቐራሪብካ ምስራሕ ኣድላይነት ይረኣየን እንተነበረ፡ እቲ ውግእ ነቲ ሓቢርካ መተካእታ ናይ ምድላይ ኣድላይነት ስለ ዘቃላጠፎ ሃገራዊ ምሕዝነት ኤርትራ መስረታ። ሽዑ እዩ ድማ ግዜ ከለካ ግዜ ኣይትጸበ’ዩ እሞ ነዚ ኩነታት ክንጥቀመሉ ኣለና ዝብል ኣበሃህላ ጎሊሑ ዝስማዕ ዝነበረ። ግዜ ግና ምእንቲ ውግእ ኢሉ ኣይቅልጥፍ ምእንቲ ሰላም ኢሉ ኣይዝሕል እቲ ግቡእ ቅልጣፈኡ ተኸቲሉ መንገዱ ቀጺሉ። ኣብዚ ጉዕዞዚ ንሕና ማዕረ ግዚ ኣይሰጐምናን። እንዳረኣና እንዳሰማዕና ግዜ ስርሑ እንዳሰርሐ ገዲፉና ከይዱ። ናይ ውግእ ግዜ ሓሊፉ። እቲ ናይ ተዛማዲ ሰላም ግዜ ድማ መድረኽ ተረኪቡ።

ኣብዚ ሎሚ ግዜ ኮይና ጉዳያት ክንዕዘብ እንከለና፡ ንሕና ኣብቲ ናይ ከባቢ 1998/99 ኩነታት ኣለና። እቲ ግዜ ግና 15 ዓመታት ራሕሪሑና ኣብ ድሮ 2013 በጺሑ እነሆ። ሕጂ’ውን ግዜስ መንገዱ ጥጡሕ እዩ ክቕጽል እዩ። ናትና ግና ኣይነጸረን። ብኸመይ ናባበይ ገጽናን ከም ንስጉም ኣይበረሀን። ከምቲ ግቡእ ነቲ ተመሪሕናዮ ዘለና ዓመታት ከነምልስ ዝያዳ ክንጐዪ ምተገበኣና። ከምዚ ኣተሓሕዛና ግና እቲ እንብለጸሉ ዓመታት ዝውስኽዩ ዝመስል። እቲ ጸገመ ብግዜ ብምቕዳምና ጥራይ ኣይኮነን ዝግለጽ። እቶም ናይ ለውጢ ረቛሒታትና ማለት ጉልበት፡ ንብረት፡ ዝያዳ ድማ ናይ ህዝብና ተስፋን ደገፍን ከም ግዜ ካባና ይርሕቁ ምህላዎም እዩ።

እቲ ጉዕዞኡ ዘየቋርጽ ግዜ ጥራይ ኣይኮነን። እቲ ሒዝናዮ ዘለና ናይ ለውጢ መስርሕ’ውን ብዘይካቲ ንሕና ነቐልጥፎ ወይ ነደንጉዮ ናቱ ናይ ጉዕዞ መስርሕ ኣለዎ። ናትና ግደ ነቲ ዘይተርፍ ውሽጣዊ ዕቤቱ ናብ ኣውንታ ወይ ናብ ኣሉታ ናይ ምእላዩ ጉዳይ እዩ። ፍሉጥ ክንደክም እንከለና ነቲ መስርሕ ስለ ዘይንቆጻጸሮ እቲ ኣቕጣጫኡ ካብ ድሌትና ወጻኢ እዩ ዝኸውን። እዚ ንዕዘቦ ዘለና ድማ ከምኡ እዩ። እንተንሕይል ግና ነቲ ዕቤት ናብቲ እንጽበዮ ኣቕጣጫ መወሰድናዮ’ሞ ኣውንታዊ ምኾነ።

‘’ ዝሓለፈስ ሓለፈ ኣይትድገመኒ ኣብ ዝተረፈ” ጽቡቕ ኣበሃህላ ወለድና እዩ። ነቲ ዝሓለፈ ንመሃረሉ እንተኾነ ናቱ እሱራት ኣይንኹን ዝብል መልእኽቲ ንምትሕልላፍ ዝተመርጸ ተረካብ ዘረባ እዩ። ሎሚ ንመሰረታዊ ትርጉም ናይዚ ኣበሃህላዚ ኣጽኒዕካ ናይ ምትግባሩ ምእዙዝ ዘይምዃን እንታይ ዋጋ የኽፍለና ከም ዘሎ ንዕዘቦ ኣለና። ካልእ መዋጸኦ ኸዓ የብልናን። ብመንጽር’ዚ ኣብ ክንዲ ኣብ መጻኢ ጌጋታት ከይድገም ንጽዕር ዝሓለፈ ጌጋታት ክንምርምር ክንብል ሓድሽ ኣንቆራ ጌጋታት ንፈጥረሉ ዘለና ኣካይዳ ቅኑዕ ኣይኮነን።

ስለዚ ስንና ነኺስና ዝሓለፈ ጉዕዞና ዋላ ነዘን ኣቐዲምና ዝጠቐስናየን 15 ዓመታት ንበይነን ወሲድና እንተመዘናየን፡ ውጽኢታዊ ኣይነበረን ክንብል ናይ ግድን እዩ። ኣብዘን ዝሓለፋ ዓመታት ዝተፈጥሩ ግንባራት፡ ኪዳናትን ባይቶታትን ውሽጡ ንዘይተጋለሀ ጐታቲ ስምዒታት ብዘብለጭልጭ ጭረሖታት ኣጐልቢብካ ዝተደኮኑ ስለ ዝነበሩ፡ እነሆ ሎሚ እቲ ጉልባብ ግዜኡ ሓልዩ ተቐሊዑ እቲ ግጉይ ትሕዝቶ ባዕሉ ክዛረብ ጀሚሩ። ስለዚ እዞም ምትእኽኻባት እዚኣቶም ነንብሶም በበይኖም ከም ናይ መቐጸሊ መወከሲ ተዘይወሰድዋ ይምረጽ።

ከም ንድሕሪት ምምላስ ሕማቕ ነገር የለን። እንተኾነ እቲ ምርጫ ንሱ ጥራይ እንተኾይኑ ምቕባሉ ናይ ግድነት እዩ። ስለዚ 2013’ውን ከምተን ቅድሚኣ ዝነበራ ዓመታት ብዘይ ርኡይ ውጽኢት ኣብ ኢድና ንከይትሓውየና፡ ኣብ ክንዲ በብዘለኻዮ በበይንኻ ርእስኻ ምንቕናቕ፡ ሕጂ’ውን ካልእ ግዜ ከይነባኽን ክንለዓል ይግበኣና።

No comments:

Post a Comment